Doc 1

You might also like

Download as docx, pdf, or txt
Download as docx, pdf, or txt
You are on page 1of 10

ከይዲ ምዕባለ ሰነ ፅሑፍ ቋንቋ ትግርኛ

/ቅድምን ድሕረን 1993 ዓም ፈ/


ዕዮ ውልቀ

ብሃይለኪሮስ ካሕሳይ

መእተዊ

ስነ ፅሑፍ ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽ ንንውሕ ዝበሉ ዘመናት ዝፀነሐ ኪነ ጥበብ ብምኻኑ ብዙሓት


ዝተንሸራሸረሉ ምክኽርን ምርምርን ዝተገበረሉ ዓውዲ ምኻኑ ይንገረሉ፡፡ ስነ ፅሑፍ ከይዲ ኣፈጣጥርኡ ፣ ኣብ
ውሸጡ ዘካትቶም ነገራት፣ ኣብ ደቂ ሰባት ዘሕደሮ ፅልዋ መሰረት ዝገበሩ ትሕዝቶታቱ ብምድህሳስ ብዙሓት
ተመራመርቲ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን ታሪኸን፣ ካልኦት ፈላስፋታትን ሓዊሱ ምስ ናይ ባዕሎም ፈጠራታት
እናተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ትርጉም ክህብዎ ፈቲኖም እዮም፡፡በዚ መሰረት ድማ ኪነ ጥበብ በዓል ቡዙሕ ዘርፊ ፣
ምስ በዙሓት ናይ ፍልጠት ማዕኸናት ዝተሓሓዝን ዝተኣሳሰርን ኾይኑ ዘሎ፡፡ ቐንዲ መበገሲ ስነ ፅሑፍ ድማ
ወዲ ሰብ አዩ፣ ፍልፍሉ፣ ፈጣሪኡን ተቐባሊኡን ወዲሰብ እዩ፡፡ ካብ ወዲ ሰብ ህይወት ተቐዲሑ ተፈጠሮ
ወዲሰብ ብሰብ ተነጊሩ ናይ ሰብ ጉዳይ ሒዙ ተመሊሱ ናብ ሰብ ሰለ ዝቐርብ ብምኻኑ ምስ ወዲ ሰብ ዝጠበቐ
ርክብ ኣለዎ ብምባል ይገልፅዎ፡፡ ዘሪሁን ኣስፋው /የስነፅሑፍ መሰረታዊያን ኣዲስ ኣበባ 2፣ 2000 ዓ.ም/

እዚ ድማ ኣብ ውሸጢ ማሕበረሰብ ፍሉይ ቦታ ከህልዎ ስለ ዝገብር መነጋገሪ ይኸውን፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ


ሓደሸቲ መልከዓትን ተወሰኽቲ ትርጉማትን እናሓዘ ስለ ዝኸይድ ድማ ንስነ ፅሑፍ ዝወሃብ ትርጉም ኣብ
ዝተፈላለዩ ሰባት ክፈላለይ ይገብሮ፡፡ ስለዚ ስነ ፅሑፍ ናይ ደቂ ሰባት ተጋንፎታት፣ መልከዓት ብኣጠቓላሊ
መገለፂ ባሀላዊ፣ ማሕበራዊ ናብራ፣ ኢኮኖምን ፖሊቲካውን ሓደ ማሕበረሰብ ዝነፀባረቐሉ ሰፊሕ ዓውዲ አዩ፡፡

1 መበቆል ቋንቋ ትግርኛን ከይዲ ምዕባለ ስነ ፅሑፍን


ቅድሚ ከይዲ ምዕባለ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ምርኣይና ብዛዕባ መበቆል እቲ ቋንቋ እንታይ ከም ዝመስል መሰረት
ገይሮም ዝተዳለው ፅሑፋት ከቕርብ፡፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ቋንቋታት ሴማውያን ቋንቋታት ዓረብኛን
እብራይስጥን እየን፡፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍርካ ድማ ብዘይካ ሱዳናዊያን ካልኦት ከም ዘየለው ዝተፈላለዩ ፅሑፋት
የርድኡ ፡፡

ካብዚ እንርደኦ ቁምነገር ድማ ቋንቋ ኢብራይስጥ ንሱዳናዊያን ከም መኽፈቲ ኣፍ ቋንቋ ኽኸወን ኸሎ እቶም
ካብዚ ወፃኢ ኣብ ኢትዮጽያ ይኹን ኣብ ኤርትራ ዘለው ተዛረብቲ ድማ ብትምህርቲ ኣቢሎም ዝረኸብዎ ከም
ዝኾነ እዩ፡፡

ኣብዚ ከም ኣገላልፃ ገለ ፀሓፍቲ እቲ ቋንቋ ፈሊሱ ከም ዝመፀ እዮም ዝገልፁ፣ ይኹን እምበር እተን ፈሊሰን
መፂአን ዝብሃላ ቋንቋታት ክንደይ ነይረን፣ ብመሰረቱ ኸ ሓንቲ ቋንቋ ድያ መፂኣ ፣ እታ ዝመፀት ቋንቋ ኸ
ብኸመይ መንገዲ ናብ ግእዝ፣ ትግረ፣ ትግርኛን ኣምሓርኛን ተለወጠት ንዝብላ ሕቶታት ዝምልስ እኹል
መፅናዕቲ እውን የለን፡፡ እተን ኣብ ኢትዮጽያ ዝዝረባ ሴማውያን ቋንቋታት መሰረታዊ ናተን ዝኾነ ዝምድና
ዝሓዘ እምበር ቃላት ተለቂሐን ምስ ነባር ቋንቋ ዝተዳቐላን ዝተለወጣን ኣይኮናን፡፡ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ካብ
ካልኦት ሃገራት ዝበዝሑ ሴማውያን ቋንቋታት ድማ ይርከባ፡፡ ይኹን እምበር ግን ባዕለን ዝኸኣላ እየን፡፡ እተን
ዓሌታት ሴማዊ ቋንቋ ምኻነን ዝፍለጣ ድማ ትግረ፣ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ጉራጊኛ፣ሓሪሪን ኣርጉብኛን
እንትኾና ተዛረብቲ ኣርጉበኛ ዳርጋ የለወን ምባል ይከኣል፡፡ እዘን ቋንቋታት እዚአን ድማ ምስ ዓረበኛን
ኢበራትስጥን ኣዝዮም ዝተቐራረቡ ምኻኖም እኹል መፅናዕታት ከም ዘለው እቶም ዝተፈላለዩ ፅሑፋት
ይሕብሩ፡፡

