Professional Documents
Culture Documents
Antenna & Wave Propagation Eddited
Antenna & Wave Propagation Eddited
ምልክት ቤት ትምህርቲ
ንጀመርቲ ኦፕሬተራት ዝተዳለወ ናይ ኣንቴናን ፈነወ ማዕበል ሬድዮን ትምህርቲ መምሀሪ ፅሑፍ
Content
1. መእተዊ.......................................................................................................................................1
2. ዕላማ......................................................................................................................................... 1
3. ሽቶ (Objective)........................................................................................................................ 1
4. ናይ ማዕበል ሬድዮ አፈናንዋ መሰረተ-ሓሳብ (Principle of Radio Wave Propagation)................................2
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለምና ንዝተፈላለዩ ንናይ ሬድዮ ርክብ ስራሕቲ እትጥቀመሎም ዝተፈላለዩ
ናይኣንቴናዓይነታት ዘለው እኳ እንተኾኑ ነዚ ስልጠና እዚ ካብ ወታደራዊ ስራሕትናን ጥቕሞምን አንፃር
ንጥቀመሎም አንቴናታት ጥራሕ ብዝርዝር ክንርኢ ኢና፡፡
2. ዕላማ
ናይዚ ትምህርቲ ቀንዲ ዕላማ ንጥቀመሎም ናይ ርክብ መሳርሕታት ትኽክለኛ ኣንቴና ከመይ ክንመርፅ ከም
እንኽእል ናይ ኣንቴና አዘረጋግሓን አተኻኽልኡን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ መሰረታዊ ፍልጠት ንምትሓዝን
ናይ ኣንቴና ቴክኒካዊ ፍልጠት ክህልውና ንምግበር እዩ፡፡
3. ሽቶ (Objective)
ናይ ሓደ መሕለፊ ሬድዮ ወፃኢ ሓይሉ (Power out put) ብኤሌክትሮ ማግኔቲቭ ዌብ መልክዕ ናብ ኣየር
ዝፈነወሉ ከይዲ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ተባሂሉ ይፅዋዕ፡፡ እዚ ኩነታት እዚ በቢሕድሕዱ ናይ ሬድዮ ፍሪኮንሲ
ዑደት ብጣዕሚ ቁልጡፍ ብዝኾነ መልክዑ ይፍፀም፡፡
ስለዝኾነ እውን ካልኦት ሬድዮታት ዝጥቀምሉ ፍሪኩዊንሲ ዓብዩ ብምዃኑ ኣብቲ ኣንቴና ዝፍጠር ማግነቲክ
ፍልድ ብቑልጡፍ ከም ዝንቐሳቐስ ይገብሮ፡፡
ብተወሰኺ እውን ካብ መሕለፊ ሬድዮታት ዝወፅእ ወፃኢ ሓይሊ (Power Out put) እኹል ጉልበት ዘለዎ ናይ
ኤሌክትሪክ ማግኔትክ ማዕበል/ማግኔታዊ ማእበል ስለ ዝፈጠር ማግኔታዊ ፊልዱ ነቲ ኣንቴናለቒቑ ነዊሕ
ርሕቀት ዘለዎ ቦታ ንምጉዓዝ የክእሎ፡፡
በቲ ኣንቴና ኣቢሉ ኣብ ኣየር ዝፈወነው ናይ ሬድዮ ማዕበል ኣብ ኣየር ውሽጢ ዝጓዓዘሉ ፍጥነት
(3x108m/S እዩ፡፡ እዚ ማለት ናይ ሬድዮ ማዕበል ቅልጣፈ ኣብ ኣየር ምስ ናይ ብርሃን ቅልጣፈ ኣብ
ኣየር ማዕረ እዩ ማለት እዩ፡፡
λ= V= λ= 3x108m/Sec = 60 ሜትሮ
ƒ 5x106Hz
እዚ ማለት 5 ሜጋ ሄርዝ ኣብ ኣየር ናይ ሓደ ማዕበል ንውሓት/ λ/ 60 ሜትሮ ይኸውን፡፡ ካብቲ ሒሳባዊ ስልሒት
ከምዘመልክቶ ፍሪኮንሲ እናወሰኸ እንትኸድ ናይቲ ማዕበል ንውሓት ይቅንስ፡፡ ብተፃራሪ ድማ ፊሪኮንሲ
እናቀነሰ እንትኸድ ናይ ማዕበል ንውሓት ይውስኽ፡፡
1 ሜትሮ = 3.28
ካብዚ ምዕሪት እዚ ተላዒልና እቶም ዝስዕቡ አብነታት ንስራሕ፡፡
5 MHz እንድሕር ተተዋሂብና Full wave, Half wave ን Quarter wave ድለ፡፡
936
=λ 936 =187 . 2
1. Full wave = f 5 ጫማ
234 234
