ስትር 2015-2019

You might also like

Download as docx, pdf, or txt
Download as docx, pdf, or txt
You are on page 1of 36

1.

ስትራተጅክ ትልሚ ካብ 2015-2019


1.1 ዕላማታትን ሽቶታትን

ኣብ ገጠር ዝስረሑ ናይ መንገዲ ልምዓት ሰራሕቲ

1.1.1 ዕላማ ሓደ፡- ህዝቢ ገጠር ናይ መንገዲ ግልጋሎተ ተጠቃሚ ምገባር

ካብ ግልጋሎት መንገዲ ርሕቁ ዝነብር ህዝቢ ገጠር ሓጋይ ምስ ክረምቲ ዘገልግል መንገዲ ብምቕራብ

ናይ ሕርሻ፣ንግዲ /ልምዓት ምብርትታዕ፣ስራሕ ስእነት ምቕናስ፣ ማሕበራዊ ርክብ ህዝቢ ክጠናኸር

ምግባርን ብሓፈሻ ድኽነት ገጠር ምቕናስ ልምዓት ክረጋገፅ ምሕጋዝ።

ሽቶ 1 ፡ 157 ጣብያት ንምርኻብ 1338.061 ኪሜ ህንፀት ሓዱሽ ምስራሕ

ሽቶ 2 ፡ ልዕሊ 2000 ኪሜ ናይ ሕብረተሰብ መንገዲታት (paths, trails, tracks) ንሕብረተሰብ

ቴክኒካዊ ሓገዝ ብምሃብ ውፅኢታዊ ትራንስፖርት ግልጋሎት ክህቡ ምኽኣል

1.1.2.ዕላማ ኽልተ - ምንቅስቓስ ንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ምሕጋዝ

ናብ ዝተፈላለዩ ልምዓት ቦታት ዘራኽቡን 5229 ኪሜ ኣብ ከይዲ ዝነበሩን ተወሰኽቲ ሓደሽቲ

መንገዲታት ብምስራሕ፣ቁልጡፈ ምንቅስቓስ ናይ ህዝቢን ኣቖሑትን ንክህሊ ምስራሕ፣ ሰፊሕን

ስሉጥን ምዕባለ ትራፊክ ክመፅ ምግባር፣ በዚ ኣቢሉ ሰፊሕ ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ (ሕርሻ፣ ማእድን)

ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ኢኮኖሚ ክህሊ ምሕጋዝ።ምስ ጎረባበብቲ ክልላትን ዓዲታትን ጥቡቕ

ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖሎትካዊ ርክብ ምጥንዃር።

1
ሽቶ 3፡ ሓዱሽን ኣብ ከይዲ ዝነበሩ አስፋልት መንገዲታት 960.9 ኪሜ

ሽቶ 4፡ ሓዱሽን ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ፀፀር መንገዲታት 2219.54 ኪሜ

ሽቶ 5፡ ብመፅናዕቲ ዝፍለዩ ሓደሽቲ ናይ ኣስፋልትን ፀፀር ፕሮጀክትታት 2210.5 ኪሜ

ሽቶ 6፡ ዕለታዊ ፅገና 28498.753 ኪሜ

ሽቶ 7፡ ወቕታዊ ፅገና 3708.439 ኪሜ

ሽቶ 8፡ ዳግመ ሕውየት 3878.02 ኪሜ

ሽቶ 9፡ ካብ ናይ ዩራፕ ናብ ክልል ገጠር መንገዲ ደረጃ ምዕባይ 275.84 ኪሜ

ሽቶ 10፡ ብርኪ ምዕባይ ካብ ገጠር መንገዲ ናብ ኣስፋልት 465 ኪ.ሜ

1.1.3.ዕላማ ሰለስተ - ምሕላው ምቾትን ድሕንነትን ተሳፈርቲ (ኣብ መንገዲታት ትግራይ ብሰላም

ይጓዓዙ, (GO SAFE IN TIGRAY ROADS)

