Download as docx, pdf, or txt
Download as docx, pdf, or txt
You are on page 1of 30

ኣብ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

ምልክት ቤት ትምህርቲ

ንጀመርቲ ኦፕሬተራት ዝተዳለወ ናይ ኣንቴናን ፈነወ ማዕበል ሬድዮን ትምህርቲ መምሀሪ ፅሑፍ

መስከረም 2014 ዓ.ም


መቐለ
ትግራይ

Content
1. መእተዊ.......................................................................................................................................1
2. ዕላማ......................................................................................................................................... 1
3. ሽቶ (Objective)........................................................................................................................ 1
4. ናይ ማዕበል ሬድዮ አፈናንዋ መሰረተ-ሓሳብ (Principle of Radio Wave Propagation)................................2

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 1


4.1. ናይ ሬድዮ ማዕበል ንውሓት /Wave Length/................................................................................2
4.2. ናይ ፍሪኮንሲን ራድዮ ማዕበልን ንውሓት ዝምድና................................................................................3
4.3. ናይ ከባቢ ኣየር ክፍልታት (Parts of Atmosphere).......................................................................5
4.3.1. ከባቢ ኣየር (Atmosphere)..............................................................................................5
4.3.2. ናይ ኣይኖስፌር ክፍልታትን ካብ መሬት ዘለውዎ ርሕቐትን.......................................................6
4.3.2.1. ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ስልትታት (Mode of Radio Wave Propagation).........................7
5. ኣንቴና...................................................................................................................................... 11
5.1. ናይ ኣንቴና እንታይነት ትርጉም....................................................................................................11
5.2. ናይ ኣንቴና መሰረተ - ሓሳብ.......................................................................................................12
5.3. ናይ ኣንቴና ዓይነት (Types of Antenna)...............................................................................14
5.3.1. ኣይሶትሮፒክ አንቴና........................................................................................................ 14
5.3.2. ኣንፈት ዘይደሊ ኣንቴና......................................................................................................15
5.3.3. ኣንፈት ደላይ ኣንቴና:-......................................................................................................15
6. ትራንስምሽን ላይን (Transmistion Line)........................................................................................23
6.1. ናይ ትራንስሚሽን ላይን ዓይነታት ኣለው.........................................................................................23
6.2. ናይ ትራንስሚሽን ፀባያት (Proporter of Transmission Line)................................................26
7. መአዘዚ ጣብያ (Command Post)...............................................................................................27
7.1. ናይ ዳይ ፖልን ዋይድ ባንድ አንቴናታት ኣመሰራርታ............................................................................27
7.2. ኣብ ኣንቴና ዙርያ ዘጋጥሙ ፀገማት................................................................................................29
7.3. ክግበሩ ዘለዎም ጥንቃቐታት.......................................................................................................29
8. መጠቓለሊ................................................................................................................................. 30
8.1. መልመዲ............................................................................................................................ 31

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 2


1. መእተዊ
ብዝተፈላለዩ መልክዑ ዝግበሩ ናይ ሬድዮ ርክብ ንምርዳእን እኹል ዝኾነ ኣረዳድኣ ንምሓዝን ብዝዓባ አንቴናን
ናይ ማዕበል አፈናንዋ ስልቲ/መንገዲ ምፍላጥ ጠቃሚ እዩ፡፡ ኣብ ሬድዮ ርክብ ውሽጢ ዝፊፀሙ ተግባራት
ብዝሕ ዝበሉ እኳ እንተኾኑ ካብ ሓደ መሕለፊ ሬድዮ ናብ ካሊእ ተቀባሊ ሬድዮ መልእኽቲ ንምሕላፍን
ንምቕባልንኣንቴናእቲ ቀንዲን መሰረታዊን ናይ ሬድዮ አካል እዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለምና ንዝተፈላለዩ ንናይ ሬድዮ ርክብ ስራሕቲ እትጥቀመሎም ዝተፈላለዩ
ናይኣንቴናዓይነታት ዘለው እኳ እንተኾኑ ነዚ ስልጠና እዚ ካብ ወታደራዊ ስራሕትናን ጥቕሞምን አንፃር
ንጥቀመሎም አንቴናታት ጥራሕ ብዝርዝር ክንርኢ ኢና፡፡

2. ዕላማ

ናይዚ ትምህርቲ ቀንዲ ዕላማ ንጥቀመሎም ናይ ርክብ መሳርሕታት ትኽክለኛ ኣንቴና ከመይ ክንመርፅ ከም
እንኽእል ናይ ኣንቴና አዘረጋግሓን አተኻኽልኡን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ መሰረታዊ ፍልጠት ንምትሓዝን
ናይ ኣንቴና ቴክኒካዊ ፍልጠት ክህልውና ንምግበር እዩ፡፡
3. ሽቶ (Objective)

ተምሃሮ ድሕሪ እዚ ትምህርቲ ምጥቕላሎም ዝረኽብዎ ዓቅሚ፡-


 ናይ ሬድዮ ማዕበል ኣፈናንዋ መሰረተ-ሓሳብ ፍልጠት ይህልዎም፡፡
 ናይ ኣንቴና ምንነትን ባህሪኡን ግልፂ ፍልጠት ይህልዎም፡፡

 ናይ አንቴና አዘረጋግሓን መአዘዚ ነጣብያ ኣመሰራርታን ክእለት ይህልዎም፡፡

 ኣብ ሬድዮ ርክብ እዋን ዘጋጥሙ ናይ ሬድዮ መሰናኽላት/ፀገማት ብምፍላይ ነቲ መሰናኽል ናይ

ምፍታሕን ግቡእ ድጋፍ ናይ ምሃብ ክእለት አለዎም፡፡

 ናይ ኤሌክትሮማግኔቲክ ማዕበል መንነትን አፈጣጥራን ብምርዳእ ምስ ናይ ሬድዮ ርክብ ዘለዎ

ዝምድናን ፍልጠት አለዎም፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 1


4. ናይ ማዕበል ሬድዮ አፈናንዋ መሰረተ-ሓሳብ (Principle of Radio Wave Propagation)

ናይ ሓደ መሕለፊ ሬድዮ ወፃኢ ሓይሉ (Power out put) ብኤሌክትሮ ማግኔቲቭ ዌብ መልክዕ ናብ ኣየር
ዝፈነወሉ ከይዲ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ተባሂሉ ይፅዋዕ፡፡ እዚ ኩነታት እዚ በቢሕድሕዱ ናይ ሬድዮ ፍሪኮንሲ
ዑደት ብጣዕሚ ቁልጡፍ ብዝኾነ መልክዑ ይፍፀም፡፡

ስለዝኾነ እውን ካልኦት ሬድዮታት ዝጥቀምሉ ፍሪኩዊንሲ ዓብዩ ብምዃኑ ኣብቲ ኣንቴና ዝፍጠር ማግነቲክ
ፍልድ ብቑልጡፍ ከም ዝንቐሳቐስ ይገብሮ፡፡

ብተወሰኺ እውን ካብ መሕለፊ ሬድዮታት ዝወፅእ ወፃኢ ሓይሊ (Power Out put) እኹል ጉልበት ዘለዎ ናይ
ኤሌክትሪክ ማግኔትክ ማዕበል/ማግኔታዊ ማእበል ስለ ዝፈጠር ማግኔታዊ ፊልዱ ነቲ ኣንቴናለቒቑ ነዊሕ
ርሕቀት ዘለዎ ቦታ ንምጉዓዝ የክእሎ፡፡

4.1. ናይ ሬድዮ ማዕበል ንውሓት /Wave Length/

ስእሊ 1፡ ሬድዮ ማዕበል ንውሓት

በቲ ኣንቴና ኣቢሉ ኣብ ኣየር ዝፈወነው ናይ ሬድዮ ማዕበል ኣብ ኣየር ውሽጢ ዝጓዓዘሉ ፍጥነት
(3x108m/S እዩ፡፡ እዚ ማለት ናይ ሬድዮ ማዕበል ቅልጣፈ ኣብ ኣየር ምስ ናይ ብርሃን ቅልጣፈ ኣብ
ኣየር ማዕረ እዩ ማለት እዩ፡፡

እዚ ሜትሮ ብሰኮንድ (3x108m/s) ዝጓዓዞ ናይ ሬድዮ ማዕበል ኣብ ኣየር እንትጓዓዝ ከሎ ከከም እቲ


ፊሪኮንሲ መጠን/ስፍሓት ዝተፈላለየ ናይ ማዕበል ንውሓት (Wave Length) ይህልዎ፡፡ እዚ ናይ ማዕበል
ንውሓት(Wave Length) ዝውስንዎ ነገራት ናይቲ ማእበል ፊሪኮንሲን ዝኸደሉ ፍጥነትን (Velocity) እዮም፡፡

λ = ናይ ማዕበል ንውሓት ብሜትር


λ = C (M/S) C= ናይ ብርሃን ቅልጣፈ ብሜ/ሰኮንድ
Frequency (HZ)
f= ፍሪኩዊንሲ ብሄርዝ (1 ሳይክል/ብሰኮንድ)
ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 2
ኣብነት፡- እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሒሳባዊ ስልሒት ግልፂ ንምግባር እቲ ዝስዕብ ሒሳባዊ ስልሒት ንመልከት፡፡
እንሰረሐሉ ፍሪኮንሲ 5 ሜጋሄርዝ እዩ ንበል ናይዚ ናይ ማዕበል ንውሓት ንምፍላጥ ከምቲ ዝስዕብ ምርካብ
ይካኣል፡፡

λ= V= λ= 3x108m/Sec = 60 ሜትሮ
ƒ 5x106Hz
እዚ ማለት 5 ሜጋ ሄርዝ ኣብ ኣየር ናይ ሓደ ማዕበል ንውሓት/ λ/ 60 ሜትሮ ይኸውን፡፡ ካብቲ ሒሳባዊ ስልሒት
ከምዘመልክቶ ፍሪኮንሲ እናወሰኸ እንትኸድ ናይቲ ማዕበል ንውሓት ይቅንስ፡፡ ብተፃራሪ ድማ ፊሪኮንሲ
እናቀነሰ እንትኸድ ናይ ማዕበል ንውሓት ይውስኽ፡፡