= =
3. Quarter wave = f 5 46.8 ጫማ
1 ሜትር = 3.28 ጫማ = 1 ሜትር x 46.8 ጫማ = 14.26 ሜትር ይኸውን፡፡
? 46.8 ጫማ 3.28 ጫማ
በዚ አብ ላዕሊ ዝሰራሕናዮ ፎርሙላ (ምዕሪት) መሰረት ክንሰርሕ ከለና መጀመርያ ንረክቦ ውፅኢት ብጫማ ስለ
ዝኾነ ናብ ሜትሮ ምቅያር አገዳሲ ይኸውን፡፡
4.3. ናይ ከባቢ ኣየር ክፍልታት (Parts of Atmosphere)
ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ካብ መሕለፊ ሬድዮ ኣንቴና እስካብ ተቐባሊ ሬድዮ ኣንቴና ዝጓዓዞ ብአካቢ ኣየር እዩ፡፡
ኣብ መሬት ዙርያ ዝርከብ ናይ ኣከባቢ ኣየር ብናይ መሬት /Geographic/ አቀማምጣ፤ ብናይ ሰዓታት
ለውጢ/ቀትርን ለይትን/ ብናይ ወቅቲ ምልውዋጥ /ሓጋይን ክረምቲን/ ከምኡ እውን ካልኦት ምኽንያታት ኣብ
ኣብ ከባቢ ኣየር ውሽጢ ምስ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ምትእስሳር/ዝምድና/ ዘለዎም ክፍልታት ከባቢ ኣየር
ሰለስተ እዮም፡፡
1. ትሮፖስፌየር/Troposphare/
2. ስትራቶስፌየር /stratosphare/
3. አይኖስፌየር/Ionosphare/
ኣይኖስፌር (Ionospehre) ኣርባዕተ ቀንዲ ክፍልታት ኣለዎ፡፡ ንሶም እውን D! E! F1 ን F2 ይበሃሉ፡፡ እዞም
ክፍልታት እዚኦም ካብ መሬት ንላዕሊ ዘለውዎም ርሕቐት ብማእኸላይ ውፅኢት ክረአ ከሎ ከም ዝስዕብ
ይመስል፡፡
F2 F
F1
E E
D D
ቀትሪ (Day Time) ለይቲ (Night Time)
ካብ መሕለፊ ሬድዮ ኣንቴና ዝወፅእ ናይ ሬድዮ ማዕበል ናብ ተቀባይ ኣንቴና ዝጓዓዝ ክልተ ዓይነት ናይ ማዕበል
ኣፈናንዋ ሜላታት ብምጥቃም እዩ፡፡
እዚኦም እውን :-
ግራውንድ ዌቭ ዝባሃል ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ትሮፖስፌር ብዝበሃል ናይ መሬት ከባቢ ኣየር ክልል ውሸጢ
ናብ መሬት ምክዓ ምድሪ ብምፅጋዕ ካብ 30-80 ኪ/ሜ ርሕቐት ብዘሎ ከባቢ ክጓዓዝ ዝኽእል እዩ፡፡
ግራውንድ ዌቭ ንመሬት ብጣዕሚ ቀረባ ብምዃኑ ንሬድዮ ማዕበል ፈነወ ዕንቅፋት ዝኾኑ/ዝርብሹ ብዙሓት
ነገራት ኣለው፡፡ ብግራውንድ ዌቭ ምኽንያት ዝግበር ናይ ሬድዮ ርክብ ብበዝሕ ምኽንያት ኣፀገምቲ ካብ
ምዃኖም ብተወሳኺ ነቲ ርክብ ከቋርፁ ዝኽእልሉ ኩነታት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ VHF ሬድዮ
ዝግበር ርክብ ብጣዕሚ ኣፀጋሚን ነዊሕ ርሕቐት ከይኸይድ ይገብርዎ እዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ንግራውንድ
ማዕበል ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽዕሉ ምኽንያታት
እስካይ ዌቭ (Sky Wave) ዝበሃል ካብ መሕለፊ ሬድዮ (Tx) ብቐጥታ ናብ ኣይኖስፌር (Ionosphere) ወፂኡ
ብኣይኖስፌር ተንፀባሪቑ ናብ መሬት ብምምላስ ናብ ተቐባሊ ሬድዮ ኣንቴና (Rx) ዝበፅሕ ናይ ሬድዮ ማዕበል
ፈነወ እዩ፡፡
ኣብ ታሕቲ ኣብቲ ስእሊ ከም ዝተመልከተ ካብ መሕለፊ ሬድዮ ኣንቴና (Tx) ብቐጥታ ናብ ኣይኖስፌር በፂሑ
ናብ መሬት ዝምልስ ናይ ሬድዮ ማዕበል ዝሽፊኖ ርሕቀት እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እውን እስካይ ዌቭ ንነዊሕ ርሕቐት
ካብ 100 ኪ/ሜ ንላዕሊ ንዝግበር ርክብ ዝጠቕመና ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ዓይነት እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ብናይ
ኣይኖስፌር ቁፅፅርን ካብ መሬት ብዝህልዎ ርሕቐትን ምስ ግዜን ዝለዋወጥ ይኸውን፡፡ ኣይኖስፌር ኣጠቓላሊ
ዝህልውዎ ክፍልታትን ሕድሕዱ ክፍሊ ነንሕድሕዱ ናይ ፍሪኮንሲ መጠን ኣንፀባሪቑ ከምዝምለስ ይገብር፡፡
