Professional Documents
Culture Documents
Letter School
Letter School
ዕለት፡_____________
ናብ ኣካዳሚ
መቐለ፤
ከም ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ናይ ጥፍኣት ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተኻይዱ ኣብ ህዝብና ማእለያ
ዘይብሉ ብርሰትን ጥፍኣትን ኣስዒቡ እዩ፤ ብፍላይ ብምኽንያት ኮረናን ስዒቡ ዝተወለዐ ኲናትን ህፃናትን መናእሰይን
ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቆም ክፀንሑ ስለዘገደደ ኣብ ስነ ልቦነኦም ኣሉታዊ ፅልዋ ከም ዘሕደረን ኣድላይ ናብ ዘየድሊ
ወልፍን ዘይሕጋዊ ስደትን ፍልሰትን ከምዘሳጠሐ ይፍለጥ። ስነ ልቦና ተምሃሮ ኣብ ምሕዋይን ካብ ዝኣተውዋ ቱራማ
(traum )ክወፁ ምግባርን ድማ ናይ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ሓላፍነት እዩ። እዚ ኣብ
ግምት ብምእታው ብዂናት ስነልቦነኦም ዝተሃሰዩ ህፃናትን መናእሰይን ኣብ ምሕዋይ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ክህልዎ
ይኽእል እዩ ዝበልናዮ መደብ ኣዳሊና ኣለና። እቲ ምድላው”ካርኒቫል ልደት ንህፃናትን መናእሰይን” ዝብል ኾይኑ ካብ
ዕለት 26-27/04/2016 ዓ/ም ዝካየድ እዩ። ትሕዝቶ እቲ መደብ ድማ ፦
v
ዝተፈላለይ ስፖርታዊ ምርኢታትን ፀዋታታትን
ንህፃናት ዝምጥኑ ዝተፈላለዩ መፃወቲታት
ንህፃናትን መናእስይን ዝምጥን ሲኒማ
ባህላውን ዘመናውን ሙዚቃን ተልሂታትን
ዝተፈላለይ ልስሉስ መስተን ፋስት ፉዱን
ናይ ፈረስን ግመልን ግልብያ
ምርኢት ሰርከስ
ፀዋታ ኣባ ገና ምስ ህፃናትን …. ካልኦትን እዮም።
ናይዚ “ከርኒቫል ልደት ህፃናትን መናእሰይን “ ቀንዲ ዕላማ
1. ካብ ብረትን ብረት ተንከፍ ፀዋታ ወፂኦም ንዕድምኦም ብዝምጥን ፀዋታታት ምዝንጋዕ(ባምቡላ ፣ስፖርት፣
ሙዚቃን)፤
2. ዝተፈላለዩ ስፖርታውን ሙዚቃውን ምንቅስቃስ ብምግባር ኣካላውን ኣእምሮውን ሕውየት ምፍጣር፤
3. ናይ ዝተፈላለዩ ተምሃሮን ህፃናትን መናእሰይን ምህዞታት ብምርኣይ መሃዛይነት ምልዕዓልን ምትብባዕን፤
ስለዝኾነ ነዚ ሰናይ ዕላማ ዝሓዘለ ምርኢት ዕውት ክኽውን ናይ ኣብያተ ትምህርትታት ልዑል ምትሕብባርን ደገፍን
ስለዘድልዮ በዚ መሰረት ቤት ትምህርትኹም ዕላማ እቲ ከርኒቫል ንምፍላጥ መድረኽ ኣብ ምምችቻውን ምልክታ ክንልጥፍ
ል. በ፦
እቲ ከትርኒቫል ዝሳለጠሉ ቦታ ፡ ማእኸል መዘናግዒ መናእሰይ (MYC) ቀበሌ 17 ከባቢ ኣክሱም ሆቴል.
ዕለት፡ ታሕሳስ 26-27 ካብ ሰዓት 9:00-2:00 ኮይኑ መእተዊ፡ 200 ብር
ኣብቲ ከርኒቫል ዝሳለጠሉ ግቢ ኣልኮላዊ መስተ ፣ ሱስ ዝሓዙ ዝተፈላለዩ ነገርራት ንወለዲ ይኹን ንኻልእ ሰብ
ኣይቀርብን ምጥቃም ይኹን ተጠቂምካ ምእታው ኣይፍቀድን።
ንኣእምሮን ስነ ልቦና ህፃናት ዝጎድእ ዝኾነ ይኹን ምርኢት ፣ተግባር ኣይፍቀድን።
/ምስ ሰላምታ/