4.2. ናይ ፍሪኮንሲን ራድዮ ማዕበልን ንውሓት ዝምድና


Quatre –Wave Lengngh Half - Wave Length
Frequency (MHz)
Feet Meters Feet Meters

1.8 130.0 39.7 260.0 79.25


2.0 117.0 35.7 234.0 71.32
2.5 93.6 28.5 187.2 57.06
3 78.0 23.8 156.0 47.55
4.0 58.5 17.8 117.0 35.66
5.0 46.0 14.0 93.6 28.53
6.0 39.0 11.9 78.0 23.77
7.0 33.4 10.2 66.8 20.36
8.0 29.2 8.9 58.5 17.83
9.0 26.0 7.93 52.0 15.85
10.0 23.4 7.13 46.8 14.27
12.0 19.5 5.93 39.0 11.89
14.0 167 5.09 33.4 10.18
16.0 14.6 4.46 29.3 8.93
18 13.0 3.96 26.0 7.93
20.0 11.7 3.57 23.4 7.13
25.0 9.4 2.87 18.7 5.70
30.0 7.8 2.38 15.6 4.76
40.0 5.9 1.80 11.7 3.57
50.0 4.7 1.43 9.4 2.87
60.0 3.9 1.19 7.8 2.38

ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰንጠረዥ ከመይ ከምዝተሰረሐ ዝተወሰኑ አብነታት ካብዚ ንታሕቲ ንመልከት፡፡


እዚ ሰንጠረዥ ንምስራሕ እዞም ዝስዕቡ ምዕሪታዊ አሰራርሓ ንጥቀም

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 3


936

1. full wave = f
468 λ
=
2. Half wave = f 2
234 λ
=
3. Quarter wave = f 4

1 ሜትሮ = 3.28
ካብዚ ምዕሪት እዚ ተላዒልና እቶም ዝስዕቡ አብነታት ንስራሕ፡፡
5 MHz እንድሕር ተተዋሂብና Full wave, Half wave ን Quarter wave ድለ፡፡
936
=λ 936 =187 . 2
1. Full wave = f 5 ጫማ

1 ሜትር = 3.28 ጫማ = 1 ሜትር x 187.2 ጫማ = 57 ሜትር


? 187.2 ጫማ 3.28 ጫማ
468 468
2. HAlf wave = f = 5 = 93.6 ጫማ
1 ሜትር = 3.28 ጫማ = 1 ሜትር x 93.6 ጫማ = 26.7 ሜትር
? 93.6 ጫማ 3.28 ጫማ

234 234
= =
3. Quarter wave = f 5 46.8 ጫማ
1 ሜትር = 3.28 ጫማ = 1 ሜትር x 46.8 ጫማ = 14.26 ሜትር ይኸውን፡፡
? 46.8 ጫማ 3.28 ጫማ

በዚ አብ ላዕሊ ዝሰራሕናዮ ፎርሙላ (ምዕሪት) መሰረት ክንሰርሕ ከለና መጀመርያ ንረክቦ ውፅኢት ብጫማ ስለ
ዝኾነ ናብ ሜትሮ ምቅያር አገዳሲ ይኸውን፡፡
4.3. ናይ ከባቢ ኣየር ክፍልታት (Parts of Atmosphere)

4.3.1. ከባቢ ኣየር (Atmosphere)

ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ካብ መሕለፊ ሬድዮ ኣንቴና እስካብ ተቐባሊ ሬድዮ ኣንቴና ዝጓዓዞ ብአካቢ ኣየር እዩ፡፡
ኣብ መሬት ዙርያ ዝርከብ ናይ ኣከባቢ ኣየር ብናይ መሬት /Geographic/ አቀማምጣ፤ ብናይ ሰዓታት
ለውጢ/ቀትርን ለይትን/ ብናይ ወቅቲ ምልውዋጥ /ሓጋይን ክረምቲን/ ከምኡ እውን ካልኦት ምኽንያታት ኣብ

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 4


ኩሉ ኣከባቢ ዝርከብ ናይ ከባቢ ኣየር ሓደ ዓይነት አይኮነን ፡፡ ስለዝኾነ ውን ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ናይ ሬድዮ ፈነወ
ውሽጢ ናይ ባዕሉ ዝኾነ አሉታውን አወንታውን ብፂሒት/ተፅዕኖ አለዎ፡፡

ኣብ ከባቢ ኣየር ውሽጢ ምስ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ምትእስሳር/ዝምድና/ ዘለዎም ክፍልታት ከባቢ ኣየር
ሰለስተ እዮም፡፡

1. ትሮፖስፌየር/Troposphare/
2. ስትራቶስፌየር /stratosphare/
3. አይኖስፌየር/Ionosphare/

ስእሊ 2፡ ከባቢ አየር ክፍልታት

1. ትሮፖስፌየር (Troposphere):- ካብ መሬት ካብ 10-12 ኪ/ሜትር ርሕቐት ዝርከብን ከምቲ ናይ


መሬት ጂኦግራፍያዊ አቀማምጣ መሰረት ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ሙቐት ተለዋዋጢ ዝኾነ ናይ ከባቢ
አየር እዩ፡፡
2. ስትራቶስፌየር/Stratosphere/፡- ካብ መሬት ካብ 12-50 ኪ/ሜትር ብዘሎ ርሕቐት ተዘርጊሑ
ዝርከብ እንትኾን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሙቐት ብዙሕ ዝለዋወጥ አይኮነን ብማእኸላይ ውፅኢት እንትረአ
ሓደ ዓይነት ወይ ድማ ዘይለዋወጥ ናይ ሙቐት መጠን ዘለዎ ናይ ከባቢ ኣየር ክፍሊ እዩ፡፡
3. ኣይኖስፌየር/Ionosphere/፡- ካብ መሬት ካብ 50-600 ኪ/ሜትር ርሕቐት ዘለዎ እንትኾን እዚ ናይ
ከባቢ ኣየር ክፍሊ ናይ ሬድዮ ማዕበል ኣንፀባሪቁ ናብ መሬት ዝምልስ ክፍሊ እዩ፡፡ ኣይኖስፌር ከምቲ ናይ
ፊሪኮንሲ መጠን ካብ ኣንቴና ዝፍኖ ናይ ሬድዮ ማዕበል ብምንፅብራቕ ናብ መሬት ዝምልስ ናይ ከባቢ
አየር እዩ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 5


4.3.2. ናይ ኣይኖስፌር ክፍልታትን ካብ መሬት ዘለውዎ ርሕቐትን (Ionosphere Leyers and their
Height)

ኣይኖስፌር (Ionospehre) ኣርባዕተ ቀንዲ ክፍልታት ኣለዎ፡፡ ንሶም እውን D! E! F1 ን F2 ይበሃሉ፡፡ እዞም
ክፍልታት እዚኦም ካብ መሬት ንላዕሊ ዘለውዎም ርሕቐት ብማእኸላይ ውፅኢት ክረአ ከሎ ከም ዝስዕብ
ይመስል፡፡

F2 F
F1
E E
D D
ቀትሪ (Day Time) ለይቲ (Night Time)

D------------------------- ካብ 70- 90 ኪ/ሜ

E------------------------- ካብ 100- 120 ኪ/ሜ

F1------------------------ ካብ 150- 250 ኪ/ሜ

F2------------------------ ካብ 300- 600 ኪ/ሜ

ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ነጥብታት እንትርአ ድማ በቢሰዓቱ! በቢመዓልቱ በቢወርሑ! በቢወቅቱ! ሓጋይን


ክረምትን ስለዝቀያየር ናይ ኣይኖስፌርን ኣጠቃላሊ ፀባይ ብዝቀልጠፈ መልክዑ ክለዋወጥ ይገብሮ፡፡ እቲ
ኩነታት ድማ ብዝተፈላለየ ሰዓታት ዝተፈላለየ መሳርሒ ፊሪኮንሲ ንክንመርፅን ንክንጥቀምን የግድደና
እዩ፡፡

ንኣብነት፡- ንጉሆ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እቲ ታሕተዋይ ፍሪኮንሲ ምሸት እንትኾን ድማ እቲ ላዕለዋይ


ፍሪኮንሲ ምምራፅን ምጥቃምን የድልየና የድልየና፡፡ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ዝተፈላለየ ናይ ጉዕዞ
ርሕቐት ክህልወን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣፀጋሚ ከይኸውን ይገብር፡፡ ሕድሕድ ናይ ኣይኖስፌር ክፍሊ
እውን ኣንፀባሪቑ ናይ ምምላስ ዓቅሚ ከከም እቲ ፊሪኮንሲ ይፈላለ እዩ፡፡ እዚ ኣጠቃላሊ ናይ ከባቢ
ኣየር ፀባይን ናይ ሬድዮ ማዕበል ጉዕዞን ግልፂ ብዝኾን መልክዑ ከምዝቅጥል ቀሪቡ ኣሎ፡፡

4.3.2.1. ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ስልትታት (Mode of Radio Wave Propagation)

ካብ መሕለፊ ሬድዮ ኣንቴና ዝወፅእ ናይ ሬድዮ ማዕበል ናብ ተቀባይ ኣንቴና ዝጓዓዝ ክልተ ዓይነት ናይ ማዕበል
ኣፈናንዋ ሜላታት ብምጥቃም እዩ፡፡

እዚኦም እውን :-

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 6


ሀ.ግራውንድ ዌቭ (Ground Wave)
ለ.እስካይ ዌቭ (Sky Wave) ተባሂሎም ይፅውዑ፡፡

ሀ. ግራውንድ ዌቭ (Ground Wave):-

ግራውንድ ዌቭ ዝባሃል ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ትሮፖስፌር ብዝበሃል ናይ መሬት ከባቢ ኣየር ክልል ውሸጢ
ናብ መሬት ምክዓ ምድሪ ብምፅጋዕ ካብ 30-80 ኪ/ሜ ርሕቐት ብዘሎ ከባቢ ክጓዓዝ ዝኽእል እዩ፡፡

ግራውንድ ዌቭ ሰለስተ ዓይነት ናይ ሬድዮ ፈነወ ስልትታት ኣለውዎ፡፡


ንሶም እውን ፡-
1. ቀጥታዊ ማዕበል (Direct Wave)
2. ብመሬት ዝተንፀባረቐ ማዕበል (Ground Reflected Wave)
3. ናይ መሬት ገፅታ መሰረት ዝገበረ ማዕበል (Surface Wave) እዮም፡፡

ስእሊ 3፡ ግራውንድ ማዕበል ክፍልታት

ግራውንድ ዌቭ ንመሬት ብጣዕሚ ቀረባ ብምዃኑ ንሬድዮ ማዕበል ፈነወ ዕንቅፋት ዝኾኑ/ዝርብሹ ብዙሓት
ነገራት ኣለው፡፡ ብግራውንድ ዌቭ ምኽንያት ዝግበር ናይ ሬድዮ ርክብ ብበዝሕ ምኽንያት ኣፀገምቲ ካብ
ምዃኖም ብተወሳኺ ነቲ ርክብ ከቋርፁ ዝኽእልሉ ኩነታት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ VHF ሬድዮ
ዝግበር ርክብ ብጣዕሚ ኣፀጋሚን ነዊሕ ርሕቐት ከይኸይድ ይገብርዎ እዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ንግራውንድ
ማዕበል ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽዕሉ ምኽንያታት

 ናይ VHF ሬድዮ ላይን ኣፍ ሳይት (Line of sight) ዝደሊ ምዃኑ እዩ፡፡


 ናይ መሬት ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ!
 ናይ መሕለፊ ሬድዮ ወፃኢ ሓይሊ (Power out Put)!