ብሰንኪ መንገዲ ፀገም ዝበፅሕ ዘሎ ናይ ትራፊክ ሓደጋ ብምቕናስ ደሕንነቱ ዝተሓለወ ፣ምቾቱ

ዝተራጋገፀ ሕብረተሰብ ክህሊ ምሕጋዝ።

ሽቶ 11፡ ፅሬትን ህንፀትን ፅገናን 100% ክበፅሕ ምግባር

ሽቶ 12፡ ሓደገኛ ቦታታት (black spot) 100% መፅናዕን ምስትኽኻልን

ሽቶ 13፡ 100% ኣብ ዘድሊ ቦታን፤ ሓደገኛ ቦታታት ናይ መጠንቀቕታ ምልክት (Road Sign

Furniture) ምግባር

ሽቶ 14፡ ካብ ናይ ሓደ ፕሮጀክት ዋጋ 0.1-0.5% መጠን በጅት ብምዳብ፤ ዘለው ሓደገኛ

ቦታታት ብቅደም ሰዓብ ብምፅናዕ፣ ናይ ፕሮጀክታት 70-80% ምስትኽኻል ይግበረሎም።

1.1.4.ዕላማ ዓርባዕተ- ምሕላው ከባቢያዊ ሓለዋ

2
ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብሰንኪ መንገዲ ዝበፅሕ ጉድኣት ከባቢ ንኣብነት ኣግራባት ብምብራስ፣

ናይ ማይ ከርሲ ምድሪ ብምብልሻው፣ ናይ ሰባት ሕርሻን ገዛውትን ብምብራስ ዝኣመሰሉ ተፅኖታት

ብምቕናስ ናይ ሕብረተሰብ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ምሕጋዝ።

ሽቶ 15፡ 100% ዝህነፁ ሓደሽቲ ፕሮጀክታታት ገምጋም ፀቕጢ ከባቢያዊ ሓለዋ ይህልዎም

ሽቶ 16፡ 100% ዝስረሑ ዲዛይናት ፅዕነቶ ከባቢያዊ ሓለዋ ገምጋም ዝሓለፉ ክኾኑ ኣለዎም

ሽቶ 17፡ ውፅኢት መፅናዕቲ (impact assessment) ዝሓዙ ክኾኑ ኣለዎም።

1.1.5.ዕላማ ሓሙሽተ - ምዕባይ ዓቕሚ መንገዲ ሴክተር

እንስትቱሽናል ዓቕሚ በዓልመዚ መንገዲታት ብምዕባይ ውፅኢታዊ (time and quality) ስራሕቲ

መንገዲ ምዃን

ሽቶ 18፡ ናይ በዓል መዚ መንገድታት ትግራይ መዋቕራዊ ስትራክቸር ምወድእ፣ ብቑዕ ሰብ ሓይሊ


ምምዳብ

ሽቶ 19፡ 500 ንወረዳ፣ ክልልስታፍን ሰራሕተኛታት ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ስልጠና ምሃብ