ብተወሳኺ ናይ ሬድዮ ርክብ ክርብሹ ዝኽእሉ ኣብ ከባቢ ኣየር ውሽጢ ዘለው ጨረራት (Cosmic rays wtra
Violati Lights) ብዝርዝር የርኢ እዩ፡፡
ስእሊ 4፡ ስካይ ዌቭ
ሀ. እስኪፕ ዲስታንስ (Skip Distance) ፡- ዝበሃል ናይ ሬድዮ ማዕበል ካብቲ ኣንቴና ተላዒሉ ናብ ኣይኖስፌር
በፂሑ መሬት እስካብ ዝበፅሕ ወይ ድማ መሬት እስካብ ዝነኽእሉ ዘሎ ርሕቐት እዩ፡፡
Ionosphere
Inospher
Sky wave
Ground wave
Skip Zone
Tx
Rx
ስእሊ 6፡እስኪፕ ዞን
ብናይ ስካይ ዌቭ ዝላ /Sky Wave Transmision hop/ እንብሎ ካብ መሕለፊ ሬድዮ ኣንቴና (Tx) ብቀጥታ
ናብ ኣይኖስፌየር ወፂኡ ብኣይኖስፌር ተንፀባሪቁ ናብ መሬት ብምምላስ ንተቀባሊ ሬድዮ ኣንቴና (Rx) ዝበፅሕ
ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ እንትኾውን እዚኦም እውን ክልተ ዓይነት ናይ ሰማይ ናይ ማዕበል ፈነው ዝላ ሜላታት
ይፍፅሙ፡፡
እሱእውን፡-
ሀ. ነፀላ ዝላ ፈነወ (One hop Propagation)
ለ. ድግግሞሽ ዝላ ፈነወ (Multi hope Propagation) እዮም፡፡
5. ኣንቴና
5.1. ናይ ኣንቴና እንታይነት ትርጉም
ኣንቴና ማለት ናይ ሽቦታት ስብስብ ወይ ድማ (Set of Conductors) ማለት እዩ፡፡ ኣንቴና እቲ ቀንዲን ወሳንን
ናይ ሬድዮ ሓባሪ ኣቕሓ እዩ፡፡ ሓደ ሬድዮ ብዘይ ኣንቴና ኤሌክትሮማግኔቲክ ማዕበል (Electromagnetic Wave)
ክቕበል ወይ ድማ ከሕልፍ ኣይኽእልን፡፡ ናይ ኣንቴና ዋና ስራሕን ተግባርን ካብ መሕለፊ ሬድዮ ዝወፅእ ወፃኢ
ሓይሊ (Power out Put) ናብ ኤሌክትሮማግኔቲክ ማዕበል ብምቕያር ናብ ኣየር ውሽጢ ክፍነው ምግባርን
ኣብቲ ኣየር ዝተፈነወ ናይ ሬድዮ ማዕበል (EMM) ብምቕባል ናብ ሬድዮ ምብፃሕ እዩ፡፡ ቅድም እንትብል ናይ
ሬድዮ ማዕበል ንምፍናው (ንምሕላፍን ንምቅባልን) ክልተ ዓይነት ኣንቴናታት የድልዩ ነይሮም፡፡ ኣብዚ ሕዚ
እዋን ግን ናይ ሬድዮ ማዕበል ንምሕላፍን ንምቅባልን ሓደ ዓይነት ኣንቴና ጥራሕ ኢና ንጥቀም፡፡ እዚ ማለት
ናይቲ ሬድዮ ሃንድሴት (PTT) ተፃዒና ክንናገር ከለና እቲ ኣንቴና ናይ ሬድዮ ማዕበል ንምሕላፍ እንጥቀመሉ
እንትኸውን ነቲ ናይ ሃድሴት (PTT) ክንለቆ ከለና ድማ ናይ ሬድዮ ማዕበል መልእኽቲ ንምቕባል እንጥቀመሉ፡፡
እዚ ናይ ኣንቴና ፀባይ ድማ ኣንቴና ሬሳፕሮስቲ (Antenna Reciporcity) ይባሃል፡
አንቴና ኣብ ናይ ሓደ ሬድዮ ሰርኩት ኣብ ንሰርሐሉ እዋን ኣድላይ እዩ፡፡ እቲ ትኽክለኛ ኣንቴና ንምምራፅን
ንምጥቃምን ዝተወሰኑ ናይ አንቴና መሰረተ-ሓሳባት (Concept of Antenna) ምርድእ ብጣዕሚ አገዳሲ እዩ፡፡
መ. ፓላራይዜሽን (Polarisation)
ፓላራይዜሽን ማለት በቲ ኣንቴና ናብ ኣየር ዝፍነው ሲግናል ምስቲ መሬት ዘለዎ ዝምድና/ምትእስሳር ማለት
እዩ፡፡ ብጣዕሚ ተፈልቲ ዝኾኑ ናይ ፓላራዜሽን ዓይነታት /Horizontal/ ምስ መሬት ትይዩ /ማዕዶ ንማዕዶ/
ከም እውን (Vertical) ምስ መሬት ቀጥ (Perpendicular) ዝበለ እንትኾኑ ሓሊፉ ሓሊፉ ድማ ክብን
(Circular Eltipticaly) ዝተባሃሉ እዮም፡፡ ቨርቲካል ኣንቴና ቨርቲካል ፓላራዜሽን እንትህልዎ ሆሪዘንታል ድማ
ሆሪዘንታል ፓላራዜሽን ኣለዎ፡፡
ሠ. ኣንፃባራቒ (Reflection)
ረ. ጌይን (Gain)
እዚ ኣባሃህላ እንጥቀመሉ ሓደ ኣንቴና ከመይ ገይሩ ብፅቡቅ ኩነታት ከመይ ወፃኢ ሓይሊ ከም ዝፊኑ ንምግላፅ
እዩ ፡፡ ሓደ ኣንቴና ምስ ካሊእ ቅድሚ ምውድዳርና ናይዚ ኣንቴና ጌይን ምፍላጥ ኣድላይ እዩ፡፡ ናይ ክልተ
ኣንቴናታት ገይን (Gain) ቅድሚ ምውድዳርና መጀመርያ እንሕድሕዱ ኣንቴና ካብ ሓደ መበገሲ /Reference/