ኣብዚ ናይቶም ቋንቋታት ምቅርራብ ከም ጥሉል መረድኢ ዝወሰድ መሰረታዊ ትሕዝቶን ሰዋስውን እዩ፡፡እዚ
ድማ እዩ ናይ ሓደ ቤተሰብ ዝገብረን፣

ሓደ ሽሙ ዘይተፈለጠ ደራሲ ብትግርኛ ፅሒፉ ኣብ ዝገደፎ መፅሓፍ ታሪኽ ኢትዮጽያ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡፡

... ብዛዕባ ዓሌት ሓበሻን ስምን፣ ኤደኣርዶ ግላዘር ዝበሃል ሊቅ ብዙሕ ነገር ተናጊሩ ኣሎ፡፡እንተኾነ ንኢትዮጽያ
ጠላሕ ክብሎ ኣይከኣለን፡፡ እዚ ሊቅ እዙይ እንካብ ኣብ ዓዲ ዓረብ ሓበሻ ዝብል ናይ ቀዳሞት ፅሕፈት ረኺበያ
እሞ ብዛዕባ እዚ ዝተናገሮ እንድሕር ተናጊረ እዞም ናይ ሕዚ ጦቢያታት እንካብ ማህራ እታ ኣብ ማእኸል ሕድሪ
ሞትን የመንን ዘላ ሃገር ዝመፅኡ እዮም፡፡ሰብ ጥንቲ ሰብ ምድሪ ኣይኾኑን ይብል፡፡ ግእዝ ማለት ድማ
ሰደተኛታት ግኡዛት ማለት እዩ፡፡ እሞ በዚ ወፃኢተኛታት ምኻኖም ይፍለጥ በለ፡፡ እንተ እቲ ካልእ ባዕሉ
ይፈልጥ ኣይንነቅፍን ኣይንእድን እቱ ግእዝ ማለት ስደተኛታት ማለት እዩ ማለቱ ጌጋ እዩ፡፡ ሐበሬታ ግእዝስ
በዓል ሓራ መዠመሪያ ማለት እዩ፡፡ ኣብ መንጎ ገዓዘን፣ ጉዓዘን፣ ግዓዘን ዘሎ ምፈልላይ የድሊ፡፡እንተ
ኢትዮጽያውያን ኣግባፅን ናባያውያንን ከትርፍ ነቶም ኣፍሪቃውያን ኩሎም ባርያ እዮም ዝሰምይዎም፡፡
ምእንቲ እዙይ ምፍላይ ነታ ቋንቋኣቶም ግእዝ በልዎ፡፡ነታ ሃገራቶም ድማ በሄረ ኣገኣዚ በሉዋ ዓዲ በዓል ሓራ
ማለት አዩ ይብል፡፡

ኣብዚ ደማ ታሪኽ ኣዕራብ ዋላ አኻ ጉሁድ እንተዘይኾነ እቶም ኢትዮጽያውያን ንበሪ ዓረብ እነዳተሳገሩ
ኣባይትን ሕረሻን ይገብሩ ከም ዝነበሩ የርኢ እምበር ካብ ዓረብ ንሳባ ማለት ንኢትዮጽያ ከም ዘተሳገሩ
ኣየረእን፡፡እንተ ሳባዊያን ግና ሳባ እነካብ ዝበሃል ሃገር ንየመን ከም ዝኣተው ብሓደ እውን ኣምልኸኦም ከም
ዝአተው ናግራ ትበሃል ከተማ እውን ከም ዝሰርሑ ይናገር እዩ፡፡

ዘመናዊ ሊቅ ተመራማሪ ማርቲን በርናል ዘተብሃለ ብላክ ኣቴና ኣብ ዝብል መፅሓፍ ከም ዝበሎ፣

... መበቆል ስልጣነ ዓለም ኣፍሪቃ ምኻና ይገልፅ እሞ፣ ብ 1983 ዓምፈ ካሚድ ኢልሎዝ ኣብ ዝተብሃለ ኣብ
ሸለቆ ዝረከብ ቦታ ብዝተረኸበ ሓዲሽ መረደኢ ብምብጋስ ዝተረኸበ ፅሑፍ በደቡብ ሴማዊ ፈዴል ኾይኑ ኣብ
መበል 14 ሚኢቲ ዓመት ማለት ቅደሚ ልደተክርስቶስ ምኻኑ የረጋግፅ፡፡

ነዚ መረዳእታ ዘረጋግፅ ድማ ናይ ደቡብ ሴማዊ ፅሑፍ እንታይ ከም ዝመስል ክሳብ ሎሚ ዘሎ ህያው ኣብነት
እውን ናይ ኢትዮጽያ ፊዴል ኮይኑ ኣብ ዓረብን ሶርያን ምደረ በዳ ብዙሕ ይረአ፡፡ (Bernal p 431)

ብተወሳኺ ጥንታዊ ሴማቲክ እነታይ የመሰል ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ካብ ንዓረብ ንናይ ኢትዮጽያ ሴማዊ ቋንቋ
መሰረት ጌርካ ምብጋስ ይበልፅ፡፡

ብፍላይ ድማ ጥንታዊያን ቃላት ኣብ ምድሪ ኢትዮጽያ እምበር ኣብ ምድሪ ዓረብ ስለ ዘይርከቡ በዚ ናይ ቋንቋ
መረድኢ ተደሪኽካ ሴማውያን ቋንቋ ካብ ቃርኒ ኣፍሪቃ ፈሊሶም ናብ ምድሪ ዓረብ ከም ዝኸዱ ብዙሕ ዘካትዕ
ኣይኮነን ዝብል ተወሳኺ ሪኢትኡ የቕምጥ፡፡

ስለዚ ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለዩ ሪኢቶታት ፀሓፍቲ እኻ እንተሃለው ፈሊሶም ከም ዝመፁ መረጋገፂ መረዳእታ
ሰለዘየለው መበቆሎም ኣብ ኢትዮጽያን ኤርትራን ከም ዝኾነ ምርዳእ ይከኣል አዩ፡፡

ቋንቋ ትግርኛ ቅድም ክብል ተጋደልቲ ናፃ ኣብ ዘውፅእወን ወረደታትን ዞባታትን መሳርሒ ውድብ ህወሓት
ኮይኑ ምፅንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ ብብርኪ ክልል ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ግና መንግስቲ ትግራይ ብዕሊ ምስተጀመረ
ምኻኑ ድማ ዝፈለጥ እዩ፡፡ በቲ በለ በቲ ኣመፃፅኣ ቋንቋ ትግርኛ ዋላ ከምቲ ዝድለ ዕብየት አየምፅእ ድሕሪ
በዙሓት ብድሆታት ምሕላፍ ናብዚ ሕዚ በፅሕዎ ዘሎ ብርኪ ንምብፃእ ኺኢሉ እዩ፡፡