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 7


 ናይ ኣንቴና ዓነትን ፀባይን (Characteristces of Antenna) ናይ ፊሪኮንሲ መጠን (Frequency
amount)!
 እቲ መሬት ዘለዎ ኤሌክትሪካዊ ፀባይ (Conductivity and Ionczation)!
 ሜትሮሎጂካዊ ኩነታት (Weather content of the Atomosphere)!
 ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን መሰናኽላት (Mountains and High buildings)!
 ርክብ ሬድዮ ዝግበረሉ እዋን/ወቅቲ/ ይውስንዎ እዮም፡፡
ለ. እስካይ ዌቭ (Sky Wave) ናይ ሰማይ ማዕበል ፈነወ፡-

እስካይ ዌቭ (Sky Wave) ዝበሃል ካብ መሕለፊ ሬድዮ (Tx) ብቐጥታ ናብ ኣይኖስፌር (Ionosphere) ወፂኡ
ብኣይኖስፌር ተንፀባሪቑ ናብ መሬት ብምምላስ ናብ ተቐባሊ ሬድዮ ኣንቴና (Rx) ዝበፅሕ ናይ ሬድዮ ማዕበል
ፈነወ እዩ፡፡

ኣብ ታሕቲ ኣብቲ ስእሊ ከም ዝተመልከተ ካብ መሕለፊ ሬድዮ ኣንቴና (Tx) ብቐጥታ ናብ ኣይኖስፌር በፂሑ
ናብ መሬት ዝምልስ ናይ ሬድዮ ማዕበል ዝሽፊኖ ርሕቀት እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እውን እስካይ ዌቭ ንነዊሕ ርሕቐት
ካብ 100 ኪ/ሜ ንላዕሊ ንዝግበር ርክብ ዝጠቕመና ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ዓይነት እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ብናይ
ኣይኖስፌር ቁፅፅርን ካብ መሬት ብዝህልዎ ርሕቐትን ምስ ግዜን ዝለዋወጥ ይኸውን፡፡ ኣይኖስፌር ኣጠቓላሊ
ዝህልውዎ ክፍልታትን ሕድሕዱ ክፍሊ ነንሕድሕዱ ናይ ፍሪኮንሲ መጠን ኣንፀባሪቑ ከምዝምለስ ይገብር፡፡
ብተወሳኺ ናይ ሬድዮ ርክብ ክርብሹ ዝኽእሉ ኣብ ከባቢ ኣየር ውሽጢ ዘለው ጨረራት (Cosmic rays wtra
Violati Lights) ብዝርዝር የርኢ እዩ፡፡

ስእሊ 4፡ ስካይ ዌቭ

ሀ. እስኪፕ ዲስታንስ (Skip Distance) ፡- ዝበሃል ናይ ሬድዮ ማዕበል ካብቲ ኣንቴና ተላዒሉ ናብ ኣይኖስፌር
በፂሑ መሬት እስካብ ዝበፅሕ ወይ ድማ መሬት እስካብ ዝነኽእሉ ዘሎ ርሕቐት እዩ፡፡
Ionosphere

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 8


Tx Skip distance Rx
ስእሊ 5፡ እስኪፕ ዲስታንስ

ለ. እስኪፕ ዞን/Skip Zone፡- ብግራውንድ ዌቭ ወይ ድማ ብእስካይ ዌቭ ምኽንያት ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ


ዘይበፀሖ ክልል/ቦታ ማለት እዩ፡፡ ኣብዚ ክልል እዚ ዝምስረት ሬድዮ ርክብ ናይ ሬድዮ ርክብ ምግባር ኣፀጋሚ
እዩ፡፡

Inospher

Sky wave

Ground wave
Skip Zone
Tx
Rx

ስእሊ 6፡እስኪፕ ዞን

እስካይ ዌቭ ሆፕ (ናይ ሰማይ ናይ ማዕበል ፈነው ዝላ)

ብናይ ስካይ ዌቭ ዝላ /Sky Wave Transmision hop/ እንብሎ ካብ መሕለፊ ሬድዮ ኣንቴና (Tx) ብቀጥታ
ናብ ኣይኖስፌየር ወፂኡ ብኣይኖስፌር ተንፀባሪቁ ናብ መሬት ብምምላስ ንተቀባሊ ሬድዮ ኣንቴና (Rx) ዝበፅሕ
ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ እንትኾውን እዚኦም እውን ክልተ ዓይነት ናይ ሰማይ ናይ ማዕበል ፈነው ዝላ ሜላታት
ይፍፅሙ፡፡

እሱእውን፡-
ሀ. ነፀላ ዝላ ፈነወ (One hop Propagation)
ለ. ድግግሞሽ ዝላ ፈነወ (Multi hope Propagation) እዮም፡፡

ሀ. ነፀላ ዝላ ፈነወ (One hop Propagation) ፡- ዝባሃል ሓደ ግዜ ጥራሕ ናብ ኣይኖስፌር (Ionosphere)


ብምግጫው ተንፃባሪቑ ናብ መሬት ብምምላስ ናብ ተቀባሊ ሬድዮ ዝበፅሕ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ እዩ፡፡

ለ. ድግግሞሽ ዝላ ፈነወ (Multi hope Propagation):- ድግግሞሽ ዝላ ዝበሃል በኣይኖስፌር ኣቢሉ


ተንፀባሪቑ ናብ መሬት ዝተመለሰ ናይ ሬድዮ ርክብ ማዕበል ተመሊሱ ናብ ኣይኖስፌር (Ionosphere) ብምኻድ

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 9


እንደገና ተንፀባሪቑ ናብ መሬት ብምምላስ ናብ ተቀባሊ ሬድዮ ኣንቴና ዝበፅሕ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ
ድግግሞሽ ዝላ ይባሃል፡፡

ስእሊ 7፡ ነጠላና ድግግሞሽ ዘለላ

5. ኣንቴና
5.1. ናይ ኣንቴና እንታይነት ትርጉም

ኣንቴና ማለት ናይ ሽቦታት ስብስብ ወይ ድማ (Set of Conductors) ማለት እዩ፡፡ ኣንቴና እቲ ቀንዲን ወሳንን
ናይ ሬድዮ ሓባሪ ኣቕሓ እዩ፡፡ ሓደ ሬድዮ ብዘይ ኣንቴና ኤሌክትሮማግኔቲክ ማዕበል (Electromagnetic Wave)
ክቕበል ወይ ድማ ከሕልፍ ኣይኽእልን፡፡ ናይ ኣንቴና ዋና ስራሕን ተግባርን ካብ መሕለፊ ሬድዮ ዝወፅእ ወፃኢ
ሓይሊ (Power out Put) ናብ ኤሌክትሮማግኔቲክ ማዕበል ብምቕያር ናብ ኣየር ውሽጢ ክፍነው ምግባርን
ኣብቲ ኣየር ዝተፈነወ ናይ ሬድዮ ማዕበል (EMM) ብምቕባል ናብ ሬድዮ ምብፃሕ እዩ፡፡ ቅድም እንትብል ናይ
ሬድዮ ማዕበል ንምፍናው (ንምሕላፍን ንምቅባልን) ክልተ ዓይነት ኣንቴናታት የድልዩ ነይሮም፡፡ ኣብዚ ሕዚ
እዋን ግን ናይ ሬድዮ ማዕበል ንምሕላፍን ንምቅባልን ሓደ ዓይነት ኣንቴና ጥራሕ ኢና ንጥቀም፡፡ እዚ ማለት
ናይቲ ሬድዮ ሃንድሴት (PTT) ተፃዒና ክንናገር ከለና እቲ ኣንቴና ናይ ሬድዮ ማዕበል ንምሕላፍ እንጥቀመሉ
እንትኸውን ነቲ ናይ ሃድሴት (PTT) ክንለቆ ከለና ድማ ናይ ሬድዮ ማዕበል መልእኽቲ ንምቕባል እንጥቀመሉ፡፡
እዚ ናይ ኣንቴና ፀባይ ድማ ኣንቴና ሬሳፕሮስቲ (Antenna Reciporcity) ይባሃል፡

5.2. ናይ ኣንቴና መሰረተ - ሓሳብ

አንቴና ኣብ ናይ ሓደ ሬድዮ ሰርኩት ኣብ ንሰርሐሉ እዋን ኣድላይ እዩ፡፡ እቲ ትኽክለኛ ኣንቴና ንምምራፅን
ንምጥቃምን ዝተወሰኑ ናይ አንቴና መሰረተ-ሓሳባት (Concept of Antenna) ምርድእ ብጣዕሚ አገዳሲ እዩ፡፡

ሀ. ኣንቴና ሬሳፕሮሲቲ (Antenna Reciporcity)

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 10


ሓደ ኣንቴና ናይ ሬድ ማዕበል ሓደ ግዜ ንምሕላፍ ሓደ ግዜ ድማ ንምቕባል ዝግበር ናይ ኣንቴና ባህሪ ወይ ድማ
ከይዲ ኣንቴና ሬሳፖሮስቲ ተባሂሉ ይፅዋዕ፡፡ ብዝዓበየ መልክዑ ድማ ሓደ ኣንቴና ዝበለፀ ዝሕልፈሉ ኣቅጣጫ
እንድሕር ተነጊሩ እዚ ኣቅጣጫ ካብቲ ኻሊእ አቅጣጫ ዝበለፀ ዝቅበል ምዃኑ ኣብ ግምት ውሽጢ ክኣትው
ይግባእ፡፡

ለ. ሪዞናንስ ዝኾኑ አንቴናታት (Resonance)


ኣንቴናታት ከከም መልክዖም ወይ ዲዛይኖም ኩነታት ሬዞናንስ ወይ ድማ ሬዞናንስ ዘይኮኑ ተባሂሎም ይኽፈሉ፡፡
ኣብ ሬዞናንስ ኣንቴናታት ናብቲ ኣንቴና ዝአተወ ናይ ሬድዮ ሲግናል ብምልኡ ናብ ኣየር ይፍነው፡፡ ናይዚ ኣንቴና
ፀገሙ ግን ካብቲ ዲዛይኑ ወፃኢ ዝተሰርሑ ፊሪኮንሲታት ክፍኑ ኣይኽእልን፡፡ ሬዞናንስ ኣንቴና ዲዛይን ካብ
ዝተገበሮ ፊሪኮንሲ ± 2%ጥራሕ እዩ ዝፍኑ፡፡