ኣንቴና ክነወዳድሮ ኣለና፡፡
ሰ. ቴክ አፍ አንግል (Take of Angle)
ናይ ሓደ ኣንቴና ቴክ ኦፍ ኣንግል ዝበሃል ኣብ ታሕቲ ኣብቲ ስእሊ ከም ዝተቐመጠ ካብ መሬት ንላዕሊ ዘሎን
እቲ ኣንቴና ልዑል ናይ ኢነርጂ ፈነወ ዝካየደሉ ኩርናዕ (Angle) እዩ፡፡
ናይ VHF ርክብ ኣንቴናታት ዝስርሕሉ ምስቲ ዝፍንዎ ኢነርጂ ማዕዶ ንማዕዶ ከም ዝኾን ተገይሩ እዩ
ዝምስረት፡፡ ናይ VHF ናይ ኣንቴናትት ኣንቴና ቴክ ኦፍ ሰርኪት ዝተማለአ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይውስን እዩ፡፡
ናይ HF ስካይ ዌቭ ኣንቴናታት ኣብ ፋብሪካ እንትሰርሑ ከምቲ ናይቲ ሰርኪት ርሕቐት ኣብ ዝተወሰነ ኣንቴና
ቴክ ኦፍ ጥራሕ ከም ዝሰርሑ ተጌይሩ እዩ ዝስራሕ፡፡ ልዑል ናይ ኣንቴና ኣንቴና ቴክ ኦፍ ዘለዎም ኣንቴናታት
ንሓፃር ርሕቐት ርክብ ግልጋሎት እንትውዕሉ ትሑት ናይ ኣንቴና ቴክ ኦፍ አንግል ዘለዎም ድማ ንነዊሕ
ርሕቐት ርክብ ግልጋሎት ይውዕሉ፡፡ ዝኾነ ዓይነት ኮንዳክተር ኣብ ውሽጡ ናይ ኤሌክትሪክ ካረንት ኣብ
ዝሓልፈሉ ግዜ ኣብቲ ኮንዳክተር ዙርያ ናይ ኤሌክትሮኒክ ማግነቲክ ፊልድ ይፈጥር፡፡
የአንቴና ዓይነቶች
ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ኤሌክትሮማግኔቲክ ማዕበል ብምቕያር ዝፍኑ እዩ፡፡ እዚ ኣንቴና ብኹሉ አንፈት ማዓረ ዝፍንውን ዝቅበልን
እዩ፡፡ እዚ ዓይነት ኣንቴና ንምርምርን ትምህርትን ከም መረዳእታ ዝጠቅም ሓሳባዊ ናይ አንቴና ዓይነት እዩ፡፡
ዝኽእሉ አንቴናታት እዮም፡፡ እዞም ዓይነት ኣንቴናታት እዚኦም ብሰብ ሸክሚ ወይ ድማ ብተሸከርከርቲ
አንፈት ጥራሕ እዩ፡፡ አንፈት ደለይቲ አንቴናታት ንመንበሪ ገዛ ግልጋሎት፤ ንንግዲን ኣብ ቀዋሚ ጣብያ
ንዝግበር ፈነወታት ተመራፂ እዩ፡፡ንዚ ፅቡቕ አብነት ክኸውን ዝኽእል ድያፖል ኣንቴና እዩ፡፡ እዚ አንቴና እዚ
ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ንምሕላፍወይ ድማ ንምቅባል አንፈት ናይቲ አንቴና ምስትኽኻል የድሊ፡፡ ካሊእ
እዞም ኣንቴናታት እዚኦም ኣብ ዝተፈላዩ ክፍልታት እንምድበሉ ረቑሓታት ምሰቲ ናይ ሬድዮና መስርሒ
ፍሪኮንሲታት ባዕሎም ዘዛምዱ (resonate) ካብ ምዃኖም አንፃር እንትኸውን ባዓል ፀቢብ ባንድ ባዓል
ሰፊሕ ባንድ ኣንቴና ኢልና ንኸፍሎም፡፡
በዓል ሰፊሕ ባንድ ኣንቴናታት (broad band Antennas) ሬድዮና ብዝሰርሐሉ ኩሉ ዓይነት ፍሪኩዊንሲ ብዘይ ምንም
ዓይነት ናይ አንቴና ቁመት ምስትኽኻል ክንሰርሐሎም እንኽእል ናይ ኣንቴና ዓይነታት እዮም፡፡ አብነት ዊፕ ኣንቴናን
ዋይድ ባንድ ኣንቴና ከም አብነት ይጥቀሱ፡፡ ባዓል ፀቢብ ባንድ ኣንቴናታት (Narrow band Antennas) ድማ ናይ
መስርሒ ፍሪኩዊንሲ ብዝቐየርና ቑፅሪ ናይ ኣንቴና ቑመት ምስትኽኻል ዘድሊ እንትኸውን ናይዚ አብነት ዳይፖል ኣንቴና
ሬድዮ ርክብ ሓባሪ አቅሓ ካብ ዝስርሐሉ ጥረ አቕሓ፣ ካብ ዝህቦ ግልጋሎት ወዘተ አንፃር ከምዞም ዝስዕቡ ከፊልና ንርአዮም፡፡
ዊፕ ኣንቴና ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝሰርሑ እንትኾኑ መብዛሕቲኦም ዘለዎም ቑመት ናይቲ ዊፕ ንውሓቱ
/Length Wave/ ሓደ ንኣርባዕተ (1/4) ሪብዒ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት እውን ኳርተር ዌቭ /Quarter Wave
Antennas/ ይባሃሉ፡፡ ዊፕ ኣንቴና ኣቅጣጫ ዘይደልዩ /non- directional ኣንቴናታት እዮም፡፡ ናይ ዊፕ ኣንቴና
ፀባይ ብናይ ሬድዮ መስርሒ ፍሪኮንሲ/Frequency range ዝጥቀም ምዃኑ እዩ፡፡ በዚ ፀባይ ምኽንያት ሰፊሕ
ባንድ ኣንቴናታት (wide band antennas) ካብ ዝበሃሉ ይምደቡ፡፡ ናይ ዊፕ ኣንቴና መስርሒ ፍሪኮንሲ