1 .2. ምዕባለ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ቅድሚ 1993 ዓምፈ


ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ስነ ፅሑፍ ክሰፍር ዝጀመረሉ እዋን ንምፍላጥ ኣፀጋሚ እዩ፡፡ይኹን እምበር ከም ኣገላልፃ
ዝተፈላለዩ ቐደሞት ፅሑፋት ቅድሚ 2 ሽሕ ኣቢሉ ኣኽሱም ማዕቢላትሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝጥቀምዎ ዝነበሩ
ፊዴል ግእዝ ምንባሩ ይግልፁ፡፡ /ኣብራሃም ነጋሸ /
Lan franco,ricci ዝተብሃለ ኢጣልያዊ ደራሲ literature dell Ethiopia ኣብ ዝብል ፅሑፉ ከም ቋንቋ መጠን
ህልውንኡ ዝረኣየ ኣብ 13 ክፈለ ዘበን ምዃኑ ይገልፅ፡፡

calo, conti rosini ዝተብሃለ ጣልያናዊ ናይ ታሪክ ተማራማሪ ኤለ ዳ ሊዮኒሳ grammatical analitica dalla
lingua tigray ኣብ ዝብል መፅሓፍ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ 13 ክፍለ ዘበን ጀሚሩ ናይ ስነ ፅሑፍ ቋንቋ ከም ዝነበረ
ይገልፅ፡፡እቶም ዝፀሓፉ ዝነበሩ ፅሑፋት ድማ ብውሑዳት ቅዱሳት ተባሂሎም ዝእመነሎም ሰባት ብኢድ
ይፀሓፉ ከም ዝነበሩ ይገልፅ፣፣

ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ስነ ፅሑፍ ዝነበሮም ምንቅስቃስ ዝሕብሩ ከም ሕጊ እንዳባ፣ ሕጊ ሎጎ ሰርዳ፣ ስርዓት ሕጊ


ኣካለ ጉዛይን ዓናይን ለሻይን ወይ ምዓም መሓዛ ዝብሃሉ ሕግታት ምንባሮም ይፍለጥ፣፣

ብኣንፃሩ ድማ carle conti Rossini ኣብ lingua tigrgna ኣብ ዝብል መፅሓፍ ዝዝረብ ቋንቋ ደኣምበር
ጥንታዊ ስነ ፅሑፍ ዘይብሉ ቋንቋ እዩ ፡፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ቋንቋ ግአዝ ብምህላው ትግርኛ ኣብ
ምምዕባል ናይ ባዕሉ ፅልዋ ፈጢርሉ ፀኒሑ እዩ፣፣ ኣብዚ ድማ ሓደ ምርዳእ ዘድልዮ ቁምነገር እንተሃለወ
ኩነታት ዕብየት ሓደ ቋንቋ ንምዕባለ ናይቲ ቋንቋ ስነ ፅሑፍ ድማ ወሳኒ እዩ፡፡

ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ከም ዘለዎም ይገለፁ፡፡

ኮንቲ ሮሲ ዝተብሃሉ ጣልያናዊ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ከም ዝገልፅዎ

ቋንቋ ትግርኛ ካብ መዛረቢ ቋንቋ ሓሊፉ ንስነ ፅሑፍ ዘበቅዐ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ከም ዝኾነ
ይግለፅ፡፡

ኣብ ኤርትራ ለጎ ጭዋ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብ 1484 ዓምፈ ብዘመነ ሃፄ እስክንድር ኣብ ስራሕ ዊዒሉ ዝበሃል ስሪት
ወይ ሕጊ እውን ብትግርኛ ዝተዳለወ ከም ዝነበረ ኣብ ፅሑፎም ኣስፊሮምዎ ይርከቡ፡፡ (ኣብረሃም
ገብረህይወት)

ኣብ ታሪክ ከም ዝፈለጥ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ዝርከቡ ኣድባራት መስጊዳት ኣብ ኣኽሱም ፅዮን፣ የሓ፣ቢዘን፣
ዳሞ፣ እንዳማርያም ጕንዲ፣ ኣሕመድ ነጋሽ ብግእዝ ወይ በዓረብኛ ዝተፅሓፈ ሃይማኖታዊ ብራናታትን
ድጋታትን እንተዘይኾይኑ ብትግርኛ ዝተፅሓፉ ሰነዳት ይሃልዎም ኣይሃልይዎም ዝፍለጥ ነገር የለን፡፡ ኣብ
ገሊኦም ኣድባራት ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዘተዳለው ናይ ትግርኛ ፅሑፋት ክህልዎም እንተኻኣለ እኻ
ተመራመርቲ ኣፅኒዖም ዘቕረብዎ ናይ ትግርኛ ፅሑፍ የለን፡፡

ካብ መበል 14 ክፈለ ዘመን ጀሚሩ ብፍላይ ካብ ዘበነ ሃፄ ዓመደ ፅዮን (1307‐1337 ዓምፈ ) ናይ ግእዝ ሰነ
ፅሑፍ ዕብየት ዝተረኣየሉ እዋን ነይሩ፡፡ ብፍላይ ስራሕቲ ትርጉም ብሰፊሑ ዘተኻየደ በዚ ግዜ እዙይ ከም
ዝነበረ ተመራመርቲ ታሪኽ ይሕብሩ፡፡

ክብረ ነገስት ሰዓታት፣ ውዳሰ ማርያም፣ ግንዘት ገደሊ ሰማእታት ስንክሳር ፍካሬ እየሱስ ዜና ኣይሁድ ወዘተ
ካብቶም ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ናብ ቋንቋ ግእዝ ዝተተርጎሙ እዮም፡፡ ናይ ግእዝ ስነ ፅሑፍ ድማ ኣብ
መበል 15 ክፍለ ዘመን ዝማዕበለ እንትኸውን ናይ ፈጠራ ስራሕቲ እውን ዝጀመረሉ እዋን ነይሩ፡፡ ከም ኣገላልፃ
ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ካብ 1426 1460 ዓምፈ ንጉስ ሃፄ ዘርኣ ያዕቆብ ተስፋፊሑ ዝነበረ ከም ጥንቆላ፣ እምነት
ኣልባ ንኽቐሪ ኢሎም መፅሓፈ ብርሃን፣ መፅሓፈ ሚላድ፣ ተዓቅቦ ምስጢር፣ መፅሓፈ ባህርይ፣ ክሕደት
ሰይጣን፣ ጦማሪ ትስብኣት ዝመሳሰሉ መፅሓፍቲ ብቋንቋ ግእዝ ከም ዝዳለው ገይሮም እዮም፡፡ እዙይ
እንትግበር ከዓ ቋንቋ ግእዝ ናይ ስነ ፅሑፍ ቋንቋ ኮይኑ ክፀሓፈሉ ኣይተገበረን፡፡ እቲ ብስነ ፀሑፍ ማዕቢሉ ናይሩ
እዩ ናይ ቤት ፍርዲ ቋንቋ ኾይኑ ነይሩ እዩ ዝበሃለሉ ቋንቋ ኣምሓርኛ እውን እንተኾነ ክፀሓፈሉ ዝኽእል ዕድል
ኣይረኸበን፡፡

