Download as pdf or txt
Download as pdf or txt
You are on page 1of 5

ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት (ናይ ኣዴታት)

መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 4 ክሳዕ 7 መዓልታት ዝበጽሕ ወርሓዊ ጽግያት ብመልክዕ መድመይቲ ማህጸን ይመጸን።
እዚ ንቡር ኮይኑ ንሓንቲ ካብ ንእስነት ናብ ግርዝውና ትኣቱ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ክንገራ ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ኣካቢዳ
ክትሪኦን ኣደዳ ጭንቀት ክትኸውንን ትኽእል። ተራ ናይ ኣደ ኣብዚ ጉዳይ ዓቢ እዩ።
ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት እምበኣር ትሕቲ 21 መዓልታት ወይ ልዕሊ 35 መዓልታት እብረ ዘለዎ፡ ሰለስተን ልዕሊኡን
እብረታት ናይ ወርሓዊ ጽግያት ከይመጸ ምስዝጸንሕ፡ ስሩዕ እንከሎ ኣዝዩ ከቢድ ወይ ኣዝዩ ፈኲስ መድመይቲ ማህጸን
ምስዝህሉ የጠቃልል። መድሃኒታትን መጥባሕትን ቀንዲ ፍወሳታት ናይዚ ሕማም እዮም።

ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት እንታይ እዩ፧

መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገምጋም 28 መዓልታት እንዳተደጋገመ ዝኸይድ ካብ 4 - 7 መዓልታት ዝፈስስ
ወርሕዊ ጽግያት ኣለወን። ብተወሳኺ ካብ 21 - 35 መዓልታት'ውን ከይተረፈ ንቡር እዩ ዝበሃል።

ገለ ካብ ኣብነታት ሽግራት ወርሓዊ ጽግያት ዝበሃሉ እዚኣቶም እዮም፡

- ትሕቲ 21 ወይ ልዕሊ 35 መዓልት ጸቁጡ ዝቅልቀል መድመይቲ።


- ሰለስተን ልዕሊኡን ኣዋርሕ ከይመጸ እንተጸኒሑ።
- ዋላ'ኳ ስሩዕ እንተኾነ፡ ካብቲ ንቡር ዝፈሰሉ ዝነበረ ዝፈኾሰ ወይ ዝኸበደ እንተመጽዩ።
- ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ እንተፈሲሱ።
- ስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት መጠናዊ መድመይትን እንከሎ፡ ክቱር ቃንዛ፡ ቅርጸት፡ ዕግርግር ወይ ተምላስ ዝረአ እንተኾይኑ።
- መድመይቲ ወይ ድማ ነጠብጣብ ደም ብድሕሪ ወርሓዊ ጽግያት ምውድኡ ወይ ድሕሪ ንጽፈ ጻግነ (menopause)
ወይ'ድማ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ እንተተራእዩ።

ኣብነታት ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ሕማማት ዝበሃሉ፡

* ዘይምቅልቃል ወርሓዊ ጽግያት -- ጥንሲ፡ ኣብ ምጥቧብ ዘላ ኣደ ወይ ንጽፈ ጻግነ ዝበጽሐት (ካብ 45 -50 ዓመት
ዝዕድሚአን ዝመጽእ) እንተዘይኮይኑ፡ ካብ 90 መዓልታት ንላዕሊ ወርሓዊ ጽግያት እንተዘይተራእዩ። ነኣሽቱ ደቂ ኣንስትዮ
15 - 16 ዕድመ በጺሐን ከለዋ ዘይጀመረን ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ድሕሪ እጥባተን ምዕዃኹ መድመይቲ
ዘይጀመረን ኣብዚ ደረጃ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ይስረዓ።
* ኣዝዩ ስሕት ኢሉ ዝረአ ወርሓዊ ጽግያት።
* ኣቀንዛዊ ወርሓዊ ጽግያት'ውን ስሩዕ እንከሎ ኣዝዩ ብርቱዕ ቅርጸትን ጽቡቅ ዘይምስማዕን ዝመጽእ ኢዩ። ኣብዚ ክፍለጥ
ዘለዎ ቁሩብ ቃንዛ ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ንቡር እዩ።
* ዘይንቡር መድመይቲ ማህጸን ብርክት ኢሎም ጸገማት ዝሓቁፍ እዩ። ንኣብነት ኣዝዩ ብዙሕ ዓቀን መድመይቲ፡ ካብ 7
መዓልታት ንላዕሊ ዝፈስስ፡ ወርሓዊ ጽግያት ወዲኡ ተባሂሉ እንከሎ ወይ ግዜ ጾታዊ ርክብ ወይ ድማ ድሕረ ንጽፈ ጻግነ
(menopause) መድመይቲ እንተተራእዩ ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ጠንቂ ናይ ዘይንቡር መድመይቲ እንታይ እዩ?