ብዝተቐየረ ቁፅሪ ናቲ ኣንቴና ንውሓት ምቕይያር ኣየድልን፡፡
ስእሊ 9፡ ዊፕ አንቴና
ዳይፖል ኣንቴና ዝባሃሉ ብአጠቓላሊ ናይ ማዕበል ንውሓቱ ፍርቂ (wave Length) (1/2) ዝኾን ቑመት ዘለዎም
ኣንቴናታት እዮም፡፡ እዚ ኣንቴና ብዙሕ ግዜ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሪክ መሕለፍቲ ዝኾኑ ሽቦታት
ዝተሰረሐ እዩ፡፡
ዳይፖል ኣንቴና እንትምስረት/እንትትከል ክህልዎ ዝግባእ ቑመት እንሰርሐሉ ፍሪኮንሲ ናይ ማዕበል ንውሓት
(wave Length) ፍርቂ (λ/2) ክኸውን ይግባእ፡፡ በዚ ምኽንያት እውን ኣንቴና ፍርቂ ማዕበል (Half Wave)
ይባሃል፡፡ ዳይፖል ኣንቴናታት ብኽልተ ገፅ/ኣቅጣጫ 1800 ዝዝርጋሕ ክልተ ኣካላት እንትህልውዎ እዚኦም ናይ
ማዕበል ንውሓቱ (Wave length) ሓደ ንኣርባዕተ(1/4) ቑመት ይህልውዎ፡፡
ዳይፖል ኣንቴና ከምቲ ንሰርሐሉ ፍሪኮንሲ መሰረት ብምግባር ናይቲ አንቴና ቑመት ምስትኽኻል የድሊ
(ይግባእ) ፡፡ ምኽንያቱ ፍሪኮንሲ ብዝተቐየረ ቑፅሪ ናይ ፍሪኮንሲ ናይ ማዕበል ንውሓት (Wave length)
ስለዝቀያየር እዩ፡፡ በዚ መሰረት ዳይፖል ኣንቴናታት ፀቢብ ባንድ (Narrow band) ኣንቴናታት ይባሃሉ፡፡
ዳይፖል ኣንቴናታት ዝህልውዎ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ካብዚ ንታሕቲ ዝረአ ስእሊ የመልክት፡፡
ኣብቲ ላዕሊ ከም ዝተመልከተ ናይ ኣፈናንዋ ኣቅጣጫ ፀባይ ምኽንያት ዳይፖል ኣንቴናታት እንድሕር
ተተኺሎም ብ 900 ፍልልይ ፅቡቅ የራኽቡ/ይርከቡ፡፡ እዚ ማለት እቲ ኣንቴና ካብ ምብራቅ ናብ ምዕራብ
እንድሕር ተተኺሉ ፅቡቕ ርክብ ዘራኽብ ብሰሜንን ደቡብን ኣቅጣጫ እዩ ማለት እዩ፡፡ እዚ ባህሪኡ ድማ
ኣቅጣጫ ዝደልዩ / ኣንቴናታት (Dirctional Antennas) ተባሂሎም ይምደብ ፡፡
ዋይድ ባንድ ኣንቴና ካብ ሓደ ነጥቢ ወፃኢ ብኻሊእ ፀባዩ ምስ ዳይፖል ኣንቴና ተመሳሳሊ እዩ፡፡ ዋይድ ባንድ
ኣንቴና ካብ ዳይፖል አንቴና ዝፍለየሉ ነጥቢ በቲ ሬድዮ መስርሒ ፍሪኮንሲ ስፋሓት ውሽጢ ብዘይምንም
ምስትኽኻል ምስርሑ እዩ፡፡ እዚ ባህሪ ክህልዎ ዝገብሮ/ዘኽእሎ ድማ እቲ ኣንቴና ዝሰርሐሉ ፍሪኮንሲ ብዝቐየረ
ቁፅሪ እቲ አንቴና ባዕሉ እቲ ፍሪኮንሲን ናይቲ አንቴና ንውሓትን ከዛምድ ዝኽእል ትራንስፎርመር ዝተባሃለ
መሳርሒ ስለዘለዎ እዩ፡፡ ዋይድ ባንድ ኣንቴና (Wide band-Antenna) ኣቅጣጫ ምስ ዝደልዩ /Directional-
Antenna ኣንፈታት ይምደብ፡፡ ዋይድ ባንድ ኣንቴና ክትከል ከሎ ብዝተኻኣለ መጠን ካብ 9-12 ሜትሮ ልዕል
ትበለ ዝሐሸ ውፂእት ይርክቦ፡፡ ናይ ማዕበል ኣፈናንዋ ምስ ዳይፖል ኣንቴና ተመሳሳሊ እዩ፡፡
ሮሆምቢክ ኣንቴናታት ልዑል ዝኾነ ናይ ኣንፈት ጌይን ከምኡ እውን ትሑት ናይ ቴክ ኦፍ ኣገልግሎት ዘለዎም
ኣንቴናታት እዮም፡፡ እዞም ኣንቴናታት እዚኦም ንነዊሕ ርሕቐት ርክብ ዝተመረፁ እዮም፡፡ ሮሆምቢክ
ኣንቴናታት ናይ መስርሒ ፍሪኮንሲኦም 1.6 ንታሕቲ እንትኸውን ነቲ ኣንቴና ንምትካል ብጣዕሚ ቀሊል ካብ
ሽቦ ኣንቴናታት /Wire antennas/ ኣንፈት ደለይቲ ካብ ዝበሃሉ ናይ ኣንቴና ዓይነት እዮም፡፡ በዚ መሰረት እቲ
ኣንቴና ክንተኽሎ ወይም ክንዝርግሖ ከለና ናብቲ ንራኸበሉ ኣንፈት ወይ ድማ ናብቲ ንራኸበሉ ንደሊ ኣሃዱ
ምስትኽኻል ተመራፂን ኣድላይን እዩ፡፡
ኣብ ላዕሊ አብቲ ስእሊ ከም ዝተመልከተ ዋየር ኣንቴና ዝትከለሉ ቦታን ብራኸኡን ካብ ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ
ወይ ኣእዋምን ዝራእትን ነፃ ብዝኾነ መሬት ክትከል ኣለዎ፡፡ ብተወሳኺ እውን ንቲ ሰራሕተኛን (ኦፕሬተርን)
ኣቅሓን ጥንቃቄ እንትበሃል ግራውንድ ምግባር የድሊ፡፡