ስለዚ ቅድሚ 1993 ዓምፈ ከይዲ ምዕባለ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ እንታይ ከም ዝመስል እንትንርኢ ኣምሓርኛ ናይ
ሰነ ፅሑፍ ቋንቋ ኾይኑ ምግልጋል ዝጀመረሉ ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ከም ዝኾነ ሰነ ፅሑፍ ትግርኛ
እውን ካብ መበል 19 ክፍለ ንድሓር ካብ ዘሎ ግዜ ከም ዝኾነን እዩ ዘርደእ፡፡

ንኣብነት ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ኣርባዕትኡ ወንጌል ናብ ኣምሓርኛ ተተርጉሙ ዝተሓተመ ብኣባ ኣብረሃም
ዝበሃሉ ብ 1818 ዓምፈ እንትኸውን ናብ ትግርኛ ከዓ ብደበተራ ማቴዎስ ዝበሃሉ ብ 1834 ዓምፈ ተተርጊሙ
ብ 1866 ዓምፈ ኣብ ባሰሌ /ስዊዘርላንድ/ ክሕተም ኺኢሉ እዩ፡፡

ከይዲ ምዕባለ ስነ ፅሑፍ ኣብቶም ዘሓለፉ ዘመናት ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓሊፉ እዩ፡፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር
ሓርነት ኤርትራ ስነ ፅሑፍ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝብል መፅሓፍ ከም ዝሕብሮ፣ ቅድሚ 500 ዓመት ብፍላይ ሕጊ
እንዳ ባ ትሕዝቶ ዝነበረን መፀሓፈቲ ከም ዝነበራ ይገልፅ፡፡ብእዋን መግዛእቲ ጥልያን ዘርኣዮ ምዕባለ አይነበረን፣
ሚስዮናውያን መፅሓፍ ቅዱስን ሓደ ሓደ መፅሓፍትን መዘሙራትን ብትግርኛ ይሕትሙ ነይሮም፡፡ ከም
ኣብነት ካቶሊክ ሚስዮን ብ 1859 ዓም ንመጀመርታ ግዜ ዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት መፃሓፍቲ ብትግርኛ
ኣብቲ ሓዱሽ ኣብ ከረን ዝቆመ ቤት ሕትመት ኣሕቲማ፡፡ ብተመሳሳሊ መንጌላዊት ቤተ ክርስትያን እውን ኣብ
ሞንኩሉ ኣብ ዝነበረ ፈላማይ ቤት ሕትመት ናይ ሃይማኖት መፅሓፍትን ካልኦትን ተሐቲም ከም ዝነበረት
ይፍለጥ፡፡ ኣብዚ ኩነታት እውን ሃለቃ ተወልደ መድህን መፅሓስ ቅዱስ ብትግርኛ ብምሕታም ዓብይ ግደ
ዝተፃወቱ፡፡

ኣብዚ ናይቲ ቋንቋ ምዕባለ መሰረት ዝገበረ ምዕባለ ሰነ ፅሑፍ ከም ዝህልው ርዱእ አዩ፣ እቲ በቢ ግዚኡ ዝነበረ
ሰርዓት ድማ ነቲ ሰነ ፅሑፍ ንኸይምዕብል ከም ዝገበሮ ምርዳእ ይከኣል፡፡ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ መዳያት
እቲ ቋንቋን ስነ ፅሑፍን ናብቲ ሕዚ በፅሕዎ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕ ድማ ናይ ባዕሎም አጃም ዝወፈዩ ኣካላት
ከም ዘለው ድማ ምርዳእ ኣገዳሲ አዩ፡፡

ምዕባለ ሳወራዊ ቃልሲ ትንሳኤን ምዕባለን ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ዝተተሓሓዘ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ 1967 ዓ.ም
ዝፈለመ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኮታስ 30 ዓመታት ኣብ ኤረትራ 17 ዓመታት ኣብ ትግራይ ቋንቋ
ትግርኛ ካብቲ ዝነበሮ ቀይዲ ሓራ ወፂኡ ርእሱ ኺኢሉ ክስጉም ኣኽኢሉ እዩ፡፡ ብመዳይ ምዕባለ ስነ ፅሑፍ እቲ
ቋንቋ ድማ ብፖለቲካ፣ ብልቢ ወለድ፣ ኣብ ምድላው መፅሄት፣ጋዜጣታትን ብምሕታም እጃሙ ተዋፂኡ እዩ፡፡
ብፍላይ ኣብዚ አዋን ዘተፈላለዩ ደርፍታትን፣ ተዋሰኦታት ድማ ብሰፊሑ ክጋፍሑ ኺኢሎም፡፡ ብመሰረት እዚ
ድማ ቅድሚ 1993 ዓም ዘነበሩ ዕብየት ስነ ፅሑፍ ቋንቋ ትግርኛ አቶም ዝበዝሑ ምስ ቋንቋ ግእዝ ዝተኣሳሰሩን
መብዛሕቲኦም ዝነበሩ ፅሑፋት ድማ ዝየዳ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዝነበሮምን እኻ እንተኾኑ ከምኡ እናበሉ ግዜ
እናወሰዱ ብዝኸዱ ድማ ኻልኦት ትሕዝቶ ዘለዎም ስነ ፅሑፋት እውን ምድላው ተጀሚሩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ኤረትራ ዝዳለው ዝነበሩ ስነ ፅሑፋት ብተወሳኺ ከም ምድላው ጋዜጣን መፅሄትን ወይን ከም
ዕጠቕ፣ ተጋደል፣ ተጋደሊ፣ንቓሕ፣ ዋሕታ፣ፋና፣ ሓሪና፣ሽግ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎም

