"The Pedestrian": Ray Bradbury (1951)

You might also like

Download as pdf or txt
Download as pdf or txt
You are on page 1of 5

ጨና ሰብ

“The Pedestrian”

ስእሊ፡ Joseph Mugnani

ድርሰት፡ Ray Bradbury


(1951)
ትርጉም፡ ደስታ ገብረመድህን
(2020)
ዝስማዕ ድምጺ የለን። ገና ምሸት ሰዓት ክልተ እንከሎ፡ ከውታ ለይቲ ይመስል።
ኣብዛ ብግመ ዝተሸፈነት ምሸት፡ ኢዱ ናብ ጅብኡ ኣእትዩ፡ ኣብቲ ጻህያይ ዘብቆለ ዝተፈሓሓረ መገዲ እግረኛታት፡ ብጽምዋ
ተዓጂቡ ሰለይ ይብል።
ሎሚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኩሉሻብ ከምኡ ምግባር ባህ እዩ ዝብሎ።
ኣብ ቀራና መገዲ ምስበጽሐ ኣብ ሓደ ጸግዒ ደው ኢሉ፡ ነቲ ብብርሃን ወርሒ ጫሕ ኢሉ ዝረኣይ ጎደናታት ይዕዘቦ። በየናይ
ክኸይድ ኢሉ፡ ናብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት የቋምት። ግንከሲ መለሳ የብሉን። በቲ ከደ፡ ናብቲ ኣበለ፡ ኩሉ ሓደ።
ኣብ ዓመተ 2053፡ በይኑ እዩ ዘሎ። ማለትሲ በይኑ እዩ ዘሎ ምባል ይቐልል።
ኣብ መወዳእታ፡ መገዲ መሪጹ ሰልይታኡ ይቕጽል። ከም ትኪ ሽጋራ፡ ሃፍኡ ንቕድሚት እናብነነ ዘጓሕ ይብል።

ሓንሳብ ሓንሳብ፡ ንሰዓታት ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዙ፡ ፍርቂ ለይቲ እዩ ንገዝኡ ዝምለስ። ኣብ መገዱ፡ ናብቶም ጽልግልግ
ዝብል መሳኹቲ ዘለዎም ገዛውቲ ግልጽ ይብል። ዳርጋ ኣብ መካነ መቓብር ትዛወር ዘለኻ እዩ፤ በቲ መሳኹቲ ጽልግልግ
ዝብል ብርሃን ጥራይ እዩ ዝረኣየካ።