ኣንቴናታት ንዝንገብሮ ርክብን ኣጠቓቅማን ብዝስማዕማዕ መልክዑ ክዝርገሑ ይ ግባእ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን
ሰራዊትና ዝተዓጠቆም ዝተፈላለዩ ኣንቴናታት ክህልው ይኽእሉ እዮም፡፡ ካብዚኦም ውሽጢ ዳይፖል ኣንቴና
ይርከብዎም፡፡ እዞም ኣንቴናታት እቲ ተጠቃሚ ብዝደልዮ መንገዲ ምስቲ ቦታ ብዘለዎ ተስማዕማዒነት
ብምርአይ ዝተፈላለዩ ናይ ኣዘረጋግሓ ሜላታት ብምጥቃም ኣንቴና ምዝርጋሕ የድሊ፡፡ ብፍላይ ዳይፖል
ኣንቴናን እዝኦም ብልምዲ ዋይድ ባንድ አንቴና እንብሎም ኣንቴናታት ዝተፈላለዩ ኣዘረጋግሓ ስርዓት
/System/ ብምጥቃም ምዝርጋሕ ይካአል እዩ፡፡ ካብዞም ዝተፈላለዩ ናይ ኣንቴና ኣዘረጋግሓ ካብ እንብሎም ሓደ
ቪ-ቅርፂ ኣዘረጋግሓ እዩ፡፡
ቪ-ቅርፂ ናይ ኣንቴና ኣዘረጋግሓ ቀንዲ ጥቅሙ ናይቲ ኣንቴና ወፃኢ ሓይሊ /power out put/ ብዝተወሰነ
ኣንፈት ንክጓዓዝ ስለ ዝገብሮ ንፀላኢ ዘለዎ ተገላፂነት/ሓደጋ ዝቕነሰ እዩ፡፡ ኢንቨርትን ዝተባሃለ ናይ ኣንቴና
ኣዘረጋግሓ ሜላ ብምጥቃም ከመይ ከም ዝትከል የርኢ፡፡ አብዚ ኣዘረጋግሓ እዚ ከሆሪዞንታል ዳይፖል ኣንቴና
ብዝበለፀ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት ምርኻብ ይካኣል፡፡ ካብቲ ቦታ ኣንፃር እውን እዚ ኣዘረጋግሓ ጠቓሚ ይኸውን፡፡
ሮሆሞቢክ ኣንቴና ኣንፈት ካብ ዝደልዩ ኣንቴናታት ሓደ እንትኸውን ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለፅናዮ ቅልል ብዝበለ
መልክዑ ኣንቴና ምምስራት ይካአል፡፡ እዞም ኣንቴናታት ኣብ ትክክለኛ ቦታን ኣንፈትን እንድሕር ተተኺሎም
ፅቡቕ ዝኾነ ናይ ርክብ ግልጋሎት ይህቡ እዮም፡፡ ሮሆሞቢክ ኣንቴናታት እንትዝርገሑ ብኣርባዕተ ማዕዝን ወይ
ድማ ናይ ድያመንድ ምስሊ ቅርፂ ይሕዙ፡፡
ብሬድዮ ርክብ ግዜ ኹሉ ግዜ እቲ ሬድዮ ብቐጥታ ምስቲ ኣንቴና ንከይራኸብ ይኽእል እዚ ማለት ብቐፃሊ
ጣብያታት ንምስርቶም ሬድዮታት ኣብ መኪና ዝፅመዱ ሬድዮታት እቲ ኣንቴና ንቲ ሬድዮ ኣብ ዝተወሰነ
ርሕቐት ይምስርቱ፡፡
ትራንስሚሽን ላይን (Transmistion Line) ዘገልግልዎ ናይ ሓደ ሬድዮ ወፃኢ ሓይሊ ምስቲ ኣንቴና ንምርካብ
እዩ፡፡ ስለዝኾነ ውን ትራንስሚሽን ላይን ዝበሃሉ ናይ ኤሌክትሪክ ኢነርጂ ካብ ሓደ ነጥቢ ናብ ካሊእ ነጥቢ
ንምብፃሕ/ንምውሳድ ዝጠቕሙ አቑሑ እዮም፡፡
ትራንስሚሽን ላይን እንብሎም ኣቑሑ ብኻሊእ አገላልፃ ፊደር (Feeders) ተባሂሎም ይፅውዑ፡፡ ኩሎም
ትራንስሚሽን ላይን ዓይነታት ክልተ ጫፋት ኣለውዎም፡፡ ናይ መጨረሻ ክልተ ዋየር ትራንስሚሽን ላይን ካብቲ
ምስቲ ምንጩ ዝተተሓሓዘ (Input end) ናይ ኣታዊ መወዳእታ ወይም ናይቲ ጀነሬተር መወዳእታ ብኻሊእ
መወዳእታ ላይን ዝርከብ ድማ (out put end) ይበሃል፡፡
Input
Transmitter
End
ስእሊ 18፡ ትራንስሚሸን ላይን Trans
missio
6.1. ናይ ትራንስሚሽን ላይን ዓይነታት ኣለው
n Line
Out
ሀ. ፓራለል ላይን (Parallel Line) End
ለ. ትዊሰትድ ፐየር (Twosted pair)
ሐ. ሼልድድ ፐይር (Sheded pair)
መ. ኮክሼል ላይን (Coaxcal Line_)
ሠ. ዌቭ ጋይድ (Wave quided)
ክልተ ዋየር ክፍቲ መስመር፡ እዚ ዓይነት ትራንስሚሽን ዝህቦ ኣገልግሎት ንሓይሊ መስመር ንከተማ ቴሌፎን
መስመር ሓደሓደ ግዜ ድማ ከም ትራንስሚሽን ላይን ብመሕለፊ ኣንቴና ወይ ድማ ብተቐባሊ ኣንቴና
እንጥቀመሉ፡፡
እዚ ናይ ትራንስምሽን ላይን ዓይነት ንኣጠቓቕማ ምችው እንትኸውን ደካማ ጎኑ ድማ ናይ መሕለፍ ዓቕሙ
ትሑት እዩ፡፡ ብተወሳኺ ውን ብፕላስቲክ ዘይተሸፈነ ብምዃኑ ምኽንያት ናይ ኤሌትሪክ እውክታ ናይ ምስሓብ
ክእለቱ ልዑል እዩ፡፡
ክልተ ዋየር ድፉን (Two wire rebba) እዚ ዓይነት ትራንስሚሽን ላይን ብላስቲክ ዝተሸፈኑ እዩ፡፡ ናይዚ