ሐ. ሬዞናንስ ዘይኮኑ ኣንቴና (Non-Resonance)፡-


ሬዞናንስ ዘይኮኑ ኣንቴናታት እንብሎም ስፋሓት ዘለዎም ፍሪኮንሲ ብትሑት ፅሬት ናይ ሬድዮ ማዕበል ዝፍንው
እዮም፡፡ ሪዞናንስ ኣንቴና ካብ ዝሰርሐሉ ናይ ፍሪኮንሲ ስፋሓት (Band Width) ወፃኢ ዝኾነ ፍሪኮንሲ
እንትምገብ ልዑል ናይ ሓይሊ ወፃኢ ብኽነት የስዕብ እዩ፡፡ ካብቲ ኣንቴና ዝወፀአ ሲግናል ናብ መመገቢ መስመሩ
ተመልሱ ቀዋሚ ማዕበል (Standing Wave) የጋጥም፡፡ እዚ ዘጋጠመ ቀዋሚ ማእበል (Standing Wave)
እንዕቅነሉ ሓደ ኣንቴና ኣብ ብዝተወሰነ ፍሪኮንሲ ሬዞናንስ ምዃኑን ዘይምዃኑን እንውስነሉ ኣገላልፃ (Standing
Wave) ይባሃል፡፡
ንኣብነት ልዑል ቀዋሚ ማዕበል ሬሸዮ (Standing wave Ratio) ዘለዎ ሓደ ኣንቴና ጥራሕ ይዝርጋሕ እንበል
ኣብዚ እዋን እዚ (Coupler) ወይ ድማ ኣንቴና ቲዩነር (Tuner) ምጥቃም ኣድላይ እዩ፡፡ ኮፕለር (Coupler)
ማለት ሓደ ሬድዮ ትሑት ቀዋሚ ማዕበል ሬሽዩ እንትሃሎዎ ምስቲ ኣንቴና ከምዝተራኸበ ተገይሩ ክቆፅሮ
ክዝሓስቦ እንትባሃል በቲ ሬድዮን ኣንቴናን ማእኸል ዘራኽብ መሳርሒ እዩ፡፡ ኣብ ኣየር ዝተፈነወ ሲግናልን ወይ
ናይ ሬድዮ ማዕበል ናይቲ ካፕለር ኣቀማምጣ ይውስኖ እዩ፡፡ እዚ ማለት እቲ ኮፕለር ምስቲ ሬድዮ ፅጋዕ
እንተኾይኑ ልዑል ይኸውን፡፡ እቲ ካፕላር ዘሎ አብቲ ኣንቴና እንተኾይኑ እቲ ብኽነት ይቅንስ ማለት እዩ፡፡

መ. ፓላራይዜሽን (Polarisation)
ፓላራይዜሽን ማለት በቲ ኣንቴና ናብ ኣየር ዝፍነው ሲግናል ምስቲ መሬት ዘለዎ ዝምድና/ምትእስሳር ማለት
እዩ፡፡ ብጣዕሚ ተፈልቲ ዝኾኑ ናይ ፓላራዜሽን ዓይነታት /Horizontal/ ምስ መሬት ትይዩ /ማዕዶ ንማዕዶ/
ከም እውን (Vertical) ምስ መሬት ቀጥ (Perpendicular) ዝበለ እንትኾኑ ሓሊፉ ሓሊፉ ድማ ክብን
(Circular Eltipticaly) ዝተባሃሉ እዮም፡፡ ቨርቲካል ኣንቴና ቨርቲካል ፓላራዜሽን እንትህልዎ ሆሪዘንታል ድማ
ሆሪዘንታል ፓላራዜሽን ኣለዎ፡፡

ሠ. ኣንፃባራቒ (Reflection)

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 11


ሓደ ርብዒ ማዕበል (Quarter Wave) ዝኾነ ኣንቴና ሪዞናንስ ንምዃን ምስ መሬት ፅቡቅ ግራውንድ ክህልዎ
ይግባእ፡፡ ናይዚ ዓይነት ኣንቴና እቲ ቤዙ ኣብ መሬት እንትኸውን ካብቲ ኣንቴና ንታሕቲ ዘሎ መሬት ብዝበለፀ
ኣንፀባራቒ ብምዃን ካሊእ ርብዒ ማዕበል (quarter Wave) ይፈጥሩ፡፡ ኣብ መጨረሻ እውን ¼ ማዕበል (Wave)
ከም ማዕበል ½ ዌቭ ኣክት ይገብር/ይፍፅም/፡፡
ናይ መሬት ኣንፀባሪቒ ½ ማዕበል (½ Wave) ዌቭ ቨርቲካል ኣንቴና ኣብ ትሕቲ ኣንቴና ኣብቲ ትሕቲ ኣንቴና
ዘሎ መሬት ሕማቕ /ዘይምችው ኤሌክትሪካዊ ፀባይ እንተሃሊዎ ካብቲ ኣንቴና ዝተፈነወ መልእኽቲ ክባኽን
ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ ¼ ማዕበል ዝኾነ ቨርቲካል ኣንቴና ኣብቲ ትሕቲ ኣንቴና ፅቡቕ ግራውንድ ክህልዎ ይግባእ፡፡

ረ. ጌይን (Gain)
እዚ ኣባሃህላ እንጥቀመሉ ሓደ ኣንቴና ከመይ ገይሩ ብፅቡቅ ኩነታት ከመይ ወፃኢ ሓይሊ ከም ዝፊኑ ንምግላፅ
እዩ ፡፡ ሓደ ኣንቴና ምስ ካሊእ ቅድሚ ምውድዳርና ናይዚ ኣንቴና ጌይን ምፍላጥ ኣድላይ እዩ፡፡ ናይ ክልተ
ኣንቴናታት ገይን (Gain) ቅድሚ ምውድዳርና መጀመርያ እንሕድሕዱ ኣንቴና ካብ ሓደ መበገሲ /Reference/
ኣንቴና ክነወዳድሮ ኣለና፡፡
ሰ. ቴክ አፍ አንግል (Take of Angle)
ናይ ሓደ ኣንቴና ቴክ ኦፍ ኣንግል ዝበሃል ኣብ ታሕቲ ኣብቲ ስእሊ ከም ዝተቐመጠ ካብ መሬት ንላዕሊ ዘሎን
እቲ ኣንቴና ልዑል ናይ ኢነርጂ ፈነወ ዝካየደሉ ኩርናዕ (Angle) እዩ፡፡

ስእሊ 8፡ ኣንቴና ቴክ ኦፍ አንግል

ናይ VHF ርክብ ኣንቴናታት ዝስርሕሉ ምስቲ ዝፍንዎ ኢነርጂ ማዕዶ ንማዕዶ ከም ዝኾን ተገይሩ እዩ
ዝምስረት፡፡ ናይ VHF ናይ ኣንቴናትት ኣንቴና ቴክ ኦፍ ሰርኪት ዝተማለአ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይውስን እዩ፡፡
ናይ HF ስካይ ዌቭ ኣንቴናታት ኣብ ፋብሪካ እንትሰርሑ ከምቲ ናይቲ ሰርኪት ርሕቐት ኣብ ዝተወሰነ ኣንቴና
ቴክ ኦፍ ጥራሕ ከም ዝሰርሑ ተጌይሩ እዩ ዝስራሕ፡፡ ልዑል ናይ ኣንቴና ኣንቴና ቴክ ኦፍ ዘለዎም ኣንቴናታት
ንሓፃር ርሕቐት ርክብ ግልጋሎት እንትውዕሉ ትሑት ናይ ኣንቴና ቴክ ኦፍ አንግል ዘለዎም ድማ ንነዊሕ
ርሕቐት ርክብ ግልጋሎት ይውዕሉ፡፡ ዝኾነ ዓይነት ኮንዳክተር ኣብ ውሽጡ ናይ ኤሌክትሪክ ካረንት ኣብ
ዝሓልፈሉ ግዜ ኣብቲ ኮንዳክተር ዙርያ ናይ ኤሌክትሮኒክ ማግነቲክ ፊልድ ይፈጥር፡፡

5.3. ናይ ኣንቴና ዓይነት (Types of Antenna)

የአንቴና ዓይነቶች

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 12


5.3.1. ኣይሶትሮፒክ አንቴና
አይሶትሮፒክ አንቴና ዝኾነ ዓይነት ናይ ወፃኢ ሓይሊ ብኽነት ዘይብሉ (lossless) አብ ሬድዮ ውሽጢ ዝብፅሕ ወፃኢ ሓይሊ

ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ኤሌክትሮማግኔቲክ ማዕበል ብምቕያር ዝፍኑ እዩ፡፡ እዚ ኣንቴና ብኹሉ አንፈት ማዓረ ዝፍንውን ዝቅበልን

እዩ፡፡ እዚ ዓይነት ኣንቴና ንምርምርን ትምህርትን ከም መረዳእታ ዝጠቅም ሓሳባዊ ናይ አንቴና ዓይነት እዩ፡፡

5.3.2. ኣንፈት ዘይደሊ ኣንቴና


ኣንፈት ዘይደልዩ አንቴናታት ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ 3600 ብትመሳሳሊ ኩነታት ብማዓረ ክቅበሉን ከሕልፉን

ዝኽእሉ አንቴናታት እዮም፡፡ እዞም ዓይነት ኣንቴናታት እዚኦም ብሰብ ሸክሚ ወይ ድማ ብተሸከርከርቲ

ዝግበር ናይ ሬድዮ ርክብ ይጠቅሙ፡፡ አብነት፡- ዊፕ አንቴና፡፡

5.3.3. ኣንፈት ደላይ ኣንቴና:-


ኣንፈት ደለይቲ አንቴናታት ናይ ሬድዮ ማዕበል ብዋናነት ምቕባልን ምሕላፍን ዝኽእሉሉ ኩነታት ብዝተወሰነ

አንፈት ጥራሕ እዩ፡፡ አንፈት ደለይቲ አንቴናታት ንመንበሪ ገዛ ግልጋሎት፤ ንንግዲን ኣብ ቀዋሚ ጣብያ

ንዝግበር ፈነወታት ተመራፂ እዩ፡፡ንዚ ፅቡቕ አብነት ክኸውን ዝኽእል ድያፖል ኣንቴና እዩ፡፡ እዚ አንቴና እዚ

ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ንምሕላፍወይ ድማ ንምቅባል አንፈት ናይቲ አንቴና ምስትኽኻል የድሊ፡፡ ካሊእ