መጋረጃ ኣብ ዘይብሎም መልግብ ዝመስሉ ገዛውቲ፡ ሓልሓሊፉ ጽላሎት ሕልው ይብለካ። ካብቲ ዘይተዓጸወ መሳኹቲ
ከኣ ሕሹኽሹኽታን ዕጉምጉምን ጥራይ ይስማዕ።
ሊዮናርድ ደው ይብልሞ፡ እዝኑ ኩር ኣቢሉ የጸናጽን፡ ተመሊሱ ኸኣ ጉዕዝኡ ይቕጽል። ኣብቲ ሓባጥ ጎባጥ መገዲ፡ ኣእጋሩ
ደርጓዕ ከይብሉ እናተጠንቀቐ።
ምሸት ክጓዓዝ እንከሎ፡ ድምጺ ዘየውጽእ ጫማ ምግባር ካብ ዝጅምር ጸኒሑ እዩ። እምበርከስ፡ እቶም ነነሻዕ ዝመላለሱ ናይ
ሓለዋ ኣኽልብቲ እናነብሑ እግሪ እግሩ ምሰዓብዎ።
በዚ ምሸት፡ ነዚ በይኑ ዝጓዓዝ ሰብ እንተዝርእይዎ፡ ሰባት መብራህቲታቶም ወሊዖም ምተቐልቀሉ፤ መንደር ምሉእ
ምሰንበደ።
ኣብዛ ምሸት፡ ንምዕራብ ገጹ እዩ ጉዕዞ ጀሚሩ፡ ናብቲ ሩባ ገጹ። ነቶም ዝረገፉ ናይ ቀውዒ ኣቑጽልቲ ክረግጾም ከሎ
ዘውጽእዎ ሓሸውታ፡ ብዕግበት እናሰምዐ ይጓዓዝ።
ዝሕል ዝበለት፡ ዘይትስማዕ ፋጻ እናፋጸየ ንሓንቲ ቆጽሊ ኣልዒሉ ይጥምታ። ኣብ ብእግሪ እቶም ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም
ዝተተኸሉ መብራህታት ኮይኑ፡ ንመስመር ሰራውር ናይታ ቆጽሊ ኣጸቢቑ ይርእያ እሞ፡ ናብ ኣፍንጭኡ ኣቕርብ ኣቢሉ
ሽተኣ ይምዕጎ።
ናብቶም ብየማነ ጸጋሙ ዘለዉ ገዛውቲ ቁሊሕ ኢሉ፡ ብሰላሕታ “ከመይ ኣምሲኹም?” ኢሉ እዩ ሓሊፉ።
“ኣብ ቴሌቪዥን፡ እንታይ ይበሃል ኣሎ?” ኢሉ ከኣ ዝምልሰሉ ዘይብሉ፡ ሕቶ ሓተተ።
ነቲ ነዊሕ፣ ጽምው ባዶ ጽርግያ፡ ከምዚ ኣብ ሜዳ ብዘይ ኣዋዲ ዝዝምቢ ጽላሎት ሊሎ፡ ናቱ ጽላሎት ጥራይ ብሒትዎ ይረኣ
ይ።
ዓይኑ ዓሚቱ ቀጥ ኢሉ ደው እንተዝብል፡ ጥር እትብል ገዛ ኣብዘይብሉ ኣብ ማእከል ሰጣሕ ምድረበዳ ዘሎ ምመሰሎ።
ነታ ኣብ ኢዱ ዝኣሰራ ሰዓቱ ጥምት ኣበላ እሞ፡ ናብቶም ገዛውቲ ዘይሩ “እሞኸ፡ እንታይ ትርእዩታ ኣለኹም?” ከኣ በለ።
“ክልተን ፈረቓን ኮይኑ! ፊልሚ ምቅትታልዶ ሕቶን መልስን ትርእዩታ? ዋዛ ዶ ዋላስ ሰብ እናወደቐ ትርእዩ’ለኹም?”
ሰሓቕ ዝሰምዐ መሲልዎ ደው ክብል ተገኣጊኡ ነይሩ፤ ገለ ተወሳኺ ስለዘይሰምዐ ግን ጉዕዝኡ ቀጺሉ። እግሩ ኣብ ጉድጉድ
ዝበለ ስለዝረገጸ፡ ተዓንቂፉ። እቲ ናይ ሰብ መገድታት፡ ብሳዕርን ተሓግን ስለዝተሸፈነ፡ ክትረግጾ ድልዱል ኣይኮነን። እቲ ስ
ሚንቶ ድማ እናተበልዐ ከይዱ እዩ።
ንዓሰርተ ዓመት ብቐትሪ ወይ’ውን ብለይቲ ክጓዓዝ፡ ጉዕዞ እግሪ ዝገብር ካልእ ሰብ ረኺቡ ኣይፈልጥን። ኣብዚ ኹላይ ግዜ፡
ዋላ ሓደ ሰብ!
ነታ ከተማ ዘቋርጹ ክልተ ዓበይቲ ጎደናታት ናብ ዝሓልፈሉ መስቀለኛ መገዲ በጺሑ። ነዚ ጎደናታት፡ ብቐትሪ ማእለያ ዘይ
ብለን መኻይን እየን ዝመላለሰኦ። እቲ መዐደሊ ነዳዲ ተኸፊቱ፡ ንየን ነጀውን ክመላለሳ ሓጨውጨው ዝብላ መኻይን፡
ትኪ እናተፍኣ ዓሰስ ክብላ እየን ዝውዕላ።
ሕዚ ግን፡ ኣብ ሓጋይ ደሪቑ እምኒ ጥራይ ሒዙ ዝተረፈ ሩባ ይመስል።
ሓንቲ ጸባብ መገዲ ሒዙ ዘይሩ ንገዝኡ ክምለስ ጀሚሩ።
ናብ ቤቱ ክበጽሕ ሓደ ኣንጎሎ ምስተረፎ፡ ሓንቲ መኪና ሃንደበት ብቕድሚኡ ተቐልቂላ ደሚቕ ጻዕዳ መብራህቲ ናብ ገጹ
ኣዕለቕለቐቶ።

ተደኒቑ ደው በለሞ፡ ተመሊሱ ከኣ ናብቲ መብራህቲ ገጽ ክስጉም ጀሚሩ።


ካብታ መኪና ሓጺናዊ ጣዕሚ ዘለዎ ድምጺ ሰምዐ።
“ደው በል፡ ኣብ ዘለኻዮ ኩን! ከይትንቀሳቐስ”
ደው ኢሉ።

“ኢድካ ንላዕሊ!”
“ግን እኮ -” ኢሉ ክዛረብ ምስጀመረ
"ኢድካ ንላዕሊ! ወይ ከኣ ክንትኩስ ኢና!”

