Download as doc, pdf, or txt
Download as doc, pdf, or txt
You are on page 1of 1

18 ጥሪ ዝርወተ ኣጽሙ ለቅዱስ ጊዮርጊስ ኢዩ።

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ቅዱስ ጊዮርጊስ “ልቡ ለጻድቅ ውኩል ከመ ኣንበሳ” ከም ዝብል ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተመዘዘ ሰይፊ ዝነደደ ሓውን፡ ቁጥዐ
ዲድያኖስ ከይፈርሐ መከራ ተዓጊሱ ብሕማሙን፡ ብሞቱን ንኣህዛብ እናኣእመነ 7 ዓመት ተጋዲሉ። በዚ ዕለት እዚ
ዝዝከረሉ ዓቢ ነገር ድማ፡ እቶም ዓለውያን ብሰይፊ ቆሪጾም ፣ብሓዊ ኣንዲዶም ናብ ጉድጓድ ተደርብዩ ምሟት ምስ
ኣበዮም፡ ንስግኡ ብመንኮርኮር ጥሒኖም ኣብ ደብረ ይድራስ ምስ በተንዎ ከም ትኪ በኒኑ ከም ሓሙኽሽቲ ተበቲኑ ዝነበረ
ስግኡ፡ ብዘይ ምርመር ጥበብ እግዚኣብሔር ተኣኪቡ ከምኣካል ኮይኑ ከምቲ ዝቐደመ መልክዕ ሒዙ ብምትንሳእ ካብ
ሰራዊት ንጉስን ኣህዛብን ንብዙሓት ከምዝኣምኑ ምግባሩ እዩ (ስንክሳር ሚያዝያ 23) ተመልከት።በረኸትን ኣማላድነትን
ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

You might also like