እዞም ኣንቴናታት እዚኦም ኣብ ዝተፈላዩ ክፍልታት እንምድበሉ ረቑሓታት ምሰቲ ናይ ሬድዮና መስርሒ

ፍሪኮንሲታት ባዕሎም ዘዛምዱ (resonate) ካብ ምዃኖም አንፃር እንትኸውን ባዓል ፀቢብ ባንድ ባዓል
ሰፊሕ ባንድ ኣንቴና ኢልና ንኸፍሎም፡፡

በዓል ሰፊሕ ባንድ ኣንቴናታት (broad band Antennas) ሬድዮና ብዝሰርሐሉ ኩሉ ዓይነት ፍሪኩዊንሲ ብዘይ ምንም
ዓይነት ናይ አንቴና ቁመት ምስትኽኻል ክንሰርሐሎም እንኽእል ናይ ኣንቴና ዓይነታት እዮም፡፡ አብነት ዊፕ ኣንቴናን

ዋይድ ባንድ ኣንቴና ከም አብነት ይጥቀሱ፡፡ ባዓል ፀቢብ ባንድ ኣንቴናታት (Narrow band Antennas) ድማ ናይ

መስርሒ ፍሪኩዊንሲ ብዝቐየርና ቑፅሪ ናይ ኣንቴና ቑመት ምስትኽኻል ዘድሊ እንትኸውን ናይዚ አብነት ዳይፖል ኣንቴና

ከም አብነት ዝጥቀስ እዩ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 13


ኣንቴናታት ካብ መሰረታዊ ባህሪኦም ተላዒልና ኣብ ላዕሊ ብዘለው መንገድታት ዝኽፈሉ እንትኾኑ ነገር ግን ኣንቴና ከም ሓደ ናይ

ሬድዮ ርክብ ሓባሪ አቅሓ ካብ ዝስርሐሉ ጥረ አቕሓ፣ ካብ ዝህቦ ግልጋሎት ወዘተ አንፃር ከምዞም ዝስዕቡ ከፊልና ንርአዮም፡፡

ሀ. ዊፕ ኣንቴና /Whip Antenna/

ዊፕ ኣንቴና ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝሰርሑ እንትኾኑ መብዛሕቲኦም ዘለዎም ቑመት ናይቲ ዊፕ ንውሓቱ
/Length Wave/ ሓደ ንኣርባዕተ (1/4) ሪብዒ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት እውን ኳርተር ዌቭ /Quarter Wave
Antennas/ ይባሃሉ፡፡ ዊፕ ኣንቴና ኣቅጣጫ ዘይደልዩ /non- directional ኣንቴናታት እዮም፡፡ ናይ ዊፕ ኣንቴና
ፀባይ ብናይ ሬድዮ መስርሒ ፍሪኮንሲ/Frequency range ዝጥቀም ምዃኑ እዩ፡፡ በዚ ፀባይ ምኽንያት ሰፊሕ
ባንድ ኣንቴናታት (wide band antennas) ካብ ዝበሃሉ ይምደቡ፡፡ ናይ ዊፕ ኣንቴና መስርሒ ፍሪኮንሲ
ብዝተቐየረ ቁፅሪ ናቲ ኣንቴና ንውሓት ምቕይያር ኣየድልን፡፡

ስእሊ 9፡ ዊፕ አንቴና

ዊፕ ኣንቴና ክንጥቀም ከለና እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምስትውዓል የድልዩና እዮም፡፡


 ዊፕ ኣንቴናታት ኣቅጣጫ ዘይደልዩ (Non- Directional) እዮም ፡፡
 ናይ ርክብ ርሕቐት ንምውሳኽ ብዝተኻኣለ መጠን ካብ መሬት ንላዕሊ ልዕል ክብል ምግባር ፡፡
 ዊፕ ኣንቴና ዋይድ ባንድ (Wide band) ኣንቴናታት እዮም፡፡
ኣፈፃፅማ
 ብሑቖና ሓዚልናዮ እንተኾይና ደው ኢልና ምርካብ ይምረፅ፡፡
 እቲ ኩነታት ዝፈቅድ እንተኾይኑ ብዝተኻአለ መጠን ናብ በሪኽ ቦታ ምውፃእ፡፡
 ንፅቡቅ ግራውንድ ዌቭ ፈነወ እቶም ኣንቴናታት ብዝተኻአለ መጠን ቀጥ ዝበሉ
ክኾኑ ምግባር የድሊ፡፡
ለ. ዋየር ኣንቴና
ዋየር/ሽቦ ኣንቴናታት ብቐሊሉ ክትከሉን/ክምስረቱን ንኣተሓሕዘኦም ምችዋት ዝኾኑን ብትኽክል እንድሕር
ተተቒምናሎም ውፂኢታዊ ዝኾነ ርክብ የራኽቡና እዮም፡፡ ዋየር ኣንቴና ብማዕበል ኣፈናንዋኡ ምስ ኣቅጣጫ
ደለይቲ /Directional/ ኣንቴናታት ይምደብ፡፡ ዋየር ኣንቴናታት ከከም እንጥቀመሎም መስርሒ ፍሪኮንሲ
ቑመት ናይቲ አንቴና ቑመት እናስተኻኸልና እንጥቀም፡፡ እዚ ፀባይ እዚ ምስ ፀቢብ ባንድ ኣንቴና ንክምደብ
ይገብሮ ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 14


ስእሊ 10፡ ዋየር አንቴና

ሐ. ዳይፖል ኣንቴና (Dipole antenna)

ዳይፖል ኣንቴና ዝባሃሉ ብአጠቓላሊ ናይ ማዕበል ንውሓቱ ፍርቂ (wave Length) (1/2) ዝኾን ቑመት ዘለዎም
ኣንቴናታት እዮም፡፡ እዚ ኣንቴና ብዙሕ ግዜ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሪክ መሕለፍቲ ዝኾኑ ሽቦታት
ዝተሰረሐ እዩ፡፡

ስእሊ 11፡ ዲያፖል አንቴና

ዳይፖል ኣንቴና እንትምስረት/እንትትከል ክህልዎ ዝግባእ ቑመት እንሰርሐሉ ፍሪኮንሲ ናይ ማዕበል ንውሓት
(wave Length) ፍርቂ (λ/2) ክኸውን ይግባእ፡፡ በዚ ምኽንያት እውን ኣንቴና ፍርቂ ማዕበል (Half Wave)
ይባሃል፡፡ ዳይፖል ኣንቴናታት ብኽልተ ገፅ/ኣቅጣጫ 1800 ዝዝርጋሕ ክልተ ኣካላት እንትህልውዎ እዚኦም ናይ
ማዕበል ንውሓቱ (Wave length) ሓደ ንኣርባዕተ(1/4) ቑመት ይህልውዎ፡፡

ዳይፖል ኣንቴና ከምቲ ንሰርሐሉ ፍሪኮንሲ መሰረት ብምግባር ናይቲ አንቴና ቑመት ምስትኽኻል የድሊ
(ይግባእ) ፡፡ ምኽንያቱ ፍሪኮንሲ ብዝተቐየረ ቑፅሪ ናይ ፍሪኮንሲ ናይ ማዕበል ንውሓት (Wave length)
ስለዝቀያየር እዩ፡፡ በዚ መሰረት ዳይፖል ኣንቴናታት ፀቢብ ባንድ (Narrow band) ኣንቴናታት ይባሃሉ፡፡

ዳይፖል ኣንቴናታት ዝህልውዎ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ካብዚ ንታሕቲ ዝረአ ስእሊ የመልክት፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 15


ስእሊ 12፡ ናይ ማዕበል አፈናንዋ አቅጣጫ

ኣብቲ ላዕሊ ከም ዝተመልከተ ናይ ኣፈናንዋ ኣቅጣጫ ፀባይ ምኽንያት ዳይፖል ኣንቴናታት እንድሕር
ተተኺሎም ብ 900 ፍልልይ ፅቡቅ የራኽቡ/ይርከቡ፡፡ እዚ ማለት እቲ ኣንቴና ካብ ምብራቅ ናብ ምዕራብ
እንድሕር ተተኺሉ ፅቡቕ ርክብ ዘራኽብ ብሰሜንን ደቡብን ኣቅጣጫ እዩ ማለት እዩ፡፡ እዚ ባህሪኡ ድማ
ኣቅጣጫ ዝደልዩ / ኣንቴናታት (Dirctional Antennas) ተባሂሎም ይምደብ ፡፡

ብኣጠቓላሊ ዳይፖልን ኣንቴናታት

 ፀቢብ ባንድ /narrow band/ ኣንቴናታት እዮም፡፡


 ኣቅጣጫ ደለይቲ ኣንቴና /Directional- antenna/ እዮም፡፡
 እቲ አንቴና ክትከል ከሎ ካብ መሬት ንላዕሊ ካብ 9-12 ሜትሮ ልዕል ክብል ኣለዎ፡፡
 ኣጠቓላሊ እቲ ኣንቴና ክህልዎ ዝግባእ ቑመት በቲ ንሰርሐሉ ፍሪኮንሲ ናይ ማዕበል ንውሓት /Wave
length/ ፍርቂ ክኸውን ኣለዎ፡፡
 እንራኸበሉ ኣቅጣጫ ተኸቲልና ክኸውን ኣለዎ፡፡

መ. ዋይድ ባንድ ኣንቴና (Wide band-Antenna)

ዋይድ ባንድ ኣንቴና ካብ ሓደ ነጥቢ ወፃኢ ብኻሊእ ፀባዩ ምስ ዳይፖል ኣንቴና ተመሳሳሊ እዩ፡፡ ዋይድ ባንድ
ኣንቴና ካብ ዳይፖል አንቴና ዝፍለየሉ ነጥቢ በቲ ሬድዮ መስርሒ ፍሪኮንሲ ስፋሓት ውሽጢ ብዘይምንም
ምስትኽኻል ምስርሑ እዩ፡፡ እዚ ባህሪ ክህልዎ ዝገብሮ/ዘኽእሎ ድማ እቲ ኣንቴና ዝሰርሐሉ ፍሪኮንሲ ብዝቐየረ
ቁፅሪ እቲ አንቴና ባዕሉ እቲ ፍሪኮንሲን ናይቲ አንቴና ንውሓትን ከዛምድ ዝኽእል ትራንስፎርመር ዝተባሃለ
መሳርሒ ስለዘለዎ እዩ፡፡ ዋይድ ባንድ ኣንቴና (Wide band-Antenna) ኣቅጣጫ ምስ ዝደልዩ /Directional-
Antenna ኣንፈታት ይምደብ፡፡ ዋይድ ባንድ ኣንቴና ክትከል ከሎ ብዝተኻኣለ መጠን ካብ 9-12 ሜትሮ ልዕል
ትበለ ዝሐሸ ውፂእት ይርክቦ፡፡ ናይ ማዕበል ኣፈናንዋ ምስ ዳይፖል ኣንቴና ተመሳሳሊ እዩ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 16