ፖሊስ እዮም፤ ግንሲ እዚ ወዝቢ ዘየጋጥም ኩነታት እዩ። ኣብዛ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ዝነብሩላ ከተማ፡ ሓንቲ ናይ ፖሊስ
መኪና ጥራይ እያ ተሪፋ ዶ ኣይተብሃለን?
ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ጀሚሩ፡ መረጻ ካብ ዝተኻየደሉ 2052 ንደሓር፡ ሓይሊ ፖሊስ ካብ ሰለስተ መኪና ናብ ሓንቲ
መኪና ተነክዩ እዩ።
ገበን እናጠፍአ ስለዝኸደ፡ ፖሊስ ኣየድልን። እዛ ሓንቲ መኪና ንበይና ኣብቲ ጽምው ጽርግያታት ትዘውር።
“ስምካ?” በለት እታ ናይ ፖሊስ መኪና ብሓጺናዊ ድምጺ።
እቲ መብራህቲ ንዓይኑ ስለዝደጉሖ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ መኪና ዘሎ ሰብ ክርእዮ ኣይከኣለን።
“ሊዮናርድ ሜድ” በለ።
“ዓው ኢልካ ተዛረብ”
“ሊዮናርድ ሜድ”
“ስራሕ ወይ ሞያኻ?”
“ጸሓፋይ ክትብለኒ ትኽእል”
“ሞያ የብሉን” በለት እታ ናይ ፖሊስ መኪና ከምዚ ንባዕላ እተውግዕ ዘላ።
“ደሓን ከምኡ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ” በለ ሊዮናርድ።
ንዓመታት ኣይጸሓፈን። መሸጣ መጽሄታትን መጻሕፍትን ካብ ዝተርፍ ብዙሕ ገይሩ። ሕዚ፡ ሰባት ኣብቲ መቓብር ዝመስል
ገዝኦም፡ ብናይ ቴሌቭዥን መብራህቲ ተዓጂቦም እዮም ምሸቶም ዘሕልፉ ኢሉ ሓሰበ።
ከም ምውታት ኮፍ ኣብ ዝበልሉ፡ ሕብርታት ናይቲ ቴሌቭዥን ኣብ ገጾም ደኣ ይዓርፍ እምበር፡ ናይ ብሓቅ’ኳ
ኣይትንክፎምን።
“ሞያ፡ የብሉን” በለ ካብታ መኪና ዝወጸ ድምጺ።
“ኣብ ደገ እንታይ ትገብር ኣለኻ?”
“ጉዕዞ እግሪ ይገብር”
“ጉዕዞ እግሪ ማለት?”
“ስቕ ኢለ ይጓዓዝ” በለ ኣቕልል ኣቢሉ።
“ጉዕዞ ማለት? ስቕ ኢልካ ጉዕዞ?”
“እወ”
“ናበይ ትጓዓዝ ኣለኻ? እንታይ ክትገብር?”
“ኣየር ደልየ፡ ንፋስ ክቕበል ይጓዓዝ ኣለኹ። ክርእይ ይጓዓዝ ኣለኹ”
“ኣድራሻኻ ኣበይ እዩ?”
ኣድራሽኡ ተዛሪቡ።
"ኣብ ገዛኻ ኣየር ኣሎ ኣንድዩ ሊዮናርድ?”
“እወ”
“ክትርእይ እንተደሊኻ ኸኣ፡ ኣብ ገዛኻ መርኣዪ ስክሪን ኣለካ እንድዩ?”
“የብለይን”
“የብልካን?” ናይ ወቐሳ ብዝመስል ድምጺ።
“ሓዳር ኣለካ ዶ ሊዮናርድ?”
“የብለይን”
“ሓዳር የብሉን” በለት እታ ናይ ፖሊስ መኪና።

ወርሒ ኩልዕ ኢላ ብርሕቐት ትረኣይ፡ እቶም ገዛውቲ ግን ሕዚ’ውን ጸልሚቶምን ጸሚዎምን ይረኣዩ።
“እትምርዓወኒ ኣይረኸብኩን” በለ ሊዮናርድ ፍሽክ ኢሉ።
“ከይተሓተትኻ ኣይትመልስ”
ሊዮናርድ ኣብዚ ቀዝሒ ዝዓሰሎ ምሸት፡ ስቕ ኢሉ ተጸበየ።

“ስቕ ኢልካ ኢኻ ትጓዓዝ ነይርካ?”