ብርክት ዝበሉ ጠንቅታት ከም ጸቅጢ ኣእምሮን ካልኦት ውሽጣውያን ሕማማትን ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ከምጽኡ
ይኽእሉ። ሓደ ብሓደ ምስ እንሪኦም፡

- ጸቅጢ ኣእምሮን ካልኦት ሃሰይቲ ኣነበባብራን። ገለ ምልክታት ንምጥቃስ ከም ብብዝሒ ሚዛን ኣካላት ምውሳኽን ወይ
ብብዝሒ ምጉዳል፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ክትቀጥን ኢልካ ኣመጋግባኺ ምጒዳል፡ ቅድሚ ሕጂ ስሩዕ ምንቅስቃስ ትገብርዮ
ዝነበርኪ ሃንደበት ተኽቢድክዮ ወይ ለውጢ ተጌርክሉ። ኣብ ርእሲ እዚ መገሻን ሕማም’ውን ካብ ጠንቅታት ክኾኑ
ይኽእሉ።
- መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት ምውሳድ። መብዛሕትኦም እዞም ከምዚኦም ከኒናታት ፕሮጀስቲንን ኤስትሮጀንን ቀመማት
ዝሓዙ ኮይኖም ማህደር እንቋቅሖ፡ እንቋቅሖ ከይጸፍያ ዝከላኸሉ እዮም። ስሕት ኢልኪ ትጥቀምሎም እንተኾንኪ ወርሓዊ
ጽግያት ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል። ገለ ደቂ ኣንስትዮ ንከባቢ 6 ወርሒ ብድሕሪ እዞም መድሃኒታት ምውሳደን ዘይስሩዕ ወይ
ድማ ወርሓዊ ጽግያት ከምዘይመጽእ ይገብር። ጥንሲ ክትሕዚ መደባት እንተለኪ ነዚ ነገራት ከተስተውዕሊ ኣለኪ።
ፕሮጀስቲን ኬሚካል ጥራይ ዘለዎ መከላኸሊ ጥንሲ ዝወስዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንጎ ተኸታቲሎም ዝመጹ ክልተ ወርሓዊ
ጽግያት መድመይቲ ክህልዋ ይኽእል።
- ናይ ማህጸን ጥረታት ወይ መንገኛ ናይ ምዝርጋሕ ባህሪ ዘይብሎም ጥረታት ኮይኖም ካብ መናድቅ ማህጸን ዝነቅሉ እዮም።
ዝተፈላለየ ቅርጺ ዓቀንን ክህልዎም ዝኽእሉ ኮይኖም ካብ ክንዲ ፍረ ናይ ቱፋሕ ክሳዕ ክንዲ ወይኒ ይኾኑ። ዋላ'ኳ ሕያዎት
ዘይዝግሑ ጥረታት እንተኾኑ ከቢድ መድመይትን ቃንዛን ዘለዎ ወርሓዊ ጽግያት ክፈጥሩ ይኽእሉ። ኣዝዮም ዓበይቲ
እንተኾይኖም ኣብ ባጡቅን ፍሕኛን ጸቅጢ ጌሮም ሕማቅ ከምዝስመዓኪ ይገብሩ።
- ኢንዶመትሪዮሲስ >>> ንመንደቅ ናይ ማህጸን ከቢቡ ዘሎ ቀጸላ ቲሹ ወርሓዊ ፈሪሱ ከም ጽግያት ኮይኑ ይኸይድ።
ኢንዶመትሪዮሲስ ዝበሃል እምበር እዚ ቲሹ ካብ ማህጸን ሓሊፉ ናብ ካልእ ክፋል ኣካላት ክትከል ከሎ እዩ። መብዛሕትኡ
ግዜ እዚ ቲሹ ንማህደር እንቋቅሖን ሻንብቆ ማህጸንን ይላገብ። ስሕት ኢሉ ድማ ንመዓናጡ፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ምሕቃቅ
መግቢ ዘለዉ ህዋሳት ወይ ድማ ኣብ መንጎ ማህጸንን ባጡቅን ዘለ ቦታ የጥቅዑ። ኢንዶመርዮሲስ ዘይንቡር መድመይቲ፡
ቅድምን ድሕርን ወርሓዊ ጽግያት ቃንዛን ቅርጸትን፡ ኣቀንዛዊ ጾታዊ ርክብ የኸትል።
- ረኽሲ ናይ ጎሎን ማህጸንን (Pelvic inflammatory disease) > እዚ ሕማም እዚ ንስርዓተ ፍርያምነት ጓል ኣንስተይቲ
ዘጥቅዕ ባክተርያ ዝለዓል እዩ። እዞም ባልዕ እዚኣዮም ብሰንኪ ጾታዊ ርክብ ብርሕሚ ተደፊኦም ኣትዮም ንማህጸንን ላዕለዎት