ኣብ መፅሓፍቲ፣ ኣመፃፅኣ ወድባዊ ታሪኽ፣ ግጥምን ስነ ፅሑፍን፣ረመፅ፣ናፅነት፣ ተስፋይ ንዓዱ ንወለዱ፣


ምኩሕካሕ ዘይፍለዮ ማዕፆ፣ ጥብሲ ክልተ እቶን ወዘተ

ኣብ 1936 ዓምፈ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ጋዜጣ ዓዲ ግራት ብዝብል ብቋንቋታት ጥልታንን ትግርኛን ይወፅእ
ነይሩ፡፡
ኣብ መወዳእታ 1950 ኣብ ከተማ ኣስመራ ንትግራይን ኤርትራን ዝዓለመ ካብ ዝቆመ መደብር ራድዮ ቋንቋ
ትግርኛ ኣብ ስራሕቲ ራድዮ ዊዒሉ እዩ፡፡

ቅድሚ 1993 ዓም ፈ ዝተሓተሙ ዝተፈላለዩ ስነ ፅሑፋት ትግርኛ

ኣብ 1943/44 ዓምፈ ካብ ዝነበሩ

ዛንታ ንቆልዑን ኩሎም ፈተውቲ ዛንታን

ሓደ ጎራሕ ጭዋ ከልቢ

ክልተ ኣሕዋት

ክንዲ ኩሎም ቆልዑት ኾይነ እዛረብ

ጆኦግራፊ

ትምህርቲ

ዘይተምሃረ ነየደሕን ዘየተወቕረ ነየጥሕን

ፈታዊ ወርቂ ዝኾነ ነጉስ ፣ ብዝብል ኣርእስቲ ብመምህር ሳህለ ዓምደ ሚካኤል፣ ብርእሰ ደብሪ እንድርያስ ዓስቡ
ብሓለፍቲ ጋዜጣ በተድላ ባይሩ ከምኡ እውን ካልኦት ስሞም ዘይተጠቐሱ ምሁራን ተደሪሶም ዝቐረቡ
ምጥቃስ ይከኣል፡፡

ኣብራሃም ነጋሽ ኣብ ዘካየዶ መፀናዕታዊ ፀሑፍ ድማ እቶም ኣብዚ እውን ዝነበሩ ስነ ፅሑፋት በኸምዚ
የቕምጦም፣

ጋዜጣታት ድማ፣ ከም ሳግም፣ ሓርበኛ፣ ማሕታ፣ ነፀብራቕ፣ ዕዮ፣ ሓረስታይ ወዘተ ዝተፅሓፉ ፅሑፋት ከም
ዘለው ምርዳእ ይከኣል፡፡ሰለዚ እቲ ዝነበረ ኣመዓባብላ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ኣብ ገሊኡ ብርክታት ብዙሓት
መስዋእትታት ኣብ ዝተገበረሉ እቲ ከይዲ ምዕባልኡ እውን ብኡ መጠን ክሳብ 1993 ዓምፈ እናማዕበለ ከም
ዝመፀ እቶም ልዕል ክብል ዘቕረብኩዎም መረዳእታት የረድኡ እዮም፡፡

3. ምዕባለ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ካብ 1993 ዓምፈ ንድሓር


ንምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ምኽንያታት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ከም ዝተገበሩ ዝፈለጥ እዩ፡፡ ካብዚኣቶም እቲ
ሓደ ብፍላይ ካብ 1993 ዓምፈ ጀሚሩ ድሕሪ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጋደልቲ ነፃ ኣብ
ዘውፅእወን ኸባቢታት ጀሚሩ ቋንቋ ትግርኛ መሳርሒ ኾይኑ ፀኒሑ መንግስቲ ትግራይ ምስተመስረተ ድማ ናይ
ክልል ናይ ስራሕ ቋንቋ ኾይኑ ከገልግል ኺኢሉ እዩ፡፡

ካብ ወርሒ ሰነ 1983 ዓም ጀሚሩ ድማ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ቴሌቨዥን ኢትዮጽያ መደብ ምሓዙ እቲ ከይዲ
ዕብየቱ ካብ ዘሳልጥሉ ሓደ ምዕባለ እዩ፡፡ እዚ ንዕብየት ስነ ፅሑፍ እቲ ቋንቋ ድማ ሰፊሕ ዕድል ዝፈጠረ እዩ፡፡
ኣብቲ ምድላው መደብ ቴሌቨዠ ድማ ነቲ ናይ ትግርኛ ባህሊ ዛፋለጡ ምድላዋት ድማ ከም መደብ ሕበረት
ትርኢት ድማ ይቐርቡ ነይሮም፡፡

ይኹን እምበር ኾነ ተባሂሉ ብዝተሓንፀፀን ብዝተተግበረን ፖሊሲ ቋንቋ ይኹን ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ብገዛእቲ
ደርብታት ኣምሓራ ዝበፀሖ ዝነበረ ዕብለላ ኣዝዩ ሓስይዎ ከም ዝፀንሐ፣ ቋንቋ ትግርኛ ብመሰረት
መዳለዋይ ፖሊሲ ናብ ኣደባባይ ንኸይቕልቀል ፀቒጦም ሒዞም ከም ዘይጋፋሕን ገይረምዎ እዮም፡፡
እንትርፊ ናይ ኣዶን ውላደን መረዳድኢ ወይ ድማ ኣዝዩ ትሑት ብዝኾነ ዓቕሚ ዘለዎ ማሕበረሰብ
መዘራረቢ ኾይኑ ከም ዝውሰን ገይረምዎ ፀኒሖም እዮም፡፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ
ቋንቋ ኮይኑ ሕገ መንግስቲ ተፃሒፉ ነይሩ እዩ ብምባል ይገልፆ፡፡ / ከሳሁን ወልደ ጊዮርጊስ መስከረም
1987 ዓም መቐለ ትግራይ/

ስለዚ አዚ ቅድም ክብል ዘጋጥምዎ ዝነበሩ ፈተናታት ብምፅዋር ድማ ብፍላይ ካብ 1993 ዓም ናብዚ ድማ
እቶም ንምዕባለ ሓደ ቋንቋን ስነ ፅሑፍን ሓገዝቲ ዝኾኑ ዕድላት ብምርካቡ ድማ ብፍላይ ብመዳይ
ቀረብ ቤት ሕትመት፣ ምብርኻት መራኸቢ ሓፋሻት ራድዮ፣ ቴለቪዠን፣ ጋዜጣታት፣ መፅሄታት፣
መፀሓፍቲ ኮታስ ዝተፈላለዩ ስነ ፅሑፋት ዝዳለወሎም ባይታ ምፈጣሩ ዓብይ ዕድል ፈጢርሉ አዩ፡፡እዚ
ማለት ድማ ምስቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ብርኪ ኣጀማምራ ምዕባለ ቋንቋ ይኹን ስነ ፅሑፍ ትግርኛ
እንትነፃፀር እምበር ከምቲ ክምዕብል ትፅቢት ዝግበረሉ አዩ ንምባል ግን የፀገም አዩ፡፡