ስእሊ 13፡ ድያፖል አንቴና

ሠ. ያጊ ኣንቴና (Yagi Antenna)

ያጊ ኣንቴና ያጊ ኣንቴና ዝብል ስያመ ዝረኸቦ በቲ ነዚ ኣንቴና ዝረኸበ ወይ ዝሰርሐ ሰብ እዩ ተሰይሙ፡፡ እዚ


ኣንቴና እዚ ዝተፈላለየ መሰረታዊ ነገራት (Elements) ኣለውዎ፡፡ እዞም መሰረታዊ ነገራት ነኒ ናይ ባዕሎም
ስራሕ ዝሰርሑ /ዝፍፅሙ እንትኾኑ ሕድሕዶም ዝውክልዎ ½ ፍርቒ ማዕበል (have wave length) እዩ፡፡ ያጊ
ኣንቴና ½ ድያፖል አንቴና (half wave dipole antenna) ይምደብ፡፡ ያጊ ኣቅጣጫ ደለይቲ ካብ ዝበሃሉ
አንቴናታት ዝምደብ ኮይኑ ቐጥታዊ እይታ (Line of Sight) ዝኾነ ርክብ ይጥቀም፡፡ ያጊ ብስፋሓት
ንቴሌቭዥን ኣገልግሎት ይውዕል፡፡

ስእሊ 14፡ ያጊ አንቴና

ረ. ሮሆምቢክ ኣንቴና (Rhombic Antenna)

ሮሆምቢክ ኣንቴናታት ልዑል ዝኾነ ናይ ኣንፈት ጌይን ከምኡ እውን ትሑት ናይ ቴክ ኦፍ ኣገልግሎት ዘለዎም
ኣንቴናታት እዮም፡፡ እዞም ኣንቴናታት እዚኦም ንነዊሕ ርሕቐት ርክብ ዝተመረፁ እዮም፡፡ ሮሆምቢክ
ኣንቴናታት ናይ መስርሒ ፍሪኮንሲኦም 1.6 ንታሕቲ እንትኸውን ነቲ ኣንቴና ንምትካል ብጣዕሚ ቀሊል ካብ

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 17


ምዃኑ ዝተላዓለ ፍልጠትን ክእለትን ኣይሓትትን ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እውን ፅቡቅ ዝኾነ ናይ ኣንፈት/ኣቅጣጫ
ርክብ ይህቡ እዮም፡፡

ወታደራዊ ኣንቴናን ኣዘረጋግሓኦምን

ሀ/ ነዊሕ ሽቦ ኣንቴና /Long wire antenna/


ለ/ ቪ-ቅርፂ ኣንቴና/V-Shape antenna
ሐ/ ሮሆምቢክ ኣንቴና/rhombic antenna/
መ/ ተርን ሰታይል ኣንቴና /Turn Stile antenna
ሠ/ ግራውንድ ፕሌን ኣንቴና /Ground Antenna

ሀ. ነዊሕ ሽቦ ኣንቴና /Long Wire Antenna/

ሽቦ ኣንቴናታት /Wire antennas/ ኣንፈት ደለይቲ ካብ ዝበሃሉ ናይ ኣንቴና ዓይነት እዮም፡፡ በዚ መሰረት እቲ
ኣንቴና ክንተኽሎ ወይም ክንዝርግሖ ከለና ናብቲ ንራኸበሉ ኣንፈት ወይ ድማ ናብቲ ንራኸበሉ ንደሊ ኣሃዱ
ምስትኽኻል ተመራፂን ኣድላይን እዩ፡፡

ዋየር/ሽቦ ኣንቴናታት ንኣተሓሕዘኦም ምችዋትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቐስቓስ እቲ ኦፕሬተር ብቐሊሉ


ሒዝዎ ንምንቅስቓስን ዘኽእል እዩ፡፡ ናይቲ ኣንቴና ኣተኻኽላን ኣዘራጋግሓን ብዝምልከት ብሓደ ዓንዲ/ፓሎ
ብምጥቓም ብቐሊሉ ብሓደ ሰብ ክትከል /ክዝርጋሕ ዝኽእል እንትኸውን ናይቲ ናይ ኣዘረጋግሓ ቅርፂ እውን
ሳሎፕ/Slop/ዝኾነ ዓይነቱ ቅርፂ ይህልዎ፡፡

ስእሊ 15፡ ሽቦ ኣንቴና

ኣብ ላዕሊ አብቲ ስእሊ ከም ዝተመልከተ ዋየር ኣንቴና ዝትከለሉ ቦታን ብራኸኡን ካብ ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ
ወይ ኣእዋምን ዝራእትን ነፃ ብዝኾነ መሬት ክትከል ኣለዎ፡፡ ብተወሳኺ እውን ንቲ ሰራሕተኛን (ኦፕሬተርን)
ኣቅሓን ጥንቃቄ እንትበሃል ግራውንድ ምግባር የድሊ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 18


ለ. ቪ-ቅርፂ ኣንቴና /V-Shape Antenna/

ኣንቴናታት ንዝንገብሮ ርክብን ኣጠቓቅማን ብዝስማዕማዕ መልክዑ ክዝርገሑ ይ ግባእ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን
ሰራዊትና ዝተዓጠቆም ዝተፈላለዩ ኣንቴናታት ክህልው ይኽእሉ እዮም፡፡ ካብዚኦም ውሽጢ ዳይፖል ኣንቴና
ይርከብዎም፡፡ እዞም ኣንቴናታት እቲ ተጠቃሚ ብዝደልዮ መንገዲ ምስቲ ቦታ ብዘለዎ ተስማዕማዒነት
ብምርአይ ዝተፈላለዩ ናይ ኣዘረጋግሓ ሜላታት ብምጥቃም ኣንቴና ምዝርጋሕ የድሊ፡፡ ብፍላይ ዳይፖል
ኣንቴናን እዝኦም ብልምዲ ዋይድ ባንድ አንቴና እንብሎም ኣንቴናታት ዝተፈላለዩ ኣዘረጋግሓ ስርዓት
/System/ ብምጥቃም ምዝርጋሕ ይካአል እዩ፡፡ ካብዞም ዝተፈላለዩ ናይ ኣንቴና ኣዘረጋግሓ ካብ እንብሎም ሓደ
ቪ-ቅርፂ ኣዘረጋግሓ እዩ፡፡

ቪ-ቅርፂ ናይ ኣንቴና ኣዘረጋግሓ ቀንዲ ጥቅሙ ናይቲ ኣንቴና ወፃኢ ሓይሊ /power out put/ ብዝተወሰነ
ኣንፈት ንክጓዓዝ ስለ ዝገብሮ ንፀላኢ ዘለዎ ተገላፂነት/ሓደጋ ዝቕነሰ እዩ፡፡ ኢንቨርትን ዝተባሃለ ናይ ኣንቴና
ኣዘረጋግሓ ሜላ ብምጥቃም ከመይ ከም ዝትከል የርኢ፡፡ አብዚ ኣዘረጋግሓ እዚ ከሆሪዞንታል ዳይፖል ኣንቴና
ብዝበለፀ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት ምርኻብ ይካኣል፡፡ ካብቲ ቦታ ኣንፃር እውን እዚ ኣዘረጋግሓ ጠቓሚ ይኸውን፡፡

ስእሊ 16፡ አዘረጋግሓ ኢንቨርትድ አንቴና

መ. ሮሆሞፒክ ኣንቴና /Rhombic Antenna/

ሮሆሞቢክ ኣንቴና ኣንፈት ካብ ዝደልዩ ኣንቴናታት ሓደ እንትኸውን ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለፅናዮ ቅልል ብዝበለ
መልክዑ ኣንቴና ምምስራት ይካአል፡፡ እዞም ኣንቴናታት ኣብ ትክክለኛ ቦታን ኣንፈትን እንድሕር ተተኺሎም
ፅቡቕ ዝኾነ ናይ ርክብ ግልጋሎት ይህቡ እዮም፡፡ ሮሆሞቢክ ኣንቴናታት እንትዝርገሑ ብኣርባዕተ ማዕዝን ወይ
ድማ ናይ ድያመንድ ምስሊ ቅርፂ ይሕዙ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 19


ስእሊ 17፡ ሮሆሞቢክ ኣንቴና

6. ትራንስምሽን ላይን (Transmistion Line)

ብሬድዮ ርክብ ግዜ ኹሉ ግዜ እቲ ሬድዮ ብቐጥታ ምስቲ ኣንቴና ንከይራኸብ ይኽእል እዚ ማለት ብቐፃሊ
ጣብያታት ንምስርቶም ሬድዮታት ኣብ መኪና ዝፅመዱ ሬድዮታት እቲ ኣንቴና ንቲ ሬድዮ ኣብ ዝተወሰነ
ርሕቐት ይምስርቱ፡፡

ትራንስሚሽን ላይን (Transmistion Line) ዘገልግልዎ ናይ ሓደ ሬድዮ ወፃኢ ሓይሊ ምስቲ ኣንቴና ንምርካብ
እዩ፡፡ ስለዝኾነ ውን ትራንስሚሽን ላይን ዝበሃሉ ናይ ኤሌክትሪክ ኢነርጂ ካብ ሓደ ነጥቢ ናብ ካሊእ ነጥቢ
ንምብፃሕ/ንምውሳድ ዝጠቕሙ አቑሑ እዮም፡፡

ትራንስሚሽን ላይን እንብሎም ኣቑሑ ብኻሊእ አገላልፃ ፊደር (Feeders) ተባሂሎም ይፅውዑ፡፡ ኩሎም
ትራንስሚሽን ላይን ዓይነታት ክልተ ጫፋት ኣለውዎም፡፡ ናይ መጨረሻ ክልተ ዋየር ትራንስሚሽን ላይን ካብቲ
ምስቲ ምንጩ ዝተተሓሓዘ (Input end) ናይ ኣታዊ መወዳእታ ወይም ናይቲ ጀነሬተር መወዳእታ ብኻሊእ
መወዳእታ ላይን ዝርከብ ድማ (out put end) ይበሃል፡፡