ክፋል ስርዓተ ፍርያምነትን ከጥቅዑ ይኽእሉ። ብካልእ መንገድታት ብሰንኪ ሕክምናዊ መሳርሒ ዝግበር ምትንኻፍ ማህጸን፡
ሕርሲ ወይ ምኻድ ጥንሲ ክመጽእ ይኽእል። ምልክታት ናይዚ ሕማም ሕማቅ ሽታ ዝተሓወሶ ብርቱዕ መድመይቲ ማህጸን፡
ዘይስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት፡ ቃንዛ ታሕተዋይ ክፋል ከብድን ሕቆን፡ ረስኒ፡ ዕግርግር፡ ተምላስን ውጽኣትን ኢዮም።
- ናይ ማህደር እንቋቅሖ ማሕፉዳታት ፈሳሲ ዘኸትል ሕማም (Polycystic ovary syndrome) እዚ ሕማም ሓደን ልዕሊኡን
ዝተፈላለየ ዓቀን ዘለዎም ማሕፉዳታት ፈሳሲ ኣብ ማህደር እንቋቁሖ ክፍጠሩ ከለዉ ይስዕብ። ኣብዚ ሕማም ማህደር
እንቋቅሖ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣንድሮጀንስ ዝበሃሉ ናይ ወዲ ተብዓታይ ሆርሞናት የፍርያ። እዞም ማሕፉዳታት ፈሳሲ
ብመርመራ ኣልትራሳውንድ ወይ ኮምፑተር ክረእዩ ይኽእሉ። ናይዚ ካብ ማህደር እንቋቅሖ ዝብገስ ምምዝባል ሆርሞናት፡
ብስሩዕ እንቋቅሖ ከምዘይጉብዝን ከምዘይወርድን ይኸውን። ኣብ ገለ እዋናት ከምዚ ሕማም ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ዘይስሩዕ
ወይ ጠቅላላ ዘይመጸ ወርሓዊ ጽግያት ክህልዋ ይኽእል። ብተወሳኺ እዚ ሕማም ምስ ምኽሳዕ፡ ዘይፍርያምነትን፡ ካብ
መጠን ንላዕልን ኣብ ዘይንቡር ቦታታት ጸጉርን ፈጸጋን ክምዕብል ይኽእል። ዋላ'ኳ ብልክዕ ጠንቁ ኣይፈለጥ ብሰንኪ
ሆርማናዊ ምምዝባል እዩ ተባሂሉ ይእመነሉ። ፍወሳ ናይዚ ሕማም ኣብ መጻኢ ድሌታት ጥንሲ ናይታ ጓል ኣንስተይቲ
ይምርኮስ። ጥንሲ ምሓዝ መደባት እንተዘይብላ ሚዛን ምጉዳል፡ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት፡ ወይ ንሕማም ሹከር ተባሂሉ
ዝወሃብ ሜትፎርሚን ዝበሃል ከኒና ወርሓዊ ጽግያታ ስሩዕ ኣብ ምግባር ክሕግዝ ይኽእል። ጥንሲ ምሓዝ መደባት እንተለዋ
ግን ምጽፋይ እንቋቅሖ ዘነቃቅሑ ከኒናታት ትወሃብ።
- ዘይእዋኑ ዝስዕብ ድኽመት ፍርያምነት እንቋቅሖ ናይ ማህደር እንቋቅሖ፡ ከም ንፈልጦ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዕድሚኣ
ኣርበዓታት ሓሊፉ ናብ ሓምሳታት ምስ ተጽግዐ ንጽፈ ጻግነ ወይ መኖፖዝ የጋጥም። ኣብ ንጽፈ ጻግነ ማህደር እንቋቅሖ
ምፍራይ እንቋቅሖ ተቋርጽ። እዚ ሕማም እምበኣር እታ ጓል ኣንስተይቲ ትሕቲ 40 ዓመታት ዝዕድሚኣ ክነሳ ኣብ ዘይግዚኡ
ማህደር እንቋቅሖ ስርሓ ይዳኸም። ዋላ’ኳ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ክመጽእ እንተኻኣለ፡ ናይዚ ሕማም እዚ ቀንዲ ተጠቃዕቲ
ፈውሲ መንሽሮ ተባሂሉ ኪሞን ጨረርታ ፍወሳን ዝወስዳ ዘለዋ፡ ኣብ ስድራ ከምዚ ዓይነት ሕማም እንተተራእዩን እየን።
ካልኦት ስሕት ኢሎም ዝረኣዩ ጠንቅታት ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