ዓይነት ትራንስሚሽን ላይን መብዛሕትኡ ጊዜ እንጥቀመሉ ንቴሌቭዥን እቲ ኣንቴና ምስ ቴሌቪዥን
ንምርኻብ ዝጠቅም እዩ፡፡ እዚ ትራንስሚሽን ላይን ብመሰረቱ ካብ ክልተ ዋየር ክፍቲ መስመር (Two wire
open line) ተመሳሳሊ እዩ፡፡
ለ. ትውስትድ ፐየር/Twisted pair /፡- ካብቲ ስሙ ከም ንምልከቶ ካብ ክልተ ኢንሱሌተር ካብ ዝኾኑ ዋየራት
ዝተሰርሐ እዩ፡፡
መ. ኮክሼል ላይን (Coaxial Line):- ክልተ ዓይነት ናይ ኮክሼል ላይን ኣለው ንሶም እውን
ብመሰረቱ እንትረአ ናይ ክልቲኦም ክክሼል ኬብል ኣሰራርሓ ተመሳሳሊ እንትኸውን ዘለዎም ጥቅሚ ድማ
ሪጅድ (Air) ኮክሼል ላይን ካብ ናይ ራዴሽን ብኽነት ዝሓሸ እንትኸውን ካብ ዋጋ አንፃር ክባር እዩ፡፡
ፍለክሲብል/ ሶሊድ (Flexib /Solid) ኮክሻል ኬብል፡- ኣብ ውሽጡ ኮንዳክተር ዘለዎ እንትኸውን ብደገ ግን
ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ኢንሱሌተር ዝተሰርሐ እዩ፡፡ ብቐሊሉ ክተዓፃፀፍ ዝኽእል ናይ ትራንስሚሽን ላይን
ዓይነት እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መሕለፊ ሬድዮ ናብ ኣንቴና ካብ ኣንቴና ናብ ተቐባሊ ሬድዮ እናራኽሉ ናይ
ትራንስሚሽን ዓይነት እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ናይ ወታደራዊ ሬድዮታትና ዝጥቀምሎም እዚ ላይን እዚ እዮ፡፡
ትራንስሚሽን ላይን (feeders) ንርክብ ከምዝጥዕም ወይ ንክምችው ተባሂሉ ብዝሕ ዝበሉ ፀባያት ንክህልዎም
የድሊ እዩ፡፡ እዚኦም ውን ንሬድዮ ማዕበል ፈነወ ወሰንቲ ካብ ዝኾኑ ነጥብታት ውሽጢ ይካተት፡፡
ትራንስሚሽን ላይን ክህልዎም ካብ ዝድለዩ ፀባያት ውሽጢ እቶም ቀንዲ ቀንዲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡፡
ብዝተኻኣለ መጠን ብቲ ፊደር ናይ ወፃኢ ሓይሊ (power out put) ብኽነት ከይሃለወ ካብቲ ሬድዮ ወፃኢ
ሓይሊ (power out put) ናብ ቲኣንቴናን ክበፅሕ ምግባር፡፡
እቲ ፊደር ዘለዎ /Resonance Freqecncy/ ዝስማዕማዕ ክኸውን ምግባር፡፡
በቲ ፊደር ዝወፅኡ ጨረራት ፈነወታት/Radation/ ብዝተኻኣለ መጠን ዝቀነሰ ክኸውን ምግባር፡፡
ብምቅባል ግዜ በቲ ኣንቴና ዝኣቱ ደካማ ሲግናል ከይባኸነ /Becouse of Loss of feeder resitance/ ናብቲ
ሬድዮ ዝበፅሕ ምግባር እዮም፡፡
ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ነጥብታት ዘረዱኡና ናይ ኣንቴና ፊደራት እቶም ፈደራት ክዳለው ከለው ክንገብሮም
ዝግባእ ቑመት ዝሰርሕሉ ማቴሪያል ዓይነትን ርጉድን ዝመሳሰሉ ነጥብታት ተወስኑ ከም እንጥቀመሉ ዓይነት
ዝዳለው እዮም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ እንጥቀመሎም ፊደራት ውሽጢ መብዛሕቲኡ ኮክሻል ኬብል ዝባሃሉ እዮም፡፡ ኮክሻል
ኬብላት ካብ ካሊእ ፊደር ዓይነት ዝሐሸ ትራንስሚሽን ላይን ወይ ድማ ንፊደርነት ይጠቅም፡፡ እዚ እውን
ሬዝስታንስ ዘባኽንዎ ሓይሊ/ፓወር/ ትሑት ምኻኑን ኣብ ልዕሊኦም ዝህልዎ ፈነወ/Radation/ ንእሽተይ
ምኻኑ ንፊደርነት ተመራፂ እዩ፡፡ ነገር ግን ብልዕሊኦም ዝበፅሕ ጉድአት ፀባዮም ንክቅይሩ ስለ ዝገብር ብጥንቃቄ
ክንጥቀመሎም ይግባእ፡፡
ብሓደ መአዚ ጣብያ ውሽጢ ብዝተፈላለዩ መርበብ (Net) ውሽጢ ዝሰርሑ ቐወምቲ ጣብያታት
እንትምስረቱ ነንባዕሎም ከይተዓፋፈኑ ኣብ እዋን ናይ ኣንቴና ኣመሰራርታ /ኣዘረጋግሓ ኣድላይ ዝኾነን እኹል
ርሕቐት ክህልዎም ይግባእ፡፡ እዚውን ከምቲ ዝስዕቡ ክፍፀም ኣለዎ፡፡
ብሓድ መአዘዚ ጣብያ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባት ውሸጢ ዝሰርሑ ቀወምቲ ጣብያታት ነንባዕሎም