ካብ 13 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ዝነበሩ ፅሑፋት በዝሖምን ዝርዝሮም ኣይግለፁን ነይሮም እምበር እቲ ዝነበረ ከይዲ
እናማዕበሉ ከም ዝመፁ ምርዳእ ይከኣል፡፡

ዝተፈላለዩ መረዳእታት ከም ዝሕብርዎ ብዘበናዊ ማሕተም ዝተሓተሙ መፅሓፍቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ምዃኖም ይግለፅ፡፡
እቲ ፈለማይ ዘበናዊ ዝተሓተመ ድማ በርጌል ዝተብሃለ ብደብተራ ማቴዎስ ተሓጊዙ ዝፀሓፎ ኣርባዕተ ወንጌል እዩ፡፡
ነዚ ንምፅሓፍ ብውርሒ ታሕሳስ 1835 ኢዘን በርግ ደብተራ ማቴዎስ መፅሓፍ ሓዱሽ ኪዳን ናብ ትግርኛ ክትርጎም
ተገይሩ ብ 1837 ከም ዝተዛዘመ ድማ ይፍለጥ፡፡ ን 31 ዓመት ከይተሓተመ ፀኒሑ ድማ ብ 1866 ኣብ ወፃኢ ሃገር
ቤት ማሕተም ሲዊዘርላንድ ሚስዮን ተሓቲሙ፣፣

ፈላማይ ቋንቋ ትግርኛ ድማ ኮነ፣ ካብቶም ብውልቀ ፈለምቲ ፀሓፍቲ ድማ ሃለቃ ፍሰሃ ጊዮርጊስ ”ወረ መንገዲ” ”እንካብ
ጡብያ ንኢጣልያ” ፣ ”ጠብላሕታይ” ዝብሉ ኣብ 1866 ዓ.ም ዝተፅሓፉ እቶም ጀመርቲ እዮም፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ቤት ማሕተም ኤርትራ ብ 1863 ዓ.ም ብላዘሪስት ሚስዮን ኣብ ኣብነ ልዊጃ ቢያንካሪ ተመስሪታ፣፣ ካብ
1886 ክሳብ 1991 ዓ.ም ብቋንቋ ትግርኛ ዝተፅሓፈ ልቢ ወለድ ቁፅሮም ኣስታት 109 ከም ዝኾነ ይፍለጥ፡፡

ብኣጠቓላሊ ድማ ከይዲ ምዕባለ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ቅደሚ 1893 ዓም ዝነበሩ ስነ ፅሑፋት ናይ መረዳእታ ግልፅነት
ዓይነቶምን ትሕዝቶኦምን ንፁር ዝኾነ ሐበሬታ ኣብ ምህላው ሕፅረታት ከም ዝነበሮም ካብ 1893 ዓም ጀሚሮም
ዝፀሓፉ ዝነበሩ ድማ ብፍላይ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ዝተፈላለዩ ብርኪ ምዕባለታት እናመዝገቡ ከም ዝመፁ
ምርዳእ ይከኣል፡፡

ክሳብ ሕዚ ዘሎ ብርኪ ዕብየት እውን ካብ ቅድም ክብል ዝነበረ ምድላው ጋዜጣ ወይን ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ስነ
ፅሑፋት ትሕዝቶ ዘለዎም ፅሑፋት ይፀሓፉ ነይሮም ክሳብ ሕዚ ድማ ምስ ብዙሓት ዕድላቱ ይቕፅል
ኣሎ፡፡ ስለዚ እቶም ቅድሚ 1993 ዓም ዝነበሩ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ኣብ መዳይ ሕትመቶም
ኣዝዮም ዝፅገሙ ብኢድ ተፃሒፎም ንብርክት ዘበሉ ዓመታት ፀኒሖም ዝሕተሙ ምንባሮም
ተቀሚጡ እዩ፣ ማእኸሎም ደማ እቶም ብግእዝ ዝተፅሓፉ ፅሑፋት ብመዳይ ምትርጋም ኣብ መሰረት
ዝገበሩ እዮም ነየሮም፡፡እቶም ካብ 1993 ዓም ጀሚሮም ዘለው ዕደላት ድማ ኣብቲ ቅድም ዝነበሩ
ፀገማት ዝተቓልዑ ኣይኮኑን፣ ብመዳይ ቤት ሕትመት ይኹን ብመዳይ ዝተፈላለዩ ቐረባት፣ ብፍላይ
በቶም ንምዕባለ ቋንቋን ስነ ፅሑፈን ትግርኛ ክምዕብል ድሌት ዘይነበሮም ገዛእቲ ንህልውና ቋንቋኡ
ኢሉ ዝተቓለሰ ህዝቢ ኣዝዩ ከስተማቕሮ ስለ ዝኸኣለ ንምዕባልኡ በሪ ኸፊትሉ እዩ፡፡

4. ንዘይምምዕባል ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ከም ምኽንያት ዝለዓሉ


ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ካብቲ ሕዚ በፅሕዎ ዘሎ ብርኪ ንላዕሊ ንምብፃሕ፣ ናብቲ ሕዚ ዘለዎ ብርኪ ንምዕባይ
ዝተደረዕዎ ዝተፈላለዩ ፀገማት ሰጊሩ አዩ፡፡

ትግራዋይ ነናዊሕ አዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲን መግዛእትን ብምንባሩ ቋንቁኡ፣ ብፍላይ ድማ ስነ ፅሑፍ ዝዕድም
ሃዋህው ኣይነበሮን፡፡ ካብቲ ዝነበሮ ምምሕያሻት ንምግባር ድማ ፅልዋ ናይ ኣምሓርኛ ገና ስለዘይሃሰሰ እቲ
ሙሁር ባዕሉ ከም ተምሃሪ ኾይኑ ይርከብ፡፡ኣብዚ መዳይ ድማ እቱ ትምህርቱ ብኣምሓርኛ ዝተምሃረ ከም
ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል፡፡ገና አዚ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዓለም ዘሎ ወለዶ ደማ ገና ኣብ ምፅሓፍን ምንባብን እዩ
ዝረከብ፡፡እዙይ ዝኾነሉ ድማ ፊደል ትግርኛ መሊእኻ ካብ ዘምምላኽ ዝተልዓለ ይመስል ብምባል ኣብ
መፅናዕትታት ቀዳማይ ስምፖዝየም ቋንቋ ትግራይ ኣብ ዘዳለውዎ ፅሑፍ ይገልፀዎ፡፡ /ፍልፍል፣ ዶ/ር ሰሎሞን
ዕንቛይ መሰከረም 90፣ 1987 ዓም/