“እወ”
“ንምንታይ ትጓዓዝ ከምዝነብርካ ግን ኣይገለጽካን”
“ገሊጸባ! ኣየር ደልየ፡ ንፋስ ክቕበል፡ ክርእይ፡ ስቕ ኢለ ከኣ ክጓዓዝ”
“ኩልሻብ ዲኻ ከምኡ ትገብር?”
“ንዓመታት፡ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ”
እታ ናይ ፖሊስ መኪና፡ ሰላሕ ዝበለ ሓጺናዊ ዕጉምጉምታ እናውጸአት ኣብ ማእከል ጽርግያ ተገቲራ ኣላ።
“ጽቡቕሞ ሊዮናርድ” በለት።
“ወዲእና ዶ?” ኢሉ ብትሕትና ሓቲቱ።
“እወ” ድሕሪ ምባል “ናብዚ ንዓ” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ናይታ መኪና ናይ ድሕሪት በሪ ከኣ ተጋሕገሐ።
“እቶ”
“ጽንሑባ፡ ዝኣበስኩዎ ዘይብለይ!”
“እቶ”
“ኣይቅበሎን እዚ”
“ሊዮናርድ”
ሃንደበት ከምዝሰኸረ ሰብ ተንከርከር እናበለ ቐረበ። ነቲ ናይታ መኪና ናይ ቅድሚት በሪ ክሓልፎ ከሎ፡ ንውሽጢ ጠሚቱ።
ከምቲ ዝጠርጠሮ፡ ኣብ ቅድሚት ሰብ የለን፡ ብስሩ’ምበር ኣብታ መኪና ሰብ ዝበሃል የለን።

“እቶ”
ኢዱ ኣብቲ ማዕጾ ገይሩ ንውሽጢ ተቐልቂሉ። ኣብ ዳሕረዋይ መንበር ናይታ መኪና፡ ብሓጺን ዝተሓጸረ ንእሽቶ ቤት
ማእሰርቲ ኣሎ።
ሓጺን ሓጺን ይጨኑ። ብመድሓኒት ከምዝተወልወለ ጨንኡ የፋልጥ። እቲ ጨና ጽሩይ፡ ብርቱዕን ሓጺናውን እዩ። ዝኾነ
ልስሉስ ነገር ኣይትሪአሉን።
“ናበይ ኢኹም ክትወስዱኒ?”
እታ መኪና መልሲ ንምሃብ ዘማተአት መሰለት። ብሰላሕታ፡ ኤሌክትሪካውን ሓጺናውን ገልጠምጠማት ምስገበረት፡
ጽንሕ ኢላ “ንድሕሪት ናይ ምምላስ ዝንባለታት ዘርእዩ ሰባት ናብ ዝሕከምሉ ማእከል ሕክምና ስነኣእምሮ”

ኣትዩ። እቲ ማዕጾ ብቐስታ ተዓጸወሞ፡ እታ ናይ ፖሊስ መኪና ድብዝዝ ዝበለ መብራህታ ወሊዓ ምኻድ ጀመረት።

ቁሩብ ጸኒሖም ኣብ መገዲ፡ ድሙቕ መብራህቲ ዘለዎ ገዛ ሓለፉ። ኣብታ ከተማ ዘለዉ ገዛውቲ ኩሎም ጸልሚቶም እናሃለዉ
እዛ ገዛ ግን ኩሉ መብርህትታታ ተወሊዑ፤ ቢጫ ድሙቕ መብራህቲ ብኹሉ መሳኹታ ይረኣይ። ኣብ ማእከል እዚ ዝሑል
ጸልማት፡ ድምቕትን ምውቕትን ገዛ።
"ናተይ ገዛ እዩ እዚ” በለ ሊዮናርድ።
ዝመለሰሉ የለን።
እታ መኪና፡ ባዶ መገድታት ንድሕሪታ እናገደፈት፡ በቲ ጽምው ጽርግያ ንቕድሚት ተዓዘረት። ዝስማዕ ድምጺ ወይከ፡
ሕልው ዝብል ምንቅስቓስ’ውን የለን።
ጽምው፡ ዝሑል ምሸት።

You might also like