- ናይ ማህጸን ወይ ክሳድ ማህጸን መንሽሮ


- ናይ ስተሮይድ ወይ ፈውሲ ምርጋእ ደም ስራሕ ዘለዎም መድሃኒታት

- ካልኦት ውሽጣውያን ሕማማት ከም ሕማም መድመይቲ፡ ልዑል ወይ ትሑት ዓቀን ፍርያምነት ናይታ ኣብ ታሕተዋይ
ቅድሚት ክሳድና ተዶኲና ትርከብ ጽኪ ናይ ታይሮይድ፡ ምምዝባል ነዝዒ ሆርሞናት ናይታ ኣብ ታሕተዋይ መሰረት ሽክናና
ተዶኲና ዘላ ጽኪ ፒትዩታሪ

- ምስ ጥንሲ ዝተሓሓዙ ሕማማት ከም ምኻድ ጥንሲ ወይ ዘይንቡር ምትካልን ዕብየትን ድቂ ኣብ ሻንቡቆ ማህጸን

መርመራታት ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት

ከመይ ኢሉ እዩ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ዝፍለጥ፧

ዝኾነ ለውጥታት ናይ ወርሓዊ ጽግያትኪ ምስ ዝህሉ፡ መዓስ ከም ዝጅምርን ዝውድእን፡ ክንደይ ዓቀን ገምጋም ከምዝፈስስ፡
ገዚፍ ዝረገአ ደም ኣለዎ እንተኾይኑ ኣብ መዝገብ ከተስፍርዮ ኣለኪ። ካልኦት ምልክታትኪ ከም ኣብ መንጎ ክልተ እብረ
ወርሓዊ ጽግያት ዘሎ ግዜ ደም ምፍሳስ ወይ ቃንዛ’ውን ከተስተውዕልሎምን ክትምዝግብዮምን ኣለኪ።
ሓኪም ነዚ ናትኪ ምልክታት ሰሚዑ ኣካላዊ መርመራ ንኣብነት ኣጻብዕቲ ተጠቂማ/ሙ ማህጸን ክፍትሽ፡ መርመራ ፓፕ
ክገብረልኪ ይኽእል። መርመራ ፓፕ ብራሽ ተጠቂምካ ናይ ማህጸን ፈሳሲ ወሲድካ ኣብ ትሕቲ ማይክሮስኮፕ ዝግበር
መርመራ እዩ። እዚ መርመራ እዚ ዘይንቡር ባህሪ ከም ናይ መንሽሮ ዋይሆታት ዘለዎም ንምልላይ ይግበር። ሓኪም
ክእዝዞም ዝኽእል ካልኦት መርመራታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