Input
Transmitter
End
ስእሊ 18፡ ትራንስሚሸን ላይን Trans
missio
6.1. ናይ ትራንስሚሽን ላይን ዓይነታት ኣለው
n Line
Out
ሀ. ፓራለል ላይን (Parallel Line) End
ለ. ትዊሰትድ ፐየር (Twosted pair)
ሐ. ሼልድድ ፐይር (Sheded pair)
መ. ኮክሼል ላይን (Coaxcal Line_)
ሠ. ዌቭ ጋይድ (Wave quided)

ሀ. ፓራለል ላይን (parallel Line) ፡- ፓራለል ላይን ክልተ ዓይነት እዮም፡፡


ንሳቶም እውን፡-

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 20


i. ክልተ ዋየር ክፍቲ መስመር
II. ክልተ መስመር ድፉን

ክልተ ዋየር ክፍቲ መስመር፡ እዚ ዓይነት ትራንስሚሽን ዝህቦ ኣገልግሎት ንሓይሊ መስመር ንከተማ ቴሌፎን
መስመር ሓደሓደ ግዜ ድማ ከም ትራንስሚሽን ላይን ብመሕለፊ ኣንቴና ወይ ድማ ብተቐባሊ ኣንቴና
እንጥቀመሉ፡፡
እዚ ናይ ትራንስምሽን ላይን ዓይነት ንኣጠቓቕማ ምችው እንትኸውን ደካማ ጎኑ ድማ ናይ መሕለፍ ዓቕሙ
ትሑት እዩ፡፡ ብተወሳኺ ውን ብፕላስቲክ ዘይተሸፈነ ብምዃኑ ምኽንያት ናይ ኤሌትሪክ እውክታ ናይ ምስሓብ
ክእለቱ ልዑል እዩ፡፡

ስእሊ 19፡ ክልተ ዋየር ክፍቲ መስመር

ክልተ ዋየር ድፉን (Two wire rebba) እዚ ዓይነት ትራንስሚሽን ላይን ብላስቲክ ዝተሸፈኑ እዩ፡፡ ናይዚ
ዓይነት ትራንስሚሽን ላይን መብዛሕትኡ ጊዜ እንጥቀመሉ ንቴሌቭዥን እቲ ኣንቴና ምስ ቴሌቪዥን
ንምርኻብ ዝጠቅም እዩ፡፡ እዚ ትራንስሚሽን ላይን ብመሰረቱ ካብ ክልተ ዋየር ክፍቲ መስመር (Two wire
open line) ተመሳሳሊ እዩ፡፡

ስእሊ 20፡ ክልተ ዋየር ክፍቲ መስመር

ለ. ትውስትድ ፐየር/Twisted pair /፡- ካብቲ ስሙ ከም ንምልከቶ ካብ ክልተ ኢንሱሌተር ካብ ዝኾኑ ዋየራት
ዝተሰርሐ እዩ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 21


ስእሊ 21፡ ትውስትድ ፐየር

ሐ. ሼልድድ ፐይር (Shieldedd Pair) ፡- ዝተሰርሐ ካብ ዝተፈላለዩ ፓራላል ካብ ዝኾኑ ኮንዳክተራት ኣብ


ማእኸሎም ኢንሱሌተር ብምግባር እዩ ፡፡ ዝህቦ ግልጋሎት ድማ ንፓወር ካርዲ ንመሕፀቢ ማሽን ከምኡ እውን
ንፍርጃት እዩ

ስእሊ 22፡ ሼልድድ ፐይር

መ. ኮክሼል ላይን (Coaxial Line):- ክልተ ዓይነት ናይ ኮክሼል ላይን ኣለው ንሶም እውን

1. Rigid/Air/ ኮክሼል ላይን


2. Flexoble/ ኮክሼል ላይን

ብመሰረቱ እንትረአ ናይ ክልቲኦም ክክሼል ኬብል ኣሰራርሓ ተመሳሳሊ እንትኸውን ዘለዎም ጥቅሚ ድማ
ሪጅድ (Air) ኮክሼል ላይን ካብ ናይ ራዴሽን ብኽነት ዝሓሸ እንትኸውን ካብ ዋጋ አንፃር ክባር እዩ፡፡

ስእሊ 23፡ Rigid/Air/ ኮክሼል ላይን

ፍለክሲብል/ ሶሊድ (Flexib /Solid) ኮክሻል ኬብል፡- ኣብ ውሽጡ ኮንዳክተር ዘለዎ እንትኸውን ብደገ ግን
ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ኢንሱሌተር ዝተሰርሐ እዩ፡፡ ብቐሊሉ ክተዓፃፀፍ ዝኽእል ናይ ትራንስሚሽን ላይን
ዓይነት እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መሕለፊ ሬድዮ ናብ ኣንቴና ካብ ኣንቴና ናብ ተቐባሊ ሬድዮ እናራኽሉ ናይ
ትራንስሚሽን ዓይነት እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ናይ ወታደራዊ ሬድዮታትና ዝጥቀምሎም እዚ ላይን እዚ እዮ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 22


ስእሊ 24፡ ፍለክሲብል/ ሶሊድ ኮክሻል ኬብል

ሠ. ዌቭ ጋይድ (Wave guided):- እቲ ዌቭ ጋይድድ ዝምደበሉ ከም ትራንስሚሽን ላይን ኮይኑ መብዛሕትኡ


ግዜ ዘገልግሎ ንራዳራትን ንማይክሮዌቭ ርክብ ግልጋሎት እዩ፡፡ ዌቭ ጋይድ ብሰለንደሪካል ወይም ብሬክታንጉላር
ቕርፂ መልክዕ ክስራሕ ይኽእል፡፡

ስእሊ 25፡ ዌቭ ጋይድ

6.2. ናይ ትራንስሚሽን ፀባያት (Proporter of Transmission Line)

ትራንስሚሽን ላይን (feeders) ንርክብ ከምዝጥዕም ወይ ንክምችው ተባሂሉ ብዝሕ ዝበሉ ፀባያት ንክህልዎም
የድሊ እዩ፡፡ እዚኦም ውን ንሬድዮ ማዕበል ፈነወ ወሰንቲ ካብ ዝኾኑ ነጥብታት ውሽጢ ይካተት፡፡

ትራንስሚሽን ላይን ክህልዎም ካብ ዝድለዩ ፀባያት ውሽጢ እቶም ቀንዲ ቀንዲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡፡

 ብዝተኻኣለ መጠን ብቲ ፊደር ናይ ወፃኢ ሓይሊ (power out put) ብኽነት ከይሃለወ ካብቲ ሬድዮ ወፃኢ
ሓይሊ (power out put) ናብ ቲኣንቴናን ክበፅሕ ምግባር፡፡
 እቲ ፊደር ዘለዎ /Resonance Freqecncy/ ዝስማዕማዕ ክኸውን ምግባር፡፡
 በቲ ፊደር ዝወፅኡ ጨረራት ፈነወታት/Radation/ ብዝተኻኣለ መጠን ዝቀነሰ ክኸውን ምግባር፡፡
 ብምቅባል ግዜ በቲ ኣንቴና ዝኣቱ ደካማ ሲግናል ከይባኸነ /Becouse of Loss of feeder resitance/ ናብቲ
ሬድዮ ዝበፅሕ ምግባር እዮም፡፡

ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ነጥብታት ዘረዱኡና ናይ ኣንቴና ፊደራት እቶም ፈደራት ክዳለው ከለው ክንገብሮም
ዝግባእ ቑመት ዝሰርሕሉ ማቴሪያል ዓይነትን ርጉድን ዝመሳሰሉ ነጥብታት ተወስኑ ከም እንጥቀመሉ ዓይነት
ዝዳለው እዮም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ እንጥቀመሎም ፊደራት ውሽጢ መብዛሕቲኡ ኮክሻል ኬብል ዝባሃሉ እዮም፡፡ ኮክሻል
ኬብላት ካብ ካሊእ ፊደር ዓይነት ዝሐሸ ትራንስሚሽን ላይን ወይ ድማ ንፊደርነት ይጠቅም፡፡ እዚ እውን
ሬዝስታንስ ዘባኽንዎ ሓይሊ/ፓወር/ ትሑት ምኻኑን ኣብ ልዕሊኦም ዝህልዎ ፈነወ/Radation/ ንእሽተይ
ምኻኑ ንፊደርነት ተመራፂ እዩ፡፡ ነገር ግን ብልዕሊኦም ዝበፅሕ ጉድአት ፀባዮም ንክቅይሩ ስለ ዝገብር ብጥንቃቄ
ክንጥቀመሎም ይግባእ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 23


7. መአዘዚ ጣብያ (Command Post)

7.1. ናይ ዳይ ፖልን ዋይድ ባንድ አንቴናታት ኣመሰራርታ

ብሓደ መአዚ ጣብያ ውሽጢ ብዝተፈላለዩ መርበብ (Net) ውሽጢ ዝሰርሑ ቐወምቲ ጣብያታት
እንትምስረቱ ነንባዕሎም ከይተዓፋፈኑ ኣብ እዋን ናይ ኣንቴና ኣመሰራርታ /ኣዘረጋግሓ ኣድላይ ዝኾነን እኹል
ርሕቐት ክህልዎም ይግባእ፡፡ እዚውን ከምቲ ዝስዕቡ ክፍፀም ኣለዎ፡፡

ኣንቴናታት ብተመሳሳሊ ኣንፈት/In the same plane/


ናይ ዳይፖልን ዋይድባንድ አንቴና አመሰራርታ

ብሓድ መአዘዚ ጣብያ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባት ውሸጢ ዝሰርሑ ቀወምቲ ጣብያታት ነንባዕሎም
ከይተዓፋፈኑ ኣብ አንቴና አመሰራርታ እዋን አድላዪ ዝኾነ እኹል ርሕቐት ክህልዎም ዝግባእ፡፡ እዚ ከምቲ
ዝስዕብ ክፍፀም ይግበኦ፡፡

 A ን B ን ኣብ ማእኸሎም ክህልዎም ዝግበእ ርሕቀት 50 ሜትሮ ክኸውን እለዎ፡፡

A 50 ሜትሮ

ስእሊ 26፡ ብተኸታታሊ ዝተተኸሉ ኣንቴናታት

ኣንቴናታት ማዕዶ ንማዕዶ (Parallel) እንትዝርጋሑ C ን D ን ኣብ ማእኸሎም 100 ሜትሮ ዝኸውን ርሕቐት
ክህልዎም ይግባእ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 24


