Download as docx, pdf, or txt
Download as docx, pdf, or txt
You are on page 1of 2

ቑፅሪ፡_____________

ዕለት፡_____________

ናብ ኣካዳሚ

መቐለ፤

ዋኒኑ፦ ትሕብብር ምሕታት ይምልከት፤

ከም ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ናይ ጥፍኣት ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተኻይዱ ኣብ ህዝብና ማእለያ
ዘይብሉ ብርሰትን ጥፍኣትን ኣስዒቡ እዩ፤ ብፍላይ ብምኽንያት ኮረናን ስዒቡ ዝተወለዐ ኲናትን ህፃናትን መናእሰይን
ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቆም ክፀንሑ ስለዘገደደ ኣብ ስነ ልቦነኦም ኣሉታዊ ፅልዋ ከም ዘሕደረን ኣድላይ ናብ ዘየድሊ
ወልፍን ዘይሕጋዊ ስደትን ፍልሰትን ከምዘሳጠሐ ይፍለጥ። ስነ ልቦና ተምሃሮ ኣብ ምሕዋይን ካብ ዝኣተውዋ ቱራማ
(traum )ክወፁ ምግባርን ድማ ናይ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ሓላፍነት እዩ። እዚ ኣብ
ግምት ብምእታው ብዂናት ስነልቦነኦም ዝተሃሰዩ ህፃናትን መናእሰይን ኣብ ምሕዋይ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ክህልዎ
ይኽእል እዩ ዝበልናዮ መደብ ኣዳሊና ኣለና። እቲ ምድላው”ካርኒቫል ልደት ንህፃናትን መናእሰይን” ዝብል ኾይኑ ካብ
ዕለት 26-27/04/2016 ዓ/ም ዝካየድ እዩ። ትሕዝቶ እቲ መደብ ድማ ፦
v
 ዝተፈላለይ ስፖርታዊ ምርኢታትን ፀዋታታትን
 ንህፃናት ዝምጥኑ ዝተፈላለዩ መፃወቲታት
 ንህፃናትን መናእስይን ዝምጥን ሲኒማ
 ባህላውን ዘመናውን ሙዚቃን ተልሂታትን
 ዝተፈላለይ ልስሉስ መስተን ፋስት ፉዱን
 ናይ ፈረስን ግመልን ግልብያ
 ምርኢት ሰርከስ
 ፀዋታ ኣባ ገና ምስ ህፃናትን …. ካልኦትን እዮም።
ናይዚ “ከርኒቫል ልደት ህፃናትን መናእሰይን “ ቀንዲ ዕላማ
1. ካብ ብረትን ብረት ተንከፍ ፀዋታ ወፂኦም ንዕድምኦም ብዝምጥን ፀዋታታት ምዝንጋዕ(ባምቡላ ፣ስፖርት፣
ሙዚቃን)፤
2. ዝተፈላለዩ ስፖርታውን ሙዚቃውን ምንቅስቃስ ብምግባር ኣካላውን ኣእምሮውን ሕውየት ምፍጣር፤
3. ናይ ዝተፈላለዩ ተምሃሮን ህፃናትን መናእሰይን ምህዞታት ብምርኣይ መሃዛይነት ምልዕዓልን ምትብባዕን፤
ስለዝኾነ ነዚ ሰናይ ዕላማ ዝሓዘለ ምርኢት ዕውት ክኽውን ናይ ኣብያተ ትምህርትታት ልዑል ምትሕብባርን ደገፍን
ስለዘድልዮ በዚ መሰረት ቤት ትምህርትኹም ዕላማ እቲ ከርኒቫል ንምፍላጥ መድረኽ ኣብ ምምችቻውን ምልክታ ክንልጥፍ

Jabethdegefu@gmail.com +251- 975557992 we believe in details. Mekelle -Ethiopia Tigray


+251- 912692219
ኣብ ምፍቃድን መእተዊ ትኬት ንምሻጥ ኣድላይ ትሕብብር ክግበረልና እናሓተትና ብኣና ወገን ብትምህርቶምን
ስነምግባሮምን ዝመረጽኽምዎም ብሉፃት ንተምሃሮ ነፃ ናይ መእተዊ ትኬት ምሃብን ንምህዞታት ወይ ፍሉይ ክእለት ተምሃሮ
ቦታ ከም ነዳሉ እንዳሓበርና ንዝግበረልና ምትሕብባር ኣቐዲምና ነመስግን።

ል. በ፦
እቲ ከትርኒቫል ዝሳለጠሉ ቦታ ፡ ማእኸል መዘናግዒ መናእሰይ (MYC) ቀበሌ 17 ከባቢ ኣክሱም ሆቴል.
ዕለት፡ ታሕሳስ 26-27 ካብ ሰዓት 9:00-2:00 ኮይኑ መእተዊ፡ 200 ብር
ኣብቲ ከርኒቫል ዝሳለጠሉ ግቢ ኣልኮላዊ መስተ ፣ ሱስ ዝሓዙ ዝተፈላለዩ ነገርራት ንወለዲ ይኹን ንኻልእ ሰብ
ኣይቀርብን ምጥቃም ይኹን ተጠቂምካ ምእታው ኣይፍቀድን።
ንኣእምሮን ስነ ልቦና ህፃናት ዝጎድእ ዝኾነ ይኹን ምርኢት ፣ተግባር ኣይፍቀድን።

/ምስ ሰላምታ/

ያቤፅ ተስፋሁነኝ ሃ/ማርያም


ስራሕ መካየዲ
v

Jabethdegefu@gmail.com +251- 975557992 we believe in details. Mekelle -Ethiopia Tigray


+251- 912692219

You might also like