- ዋሕዲ ደም ወይ ካልኦት ውሽጣውያን ሕማማት ንምፍላጥ ዝግበር መርመራ ናይ ደም


- ናይ ጥንሲ መርመራ

- ኣብ ርሕሚ ዝረኣዩ ጎዳእቲ ታህዋስያን ንምፍላጥ ዝግበር ናይ ካልቸር (ኣብ ላባራቶሪ ከምዝዕንቡቡ ጌርካ ብቀሊሉ
ምልላይ ይሕግዝ)

- ናይ ከብድን ጎሎን መርመራ ኮምፒተር (ኣልትራሳውንድ) ኣብ ማህጸን ንዝረኣዩ መንገኛታት፡ ሕያዎት ጥረታት ወይ’ውን
ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ናይ ማህደር እንቋቅሖ ማህፉዳታት ፈሳሲ ንምፍላጥ የኽእለና።

- ናይ ውሽጣዊ ቀጸላ ማህጸን ወይ ኢንዶመትርዩም ቲሹ ተወሲዱ ዝግበር መጽናዕቲ ባዮፕሲ። እዚ መርመራ እዚ ኣብ ላዕሊ
ዝቀስናዮ ሕማም ኢንዶመትርዮሲስ፡ ሆርሞናዊ ምምዝባላት፡ ወይ ናይ መንሽሮ ዋህዮታት ከነላሊ ይሕግዘና። ኣብዚ
ስነፍልጠት ሕክምና ማዕቢልሉ ዘሎ ዘመና፡ ኢንዶመትርዮሲስ ብቀሊል ብላፓራስኮፒ ዝበሃል መርመራ ክጽናዕ ይኽእል።
ኣብ ግዜ ላፓራስኮፒ እቲ ሓኪም ንእሽቶ ነዃል ኣብ ከብዲ ጌሩ ንናውቲ ማህጸንን ማህደር እንቋቅሖን ብኮምፒተር የጽንዖ።