C

100 ሜትሮ

D
ስእሊ 27፡ ጎኒ ንጎኒ ዝተተኸሉ ኣንቴናታት

 ኣንቴናታት ብ 900 ፍልልይ (Two Orthogonal Plane) እንትምስረቱ/እንትትከሉ/ A ን D ን ወይ ድማ


B ን C ን ኣብ መንጎኦም ክህሉ ዝግባእ ርሕቐት 100 ሜትሮ ክኸውን ኣለዎ፡፡

100 ሜትሮ

ስእሊ 28፡ ኣንቴናታት ብ 900 ፍልልይ ዝተተኸሉ ኣንቴናታት

ኣብ ላዕሊ በቢመልክዑ ከምዝተራአየ ናይቲ ኣንቴና ኣዘረጋግሓ ካብቶም ዝተቐመጡ ርሕቐታት ንላዕሊ
ምጥቃም ዝካአል እንተኾኑ ፅቡቕ እዩ፡፡ ካብቲ ዝተቀመጠ /ዝተገለፀ ርሕቐት ንታሕቲ ኣንቴናታት
ምፅግጋዕ ነንባዕሎም ንክትዓፋፈኑ ስለዝገብሮም ንርክብ ኣፀጋሚ ኩነታት ይፈጥሩ እዮም፡፡

7.2. ኣብ ኣንቴና ዙርያ ዘጋጥሙ ፀገማት

ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ብዝዓባ ሬድዮ ማዕበልን ብዝዓባ ናይ ኣንቴና ዓይነታትን ፀባይን ናይ ኣፈናንዋ ኣንፈት
ንፍሪኮንሲ ብዝዓባ ዘለዎም ፀባያት ተገሊፆም እዮም፡፡ እዚውን ሕድሕድ ኣንቴና ካብ ዝተገለፁ ነጥብታት
ኣንፃር ናይ ባዕሉ ዝኾነ ባህርን ኣሰራርሓን ከምዘለዎ የረድኣና፡፡

ኣንቴና ንሬድዮ ርክብ ብጣዕሚ ወሳኒ ካብምኻኑ ኣንፃር ናይ ኣንቴና ኣጠቓቕማና ኣብ ርክብ ክንደይ ዝኣክል
ተፅዕኖ ከምዘለዎ ብምርዳእ ኣንቴና ክንመርፅ ከለናን ክንምስርት ከለናን ከከም ፀባዮም ዘይድልዩ ነገራት
ምውጋድ ኣድላይ እዩ፡፡

ዝኾነ ኦፕሬተር ብፍላይ ኣብ /HF/ ሬድዮ ከባቢ ዘለው ናይ ኣንቴና ዓይነታት ኣዘረጋግሓን ኣጠቓቕማን ክፈልጥ
ኣለዎ፡፡ ፈሊጡ እውን ብትኽክል ክሰርሕ ይግባእ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 25


7.3. ክግበሩ ዘለዎም ጥንቃቐታት

ሀ. ዌፕ ኣንቴና

 ዊፕ ኣንቴና ቁመት ¼ ናይ ማዕበል ንውሓት እዩ፡፡ ነገር ግን ኣብ ተግባር ምዝርጋሕ ነቲ ኣንቴና ሙሉእ
ብሙሉእ ከይዘርገሑ ½ ወይም ፍርቂ ኣካሉ ከይዘርገሑ ወይም ብምዕፃፍ ንምርኻብ ክሙከር የቡሉን፡፡
 ኣብ ሰጣሕ/ገለፃ ቦታ ኮይንካ ምስራሕ እምበር ኣብ ትሕቲ ጎቦ ወይም ኣብ ውሽጢ ኣእዋም ኮይንካ
ዘይምስራሕ፡፡
 ንርክብ ኣብ ዝምችው ምስራሕ እምበር ንኦፕሬተር ኣብ ዝምችው ምስራሕ ክህሉ የብሉን፡፡

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ነጥብታትንነዊሕ ርሕቐት ንርክብ ብጣዕሚ ዝቅንሱ ነጥብታት እዮም፡፡

ለ.ዋየር ኣንቴና

 እቲ ዝድለ ናይ ኣዘረጋግሓ መምርሒ ተጠቒምካ ምዝርጋሕ፡፡


 እቲ ዝድለ ናይ ኣንቴና ቁመት በቲ ዝሰርሐሉ ፍሪኮንሲ መሰረት ክስተኻኸል ይግባእ፡፡
 ናይ ርክብ ኣንፈት ኣብ ግምት ውሽጢ ክኣቱ ኣለዎ፡፡
 ናይ ዋየር ኣንቴና ጥዕና ክሕሎ ኣለዎ፡፡

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ነጥብታት ተደላዪ ናይ ርክብ ርሕቐት ንክሽፊኑ ካብ ምግባሮም ንላዕሊ ምስ
ጣብያታት ዝግበር ርክብ ጠንካራ ንክኸውን ይገብሩ፡፡

ሐ. ዳይፖል ኣንቴና

 ካብ መሬት ንላዕሊ እቲ ዝድለ ብራኸ ምጥቓም፡፡


 ናይ ርክብ ኣንፈት ኣብ ግምት ውሽጢ ምእታው፡፡
 በቲ ዝድለ ፍሪኮንሲ መሰረት ናይ ኣንቴና ንውሓቶም ምስትኽኻል፡፡

መ. ዋይድ ባንድ ኣንቴና

 ናይ ርክብ ኣንፈት ምሕላው፡፡


 ንፊደራት ጥንቃቐ ምግባርን ንፊደራት ዝህልዎ ግምት ዓብይ ክኸውን ኣለዎ፡፡

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ነጥብታት

 ናይ ርክብ ርሕቐት ብዝበለፀ ይውስኹ


 ምስ ጣብያታት ዝግበር ርክብ ፅቡቕ ክኾኑ ይገብሩ፡፡

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 26


 ምስ ኣንቴና ዝተተሓዙ ኩነታት ንርክብ ዝኸውን ቦታ እንትንምረፅ ናይቲ ቦታ ኣመቺነት/ተስማዕማዒነት
ብዙሕ ግዜ ኣብ ግምት ውሽጢ ይኣቱ፡፡
 ሬድዮታት ብፍላይ TRC3500 ናብ መርበብ/ዝኣትወሉ ኩነታት ክፍጠር ይገብሩ፡፡

8. መጠቓለሊ

ንወታደራዊ አገልግሎት ንጥቀመሎም አንቴናታት ብዓይነቶምን ብባህሪኦምን ዝተፈላለዩ እንትኾኑ ኣብ ናይ


ሬድዮ ማዕበል አፈናንዎኦም እውን ዝተፈላለዩ እዮም፡፡ ንናይ ወታደራዊ አገልግሎት ዝውዕሉ አንቴናታት ምስ
ናይ ሲቭል አገልግሎት ዝውዕሉ አንቴናታ ብትሕስተኦምን ምስ ናይ አንቴና ጌይኖመ እንትነፃፀሩ ዝተፈለዩ
እዮም፡፡ ብተወሳኺ ንወታደራዊ አገልግሎት ዝውዕሉ አንቴናታት ናይ ሬድዮ ማዕበል ኣብ ምቕባልን ምሕላፍን
ዘሐሹ እዮም፡፡
ብኣጠቓለሊ ኣብ ሰላም ይኹን ኣብ ውግእ እዋን ኮማንድ እቲ ዝድለ ኣመራርሓን ቁፅፅርን ንምግባር ካብ ላዕሊ
ንታሕቲ ከምኡ ውን ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ምምርሕታትን መደባትን ንምውራድ ካብ ታሕቲ ዝላዓሉ
ማሕበራውን ምምሕዳራውን ጉዳያት ቁልጡፍ መልሲ ንምሃብ ናይ ርክብ ምትእስሳር አማራፂ ዘይበግሉ
ጉዳይ እዩ፡፡ ስለዚ በቢ ደረጅኡ ዘሎ ናይ ምልክት ሰራሕተኛ ሓላፍነቱን ተጠያቕነቱን ተረዲኡን ፈሊጡን ናይ
ርክብ መረብ/ስርዓት ምምስራት ናይ ግድን ይኸውን፡፡


8.1. መልመዲ

1. ኣንቴና ማለት እንታይ ማለት እዩ? ክንደይ ዓይነት ወታደራዊ አንቴናታት አለው ዘርዝሮም/ሪ ?
2. ናይ አንቴና ባሕሪያት ዝባሉ አንታይ እንታይ እዮም ግለፀ/ፂ ?
3. ፀቢብ ባንድን ሰፊሕ ባንድን ኣንቴና ዝባሃሉ ናይ ኣንቴና ዓይነታት ብምዝርዛር ዘለዎም ኣፈላላይ ግለፀ/ፂ ?
4. ትራንስምሽን ላይን ማላት እንታይ ማለት እንታይ ማለት እዩ ንምንታይ የገልግሉ ?
5. ናይ ሬድዮ ማዕበል መፈነወ እንታይ ማለት እዩ ?
6. ናይ ሬድዮ ማዕበል ኣፈናንዋ ብልሓታት ዝባሃሉ ክንደይ እዮም ኣፈላላዮም ግለፅ ?
7. ብግራውንድ ዌቭ ወይ ብስካይ ዌቭ ምኽንያት ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነዎ ዘይበፅሐሉ ክልል እንታይ ተባሂሉ
ይፅዋዕ ?
8. ኣብ ከባቢ ኣየር ውሸጢ ዝርከቡ ናይ ከባቢ ኣየር ክፍልታት ምስ ናይ ራድዮ ማዕበል ዝምድና ዘለዎም
ሰለስተ ክፍልታት ዘርዝር/ሪ ?
9. እንሰርሐሉ ፍሪኩዌንሲ 30 ሜጋ ሄርዝ እንተኾይኑ ናይ ሬድዮ ማዕበል ፈነወ ንውሓ (wave length) ክንደይ
እዩ ስራሕ/ሒ ?
10. ናይ ሬድዮ ማዕበል ንውሓቱ 20 ሜትሮ ዝኾነ ሬድዮ ማዕበል እንሰርሐሉ ፍሪኩዌንሲ ክንደይ ይኸውን
ስራሕ/ሒ ?

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 27


9. መጣቐሲ መፅሐሓፍ
 ለጀማሪ የመገናኛ ኦፕሬተርነት ሙያተኛ ሰልጣኞች የተዘጋጀ የኣማርኛ ቅጂ ህዳር 2011 ዓ.ም መቐለ
ኢትዮጵያ

ናይ ኣንቴናን ራድዮ ማዕበል ፈነወን ትምህርቲ Page 28

You might also like