እዚ ማለት ድማ እቲ ሓዱሽ ትውልዲ ገና መፀሓፍ ኣብ ምግዛእን ምንባብን ብርኪ ኣይበፅሐን፣ ድሌት


እንተሃለዎ እውን ነቲ ናሃቱ ጠለብ ዝስማዕማዕ መፅሓፍ ይስእን ኣሎ፡፡

ከምኡ ድማ ዝተፈላለዩ ተውህቦ ዘለዎም ሰባት ንኽፅሕፉ፣ ነቲ ዝፀሓፍዎ ስራሕቲ ሰነ ፅሑፍ ድማ ዘተባብዕ
ተቐባሊ ድማ የለን፡፡እዞም ኣብዚ ትውልዲ ዘለው ዝፀንሑ ፀገማት ምጥቃስ ይከኣል፡፡ይኹን እምበር እዚ ሕዚ
ዘለናዮ እዋን ድማ በሓደ ወገኑ ፅቡቅ ዕድል ዘለዎ ዘመን እዩ፡፡ ናይ ኮምፒተር ቀረበ ኣሎ፣ ኣብ ዘተፈላለዩ
እዋናት ድማ ውድድር ዝተፈላለዩ ስነ ፅሑፋት ይካየዱ እዮም፡፡እቶም ብልጫ ዘለዎም መፅሓፍቲ እንተኒኢሱ
ተሓቲሞም ናብ ህዝቢ እንተበፂሖም ዓበይቲ ምትብብዓት ኽኾኑ የኽእሉ እዮም፡፡

ሕሉፍ ከይዲ ኣመፃፅኣ ስነ ፅሑፍ ንምርዳእ ዝሕግዙ ከም ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ዝተብሃለ ፅሑፍ ድማ ምቅማጡ ኣብ
ደብሪ ኣብነ ዮናስ ብምንባሩ ብኩናቲን ህውከትን ክጠፍእ ምኽኣሉ ከም ፍልፍል መረዳእታ ኾይኑ ከየግልግል ኺኢሉ እዩ፡፡

እቶም ኣብ ዓድና ዝነበሩ ጥንታዊያን ሰነ ፅሑፋት ዝበሃሉ እውን ወፃኢተኛታት ብዝተፈላለየ ምክንያት ካብ ዓድና የውፅእዎም
ስለ ዝነበሩ ከም መበገሲ ናይ ስነ ፅሑፍ ኮይኖም ከገልግሉ ኣይከኣሉን፡፡

በዚ መሰረት ድማ 237 ከበድቲ መፅሓፍቲ ብራና ናብ ፓርስ ፣ ከባቢ 80 ናብ በርሊን ከተማ፣ 20 ዝኾኑ ናብ ሮማ ጣልያን
ከምኡ ድማ ዝተፈላለዩ መፅሓፍቲ ድማ ኣብ ቫቲካን ከም ዘለው ይፍለጥ፡፡ ፍልፍል፣ ጀምትራ ገብረየሱስ ኣባይ
እቲ ኣብዚ ዘሎ ቁም ነገር ድማ ቅድሚ 1883 ዓም ዝተፈላለዩ ፅሑፋት እኻ እንተሃለው ኣብ ቃንቃ ትግርኛ ስነ ፅሑፈ
ኣይነበረን ዝብል እንተይኮነስ እቶም ዝነበሩ ስነ ፅሑፋት ዓይነት ቃንቃኦመን ትሕዝተኦምን ዘይምምዝጋቡ እምበር ሰነ
ፅሑፋዊ ስራሕቶምስ የካይዱ ምንባሮም ምርዳእ ይከኣል ፣፣ ምኽንያቱ ቅድሚ 1883 ዓም ዝነበሩ ፅሑፋት ምስ ኣብነታቶም
ንምቕማጥ ሰለዝኽኣለ፡፡ የግዳስ እቶም ኣለው ዝበሃሉ ዘለው ፅሑፋት ኣብ ዘለውሉ ኸባቢ ብምንዳይ ብዙሓት ምርምርን
መፅናዕትን ክግበረሎም ይግባእ፡፡

ሰሎሞን ባርናባስ ኣብ መፅናዕቲ ቋንቋ ኣድሂቡ ኣብ ምዕባለ ቋንቋን ስነ ፅሑፍን ትግርኛ ከም ፀገም ኢሉ
ኣቐሚጥዎም ዘለው ነጥብታት ሓደ ነቲ ቋንቋ ዝስማዕምዑ ፊደላት ፈሊኻ ናይ ምጥቃም በቲ ቋንቋ ገፊሕ ስነ
ፅሑፍ ዘማዕበሉ ናይ ትምህርቲ፣ ናይ ምምሕዳርን ናይ ፈትሕን ፅሑፋት ተዳሊዮም ክቐርቡ ዘይምኽኣሎምን
እዩ ብምባል ይገልፆ፡፡ /ማሕበር ባህሊ ትግራይ 479 ፣1991 ዓ.ም /

ካሊእ ድማ ፖለቲካዊ ብሄራዊ፣ እዚ ማለት ድማ ነቡዙሕ እዋናት ዝፀንሑ ነገስታት ኢትዮጽያ ወታሃደራዊ ስለ
ዝነበሩ ሓንቲ ዓዲ፣ ሓንቲ ቋንቋ ፣ ሓንቲ ባንዴራ፣ ሓንቲ ድንበር ይብል ስለዝነበረ፣ ብምኽንያት እዙይ ቋንቋ
ትግርኛ ከምኡ እውን ናይ ካልኦት በሄረሰብ ቋንቋታት ናይ ዘበናይነት ስራሕቲ መሳርሒ ንኸይኸውን ፖለቲካዊ
ዓንቀፅ ተገይርሉ አዩ ፀኒሑ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ብመዳይ ሚድያ ይኹን ስነ ፅሑፍ ስለ ዘየተፈቀደሉ ኣብ
ዘለሉ ጠጠው ክብል ተገበረ፡፡ /ማሕበር ባህሊ ትግራይ 645፣646፣ ፣1991 ዓ.ም /