ፍወሳ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት

ከመይ ኢሉ እዩ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ዝፍወስ፧


ፍወሳ ናይ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ጠንቅታት ኣለሊኻ ዝዕየ እዩ፡

* መስርዒ ናይ ወርሓዊ ጽግያት፡ ኢስትሮጀን ፕሮጀስቲን ዝበሃሉ ኣብ ደገ ተምስርሑ ሆርሞናት ዝሓዙ ከኒናታት ስሩዕ
ምግበርን ከቢድ መድመይቲ ንምፍዋስ ይወሃቡ። እዞም መድሃኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ተባሂሎም ይእዘዙ እዮም። ስለዚ
ሓደ ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ምስርዒ እንዳበልኩስ ሓኪም መከላኸሊ ጥንሲ ሂብኒ ኢለን ክስንብዳ ይኽእላ።
* ቃንዛ ንምክልኻል፡ ፈኲስን ማእከላይን ቃንዛ ወይ ቅርጸት፡ ፈውሲ ቃንዛ ከም ኣይቡፕሮፈን ወይ ፓራሲታሞል ወሲድኪ
ክቅንሱ ይኽእሉ። መድመይቲ ከጋድድ ስለዝኽእል፡ ኣስፕሪን ከቢድ መድመይቲ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣይወሃብን ኢዩ።
ልብጥ ወይ ውዕይ ዝበለ ማይ ጌርኪ ማይ ምሕጻብ ንቅርጸት ከፋኹሰልኪ ይኽእል።
* መንገኛ ማህጸን፡ ኣብ ላዕሊ ከምዝገለጽናዮ መንገኛ ማህጸን ካብ መንደቅ ናይ ማህጸን ጠል ጠል ኢሎም ዝረኣዩ ናይ
ምዝጋሕ ባህሪ ዘይብሎም ሕያዎት ጥረታት ኢዮም። ብመድሃኒታት ወይ መጥባሕቲ ክፍወሱ ይኽእሉ። መብዛሕትኦም
እቶም ፈኲስ ቃንዛ ዝፈጥሩ መንገኛታት ማህጸን በዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ኣፋውስ ይረጋግኡ። ከቢድ መድመይቲ
እንተለኪ፡ ኣይሮን ዝሓዙ መድሃኒታት ኣብ ምትካእ ደምን ምክልኻል ዋሕዲ ደምን ተራ ኣለዎም። ትሑት ዓቀን ፕሮጀስቲን
ዝበሃል ሆርሞን ዘለዎም መራፍእ (ዴፖ ፕሮቨራ)፡ ብመንገኛ ዝስዕብ ከቢድ መድመይቲ ኣብ ምክልኻል ስሕት ኢሎም
ይእዘዙ። ከም ናይ ጎናዶትሮፒን ዝበሃል ካብ ርእስና ዝፈሪ ሆርሞን ስራሕ ዘለዎም መድሃኒታት ዓቀን መንገኛ ማህጸን
ንምቅናስን ከቢድ መድመይቲ ንምክልኻልን ይሕግዙ። እዞም መድሃኒታት ኣካላትኪ ኤስትሮጀን ዝበሃል ሆርሞን ከይፈሪ
ዝከላኸሉ ወይ ዘቀንሱ ኮይኖም፡ ንቁሩብ እዋን ወርሓዊ ጽግያትኪ ጠጠው ይብል። በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ መድሃኒታት
ክሃድኡ እንተዘይክኢሎም ዝተፈላለዩ ምርጫታት ናይ መጥባሕቲ ኣለዉ። ዓይነታት መጥባሕቲ ኣብ ዓቀንን ቦታን መንገኛ
ይፈላለ። ምየመክቶሚ ዝበሃል ኣገባብ መጥባሕቲ መባእታዊ ኣገባብ መጥባሕታዊ ምእላይ መንገኛ እዩ። ኣብ ከቢድ ሕማም
ከለኺ ከም ዓቢ መንገኛ ወይ ኣዝዩ ከቢድ መድመይቲ፡ ማህጸን ብምልእታ ክትእለ ትግደደሉ መጥባሕቲ ኣሎ። ኣብ ግዜ
ምእላይ ማህጸን (ሂስተረክቶሚ) ማህጸንን መንገኛን ብሓንሳብ ይእለዩ። ካልኦት ኣገባባት ከም ኣብነት እንተወሲድና ነቲ
ናብቲ መንገኛ ዝቅልብ ሰራውር ደም ወይ ኣርተሪ ዓጊትካ እቲ መንገኛ ንኸይጉላዕልዕ ምክልኻል እዩ።
* ኢንዶመትርዮሲስ፡ ዋላ’ኳ ፍወሳ እንተዘይብሉ ካብ ፋርማሲታት ዝሽየጡ ናይ ቃንዛ መድሃኒታት ንምልክታት ከህድኡ
ይኽእሉ። ንመከላኸሊ ጥንሲ ተባሂሎም ዝወሃቡ ሆርሞን ዝሓዙ መድሃኒታት ነዚ ኣብ ዘይቦትኡ ዝተተኽለ ናይ ማህጸን ቲሹ
ንኸይዕንብብ ይከላኸሉ። ኣብ ክብድ ዝበለ መድመይቲ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ከም ናይ
ጎናዶትሮፒን ዝበሃል ካብ ርእስና ዝፈሪ ሆርሞን ስራሕ ዘለዎም መድሃኒታት መዐገሲ ደም ይወሃቡ። ኣብ ስሕት ኢሉ ግዝያት
ኣብ ዝይቦትኡ ኣብ ከብድን ካልእ ክፋል ጎሎን ዝተዘርአ ቲሹ ኢንዶመትርዩም ሓግሒግካ ንምእላይ መጥባሕቲ ይካየድ።
ኣዝያ ዝተሃስየት ማህጸን እንተኾይና ድማ መጥባሕቲ ጌርካ ትእለ። እዚ ኣገባብ መጥባሕቲ ኣብ ላዕሊ ከምዝቀስናዮ
ሂስተሮክቶሚ ይበሃል።
* ካልኦት ኣብ ምቅናስ ወርሓዊ ጽግያት ዝሕግዙ ኣገባባት ኣለዉ። ንሓሙሽተ ዓመት ዝግበር ከም ናይ ፊደል ፐ ቅርጺ ዘለዎ
ፕላስቲካዊ መሳርሒ ኣብ ማህጸን ክትከል ይከኣል። እዚ መድመይቲ ኣብ ምቅናስ ተራ ኣለዎ። እዚ ኣገባብ ኣብ ኦፊስ ናይ
ዶክተር ብቀሊል ብዘይጸገም ክግበር ዝከኣል ኮይኑ ከም መከላኸሊ ጥንሲ ድማ የገልግል። ኢንዶመትርያል ኣብሌሽን ዝበሃል
ካልእ ኣገባብ ንቲሹ ናይ ማህጸን ዋዒ ወይ ኤልክሪክ ተጠቂምካ ምእላይ እዩ። እዚ ናይ መጠረሽታ ካልኦት ኣገባባት ክሰርሑ
ምስዘይክእሉ ዝግበር ፍወሳ እዩ። ምኽንያቱ ንሰንኪ እዚ ኣገባብ ዝስዕብ በሰላ፡ ኣብ ቀጻሊ መድመይቲ እንተጋጢሙ
ንምክትታሉ ኣሸጋሪ ይገብሮ።

