Download as pdf or txt
Download as pdf or txt
You are on page 1of 3

ትምህርተ ጾታ

ዕላማ ትምህርቲ፡- ኣስተዋጽኦ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ከምዝኾነ


ንምግላጽን፡ ክርስትናዊ ናብራ ዝሓቶ ጠለባት እንታይ ምኻኑ ንምግንዛብን ከምኡ’ውን
ደቂ ኣንስትዮ ሥርዓት ቤተክርስቲያን ሓልየን ከመይ ጌረን ይጓዓዛ ንምብራህ እዩ።
ከምኡ’ውን ንዝለዓሉ ሕቶታት ንምምላስ እዩ።

ሀ. ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ ንዝለዓሉ ሕቶታት


1. ባህሪ ጓል ኣንስተይቲ
2. ዕላማ ምፍጣር ጓል ኣንስተይቲ
3. ግቡእን መሰልን ጓል ኣንስተይቲ ብመንጽር መጽሓፍቅዱስ
4. ሕይወት ደቂ ኣንስትዮ ብመንጽር መጽሓፍቅዱስ
5. ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝተዋህበ ጸጋ

ለ. ብመንጽር ክርስትናዊ ናብራ ንዝለዓሉ ሕቶታት


1. ምስ ኣንጻር ጾታ ከመይ ዝበለ ርክብ ክህልወን ይግባእ፧
2. ዕርክነት ቤተክርስቲያን ተፍቅዶ ዲያ፧
3. ሓዳር ናይ ምግባር ሐሳብ እንተለዋ መጻምድቲ ከመይ ጌራ ክትመርጽ ይግብኣ፧
4. መጻምድቲ ምስ ረኸበትከ እንታይ ክትገብር ይግብኣ፧

መ. ብመንጽር ሥርዓተ ቤተክርስቲያን ንዝለዓሉ ሕቶታት


1. ወርሓዊ ጽግያት ማለት እንታይ ማለት እዩ? ዘሌ 12፡15 /19፡28 ፍትሓ ነገስት 6 ዘኒቕያ 29
2. ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ቤተክርስቲያን ከመይ ትርእዮ፧
3. ጓልኣንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ናይ ኣገልግሎት ተራ እንተይ እዩ፧
1ይ ክፋል
ሀ. ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ ንዝለዓሉ ሕቶታት

1. ባህሪ ጓል ኣንስተይቲ
ባህሪ ጓል ኣንስተይቲ፦
 ካብ ጎኒ ኣዳም ዝተፈጥረት ሰብ እያ።
ዘፍ 2፡22 “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ነታ ካብ ጎኒ ኣዳም ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ጌሩ ሰርሓ
እሞ ናብ ኣዳም ኣምጽኣ።”
 ብባህሪ ካብ ወዲ ተባዕታይ ዝደከመት እያ
ዘፍ 3፡16 “ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክከውን እዩ። ንሱ’ውን ክመልከኪ እዩ”
1ጴጥ 3፡1-7 “ከምኡ’ውን ኣቱም ኣሰብኡት ምስ ኣንሰስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ። ንሳተን
ድኹማት ፍጥረት ስለዝኾና፡ ነቲ ጸጋ ሕይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን።”
 ብኣፈጣጥራ ምስ ወዲ ተባዕታይ ማዕረ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ኣለዋ።
(ሓደ ዓይነት መልክዕ፡ ሓደ ዓይነት ልሳን፡……… )

2. ዕላማ ምፍጣር ጓል ኣንስተይቲ


 ንኣዳም ረዳኢቱን ደጋፊቱን ክትኮኖ ዘፍ 2፡18 “ሰብኣይ በይኑ ክነብር ጽቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ
እትሰማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ”
 ብዝተባረኸ ዘርኢ ንዓለም ምእንቲ ክመልእዋ ዘፍ 1፡28 “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ
ምልእዋን ምለኹዋን”
 ከምቲ ኣዳም(ወዲ) ኣቦ ኩሎም ዝተባህለ ሔዋን(ጓል) ድማ ኣደ ምእንቲ ክትበሃል፡
 ኣዳም ከምዝብድል ይፈልጥ ስለዝነበረ ካብኣ ተወሊዱ ምእንቲ ከድሕኖ
“ማርያምሰ ተሐቱ ውስተ ከርሡ ለአዳም ከመ ባሕርይ ፀዐዳ እምትካት፡
ትርጕም
ማርያምስ ካብ ቀደም ኣትኂዛ ኣብ ከርሢ (ሕቖ) ኣዳም ከም ፃዕዳ ዕንቍ ኮይና ተብርህ (ትበርህ)
ነበረት” (ድጓ ዘኅዳር ጽዮን)

3. ግቡእን መሰልን ጓል ኣንስተይቲ ብመንጽር መጽሓፍቅዱስ


ሀ. ዘይግባእ
1. ርእሲ ሰብኣይ ክትከውን ኣይተፈቕደላን
ኤፌ 5፡21-33 ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ
ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን
ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዂሉ
ይተኣዘዛኦም።
ቆሮ 11፡ 1-16 ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ
ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ።
1 ጢሞ 2፡9-15 ሰበይቲ ብዂሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሀር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ
እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ
ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ።
1ጴጥ 3፡1-7 ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ
ኣኻይዳኽን ምስ ረኣዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡
ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ………. ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡
ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ
ኢኽን።
እዚ ማለት ግን ግዝእቲ ወይ ባርያ እያ ማለት ኣይኮነን
ኤፌ 5፡21-33 ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ።
ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ
ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ
ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሀበ። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮ
ኬፍቅርወን ይብኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን።
ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኻና ኣሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን
ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ
ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ ኣሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ
ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ።
(ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ስለዝርከብ ድማ ሰበይቲ ዓይኒ እያ )

2. ክህነት ኣይተፈቕደላን
ፍትሓ ነገስት ዓንቀጽ ፩ ዶቅ ፵፬
፰ ክፍል ፫ ረስጣ ፶፱

3. ኣብ ጉባኤ ክትምህር ወይ ክትሰብኽ ኣይተፈቕደላን


1 ጢሞ 2፡9-15 ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቚ ወይስ ብብዙሕ
ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን፡ ፍርሃት
እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ ኣሎኹ። ሰበይቲ
ብዂሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሀር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን
እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡
ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነትን
ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

4. ዝምልከታ ኣገልግሎት ግን ኣሎ
ታሪኽ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ

ለ. ዝግባእ
 ትንቢት፡ መዝሙር፡ ጸሎት፡ ሕዝባዊ መሪሕነት፡ ……ወዘተ

መጠቓለሊ ሕቶታት፦
1. ጓል ኬንኪ ብምፍጣርኪ እንታይ ይስምዓኪ፧
2. ከም ወዲ ተባዕታይ ናይ ክህነት ስልጣን ስለዘይተፈቕደልኪ እንታይ ይስምዓኪ፧
3. ጓል ኬንኪ ብምፍጣርኪ ጥራይ ዝሓዘንክሉ እዋናት ኣሎ’ዶ፧
4. ኣብ ጕባኤ ክትምህሪ ወይ ክትሰብኪ ስለዘይተፈቕደልኪ እንታይ ይስምዓኪ፧
5.

You might also like