ከይተዓፋፈኑ ኣብ አንቴና አመሰራርታ እዋን አድላዪ ዝኾነ እኹል ርሕቐት ክህልዎም ዝግባእ፡፡ እዚ ከምቲ
ዝስዕብ ክፍፀም ይግበኦ፡፡
A 50 ሜትሮ
ኣንቴናታት ማዕዶ ንማዕዶ (Parallel) እንትዝርጋሑ C ን D ን ኣብ ማእኸሎም 100 ሜትሮ ዝኸውን ርሕቐት
ክህልዎም ይግባእ፡፡
100 ሜትሮ
D
ስእሊ 27፡ ጎኒ ንጎኒ ዝተተኸሉ ኣንቴናታት
100 ሜትሮ
ኣብ ላዕሊ በቢመልክዑ ከምዝተራአየ ናይቲ ኣንቴና ኣዘረጋግሓ ካብቶም ዝተቐመጡ ርሕቐታት ንላዕሊ
ምጥቃም ዝካአል እንተኾኑ ፅቡቕ እዩ፡፡ ካብቲ ዝተቀመጠ /ዝተገለፀ ርሕቐት ንታሕቲ ኣንቴናታት
ምፅግጋዕ ነንባዕሎም ንክትዓፋፈኑ ስለዝገብሮም ንርክብ ኣፀጋሚ ኩነታት ይፈጥሩ እዮም፡፡
ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ብዝዓባ ሬድዮ ማዕበልን ብዝዓባ ናይ ኣንቴና ዓይነታትን ፀባይን ናይ ኣፈናንዋ ኣንፈት
ንፍሪኮንሲ ብዝዓባ ዘለዎም ፀባያት ተገሊፆም እዮም፡፡ እዚውን ሕድሕድ ኣንቴና ካብ ዝተገለፁ ነጥብታት
ኣንፃር ናይ ባዕሉ ዝኾነ ባህርን ኣሰራርሓን ከምዘለዎ የረድኣና፡፡
ኣንቴና ንሬድዮ ርክብ ብጣዕሚ ወሳኒ ካብምኻኑ ኣንፃር ናይ ኣንቴና ኣጠቓቕማና ኣብ ርክብ ክንደይ ዝኣክል
ተፅዕኖ ከምዘለዎ ብምርዳእ ኣንቴና ክንመርፅ ከለናን ክንምስርት ከለናን ከከም ፀባዮም ዘይድልዩ ነገራት
ምውጋድ ኣድላይ እዩ፡፡
ዝኾነ ኦፕሬተር ብፍላይ ኣብ /HF/ ሬድዮ ከባቢ ዘለው ናይ ኣንቴና ዓይነታት ኣዘረጋግሓን ኣጠቓቕማን ክፈልጥ
ኣለዎ፡፡ ፈሊጡ እውን ብትኽክል ክሰርሕ ይግባእ፡፡
ሀ. ዌፕ ኣንቴና
ዊፕ ኣንቴና ቁመት ¼ ናይ ማዕበል ንውሓት እዩ፡፡ ነገር ግን ኣብ ተግባር ምዝርጋሕ ነቲ ኣንቴና ሙሉእ
ብሙሉእ ከይዘርገሑ ½ ወይም ፍርቂ ኣካሉ ከይዘርገሑ ወይም ብምዕፃፍ ንምርኻብ ክሙከር የቡሉን፡፡
ኣብ ሰጣሕ/ገለፃ ቦታ ኮይንካ ምስራሕ እምበር ኣብ ትሕቲ ጎቦ ወይም ኣብ ውሽጢ ኣእዋም ኮይንካ
ዘይምስራሕ፡፡
ንርክብ ኣብ ዝምችው ምስራሕ እምበር ንኦፕሬተር ኣብ ዝምችው ምስራሕ ክህሉ የብሉን፡፡
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ነጥብታትንነዊሕ ርሕቐት ንርክብ ብጣዕሚ ዝቅንሱ ነጥብታት እዮም፡፡
ለ.ዋየር ኣንቴና
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ነጥብታት ተደላዪ ናይ ርክብ ርሕቐት ንክሽፊኑ ካብ ምግባሮም ንላዕሊ ምስ
ጣብያታት ዝግበር ርክብ ጠንካራ ንክኸውን ይገብሩ፡፡
ሐ. ዳይፖል ኣንቴና
8. መጠቓለሊ
8.1. መልመዲ
1. ኣንቴና ማለት እንታይ ማለት እዩ? ክንደይ ዓይነት ወታደራዊ አንቴናታት አለው ዘርዝሮም/ሪ ?
2. ናይ አንቴና ባሕሪያት ዝባሉ አንታይ እንታይ እዮም ግለፀ/ፂ ?
3. ፀቢብ ባንድን ሰፊሕ ባንድን ኣንቴና ዝባሃሉ ናይ ኣንቴና ዓይነታት ብምዝርዛር ዘለዎም ኣፈላላይ ግለፀ/ፂ ?
4. ትራንስምሽን ላይን ማላት እንታይ ማለት እንታይ ማለት እዩ ንምንታይ የገልግሉ ?
5. ናይ ሬድዮ ማዕበል መፈነወ እንታይ ማለት እዩ ?
6. ናይ ሬድዮ ማዕበል ኣፈናንዋ ብልሓታት ዝባሃሉ ክንደይ እዮም ኣፈላላዮም ግለፅ ?
7. ብግራውንድ ዌቭ ወይ ብስካይ ዌቭ ምኽንያት ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነዎ ዘይበፅሐሉ ክልል እንታይ ተባሂሉ
ይፅዋዕ ?
8. ኣብ ከባቢ ኣየር ውሸጢ ዝርከቡ ናይ ከባቢ ኣየር ክፍልታት ምስ ናይ ራድዮ ማዕበል ዝምድና ዘለዎም
ሰለስተ ክፍልታት ዘርዝር/ሪ ?
9. እንሰርሐሉ ፍሪኩዌንሲ 30 ሜጋ ሄርዝ እንተኾይኑ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ንውሓ (wave length) ክንደይ
እዩ ስራሕ/ሒ ?
10. ናይ ሬድዮ ማዕበል ንውሓቱ 20 ሜትሮ ዝኾነ ሬድዮ ማዕበል እንሰርሐሉ ፍሪኩዌንሲ ክንደይ ይኸውን
ስራሕ/ሒ ?