ምክልኻል ዘይንቡር ወርሓዊ ዝግያት

እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ክትገብርዮም ትኽእሊ ምኽርታት ኢዮም፣

- ብስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቃስን ትሑት ዓቀን ስብሒ ዘለዎ መግብታትን ብምዝውታር ጥዕናኺ ኣመሓይሺ። ሚዛን ሰብነት
ከተጉድሊ ከለኺ ቀስ ኢሉ ዘጉድል ኣገባብ ደኣ’ምበር ኣካላትኪ ካብ መግቢ ሓሪምኪ ብቅልጡፍ ከተጉድሊ ኣይፈትኒ።
- እኹል ዕረፍቲ ከምትረኽቢ ኣረጋግጺ
- ጸቅጢ ወይ ስትረስ ከተጉድሊ ክትዛነይን ፈትኒ
- ኣትለት እንተኾንኪ ኣዝዩ ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ካብ ምግባር ተቆጠቢ። ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ሓደ ጠንቂ ናይ
ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት እዩ
- ከምቲ ሓኪም ዝኣዘዘልኪ ስሩዕ መግበሪ መድሃኒት ውሰዲ። ባዕልኺ ብኢደ ዋንንኪ ሓኪም ከይተዘራረብኪ ኣይተቋርጺ
- ናይ ቆርበት ከበድቲ ረኽስታት ንምክልካል ትጥቀምሉ ሞዴስ ኣብ 4 ክሳዕ 6 ሰዓታት ክትኣልዮ ኣለኪ

ምስ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ምንባር

ስለምታይ ዘይንብሩ ወርሓዊ ጽግያት እንተለኪ ሕክምና የድሊ፧

ነዞም ዝስዕቡ ምልክታት እንተለኪ ሓኪም ብቅልጡፍ ተወከሲ፡

* ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ወይ ብድሕሪ ምውድኡ ብርቱዕ ቃንዛ ወይ ቅርጸት እንተለኪ


* ዘይንብሩ ከቢድ መድመይቲ (ሞዴስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2 ክሳዕ 3 ሰዓታት ክትቅይሪ ዘገድድ) ወይ ዝረገአ ደም እንተለኪ
*ዘይንቡር ወይ ሕማቅ ሽታ ዘለዎ ፈሳሲ ማህጸን እንተሎ
* ልዕሉ ዓቀን ረስኒ
* ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ ዝጸንሕ ወርሓዊ ዝግያት እንተሎ
* ወርሓዊ ጽግያት ምስ ተወድአ ወይ ድሕሪ ንጽፈ ጻግነ (መኖፖዝ) ዝመጽእ መድመይቲ
* ዘይስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት
* ዕግርግር ወይ ተምላስ ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት
*ምልክታት ናይ ቶክሲክ ሾክ ስይንድሮም ዝበሃል ናይ ደም ረኽሲ ከም ልዑል መጠነ ረስኒ፡ ተምላስ፡ ውጽኣት፡ ሃለዋት
ምጥፋእ ወይ ምድንዛዝ እንተሎ
* ጥንሲ ኣለኒ ኢልኪ እንተጠርጢርኪ

ኣብ ትሕቲ ጽላል ጉጅለ ብ ዶክቶር ሓድነት ዑቕባይ ዝተዳለወ!

You might also like