እቲ ኻልእ ድማ ማሕበራዊ ወይ ዓለም ልኻዊ ጉዳይ እዩ፣ ሓደ ቋንቋ ወይ ስነ ፅሑፍ ክዓቢ ዝኽእል ካብ ገደብ
ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ነፃ ምኻን እንተኺኢሉ እዩ፣ ስለዚ ናይ ብሄራዊን ዓለምለኻዊን ኢንተርቬንሽን ንኸይዲ
ዕብየት ቋንቋ ትግርኛ ኣሉታዊ ግደ ተፃዊቱ እዩ፡፡ በቲ በለ በቲ ግን እቲ ሰነ ፅሑፍን ቋንቋን ትግርኛ ንኸይዓቢ
ማሕለኻ ኾይኑዎ እዩ፡፡

ካልኦት ከም ቐንዲ ፀገማት ተባሂሎም ዝተቀመጡ ንምርኣይ ዝኣክል ፣ ብሰንኪ ብሄራዊ ዓለምለኻዊ
ኢንተርቬንሽን ቋንቋ ትግርኛ ከም ዘይዓበየ ብሰንኪ እዚ ድማ ኩሎም ሓቂታት ፋክትስ ሪለሽንሽፕ ክውክል
ዝኽእል ናይ ቃላት ዓቕሚ ቋንቋ ትግርኛ በዚ እዋንዚ የብሉን ክበሃል ይከኣል፡፡

እቲ ዝበዝሕ ሙሁር ዝበሃል ኣካል ብቋንቋ ትግርኛ ምፅሓፍን ምንባብን ዝተጀመረ ብድሕሪ ናይ 1983 ዓም ናይ
መንግስቲ ለውጢ ስለ ዝኾነ ኣብዚ መዳይ ሕፅረት ፈላጣት ቋንቋ ትግርኛ ፀገም ኣሎ፡፡ ብመዳይ ፀሓፍትን
መንበብትን ዘሎ ሰፊሕ ኣፈላላይ ድማ በቲ ቋንቋ ተኸሺኖም ዝተፅሓፉ ቐረብ ሕፅረት መፅሓፍቲ
ብምህላዎም ድማ እቶም ንዘይምምዕባል ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ብዋናነት ዝጥቀሱ እዮም፡፡

ብኣጠቓላሊ ኣብ ምዕባለ ሰነ ፅሑፍ ትግርኛ መሰረት ገይሮም ዝተፀሓፉ ፅሑፋት ንምቅራብ ኪኢለ፣ ኣብዚ
ድማ እቶም ዛጊድ ዘይተፈትሑ ነቲ ምዕባለ ሐዚ እውን ዘፀገሙ ዘለው ድማ ብዝግባእ ምፍታሕ ከም ዘድሊ
ምርዳእ የድሊ፡፡ ብፍላይ ድማ ቋንቋ ትግርኛ ናይ ኣደባባይ ምግባር፣ መንግስታዊ ምምሕድዳራዊ፣ ኣብ ቤት
ትምህርቲ ፣ ኪነ ጥበብ ፣ ቤተ ክህነት፣ ቤት ፍርዲ ወዘተ ብሰፊሑ ኣብ ግልጋሎት ክውዕል ምግባር ወሳኒ እዩ፡፡

5.2. ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጽያ ዝፀሓፉ ዝነበሩ


 ውሕዳት ገፅ ዝነበሮም ነይሮም
 ኣምሓርኛ ቃላት ይጥቀሙ ነይሮም
 ካብ ካሊእ ቋንቋታት ዝትርጉሙ ደረስቲ ተራእዮም
5.3. ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተረኣዩ ፅሑፋት
 ሓደሽቲ ቃላት ትግርኛ ንምዕባለ ዝሕግዙ ተፈጢሮም
 በዝሒ ሕታም ኣይነበሮምን ድሩታት ድማ ነይሮም
5. መጠቓለሊ
መሰረት ምዕባለ ሓደ ቃንቃን ስነ ፅሑፍን ደረስቲ መንበብቲ ኣብዚ መዳይ ዝነጥፉ ዝተፈላለዩ ኣካላት እታ
ብፅሒቶም ንምግባር እንትኽእሉ ጥራሕ ምኻኑ ሓቂ እዩ፡፡ ዕብየት ቃንቃ ትግርኛ ድማ ዝተፈላለዩ ተደራረብቲ
ዕንቅፋታት ይበፅሕዎ ስለ ዝነበሩ ኾላይ ነቲ ምዕባለ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ እውን ምንም ዕብየት ከየርኣየ ኣብ ዘለዎ
ጠጠው ዘበለሉ ዕድል ክፍጠር ኣኺኢልዎ እዩ፡፡ እዚ ድማ ንቐፃላይ ኣብ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት
ንምስታፍ ዝጥቁም እንተኾነ ቅድሚ 1993 ዓም ፈ ድሕርን ዝነበረ ከይዲ ዕብየት ስነ ፅሑፍ ቃንቃ ትግርኛ
እንታይ ከም ዝመስልን ዛጊድ ንኸይምዕብል ድማ እቶም ከም ፀገም ዝወሰዱ ዝነበሩ ብምንፃር ንምቅማጥ
ተሞኪሩ ኣሎ፡፡ ብኣጠቓላሊ ኣብ ሑሉፋት እዋናት ናይዚ ቃንቃ ትግርኛ ንኸይምዕብል ምኽንያት ዝኾኑ ነገራት
ብውነ ተረዲእኻ ብምፍታሕ ሕዚ ዘሎ ምችው ኹነታት ቴክኖሎጂ እውን ተጠቒምካ እቲ ዝድለ ዕብየት
ቃንቃን ስነ ፅሑፍን ትግርኛ ናብቲ ዝድለ ብርኪ ንምብፃሕ ወግሐ ፀብሐ ምስራሕ ወሳኒ ምኻኑ ምግንዛብ
የድሊ፡፡

ስለዚ ንምዕባለ ቃንቃ ትግርኛ ድማ ካብቶም ዛጊድ ተዳህሲሶም ዘለው ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ዝያዳ ብምድህሳስ
ናይቲ ቃንቃ ዕብየት ዘሳልጡ ኣንፈታት ምትላም የድሊ፡፡

እቲ ዝነበረ ወፅዓታት ተሳጊሩ ኣብዚ ሕዚ ዘለሉ ብርኪ ምብፅሑ ድማ ንኹሉ ተስፋ ዝህብ ስለዝኾነ ንቐፃላይ
ብዝተፈላለዩ ምርምራት ሓዊስካ ብስፍሓት ክስረሓሉ ይግባእ እብል፡፡

ውኩሳት ድርሳናት

ዘሪሁን ኣስፋው ፣ የስነፅሑፍ መሰረታዊያን 2፣ 2000 ዓም ኣዲስ ኣበባ

ዶር ሰሎሙን ዕንቃይ፣ ማሕበር ባህሊ ትግራይ 23፣ 1991 ዓም

You might also like