ሽቶ 20፡ 1334 ዝተፈላለዩ ዝጎደሎ ናይ ኦፊስ ኣቖሑት ምምላእ

1.1.6.ዕላማ ሽዱሽተ

መፅናዕቲ ሃገር ኣቋራጭ መንገዲታት (External Corridor Express Roads) ክካየድ ብምግባር ኣብ ቀፀልቲ

ቀረባ ዓመታት ናብ ምፅዋዕ፣ ጁቢቲን ሱዳን ዝወስዱ መንገዲታት ዝስረሐሉ ኩነታት ምምችቻው።

ሽቶ 21፡ መቐለ-መኾኒ-ሰመራ መንገዲ ኮሪደር ምፅናዕቲ ክካየድ ምግባር

ሽቶ 22፡ መቐለ-ሑመራ -ሱዳን ኮሪደር መፅናዕቲ ክካየድ ምግባር

ሽቶ 23፡ መቐለ-ምፅዋዕ ኮሪደር መፅናዕቲ ክካየድ ምግባር

1.1.7.ዕላማ ሸውዓተ-ኣብ ከተማታት ዝስረሑ ናይ መንገዲ ስራሕቲ

ሽቶ 24 ፡ መንገዲ አብ ዛሓልፍለን ናይ ጣባያ ማእኽል ከተማን፣ ዕሸል ከተማታት ናይ ከተማ

ውሽጢ አስፋልት ንፃፍ መንገዲ (paving Town Section) ምስ ከባቢያዊ ምምሕዳር ብምውዳድ

ምስራሕ

3
ሽቶ 25፡ ናይ 13 ከተማታት 390 ኪሜ ናይ ውሽጢ ከተማ ኣፋልት መንገዲ ስራሕቲ ምስራሕ፣

ናይ ካልኦት 15 ዓበይቲ ከተማታት ድማ 450 ኪሜ ኣስፋልት መንገዲ ብምስራሕ ዝተማሓየሸ ናይ

ከተማ ውሽጢ ምንቅስቓስ ብምሕጋዝ ምድንጓይ ትራፈክ ምቕናስን ቅልጣፈ ትራፊክ ክመፅእ

ምግባርን።፣

1.2.ፕሮጀክትታትን በጀትን

1.2.1.ናይ 5 ዓመታት መጠቓለሊ ስራሕቲን በጀትን

ኣብ ባዕልመዚ ምነገዲታት ትግራይ ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት 3 ዓበይቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ትልሚ

ዝተተሓዘ እንትኾን እዚኦምውን ናይ መንገዲ ስራሕቲ፣ ስራሕቲ መፅናዕቲ መንገዲን ናይ ዓቕሚ

ምዕባይ እዮም፡፡ ናይዞም ስራሕቲ ፊዚካልን በጀት ትልሚን ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ’።

1.2.2.መጠቓለሊ ትልሚ ፊዚካል ስራሕቲ

ንቐፃሊ 5 ዓመታት ንዝተታሓዙ ስራሕቲ ብድምሩ 39,143.77 ኪሜ ናይ መንገዲ ስራሕ ንምስራሕ

ትልሚ ዝተታሐዘ እንትኾን ካብዙይ ውሽጢ 36,085.21 ኪሜ (92.19%) ንመንገዲ ፅገና ስራሕቲ

ክምኡውን 3,058.56 ኪሜ (7.81%) ድማ ካብ መንገዲ ፅገና ወፃኢ ዘለዉ ናይ መንገዲ ስራሕቲ

ንምስራሕ ትልሚ ተቐሚጡ ኣሎ። ኣብ ስራሕቲ ፅገና መንገዲ ናይ መደበኛ ፅገና፣ ወቕታዊ ፅገናን

ዳግመ ሕውየትን ስራሕቲ ዝተጠቓለሉ እንትኾን ። ካብ ፅገና ወፃኢ ተባሂሎም ዝተታሓዙ ናይ

መንገዲ ስራሕቲ ድማ ብርኪ ምዕባይን ሓዱሽ ህንፀት መንገዲን ስራሕቲ ስራሕቲ ተጠቓሊሎም

ኣለዉ፡፡ ካብ መንገዲ ስራሕቲ ወፃኢ ንመንገዲ ስራሕቲ ጠቐምቲ ዝኾኑ ኣብ ክልተ ዝተጠቓለሉ

ክልተ ስራሕቲ ተታሕዞም ኣለዉ። እዚኦምውን ናይ ዲዛይንን መፅናዕቲን ናይ ዓቕሚ ምዕባይ

ስራሕቲ እዮም። በዚ መሰረት ኣብዚ ስትራተጂክ ትልሚ ብቑፅሪ 30 መንገዲታት ናይ ዲዛይንን

መፅናዕቲ፣1012 መንገዲታት ኩነታት መንገዲን 1,012 መንገዲታት ናይ ትራፊክ መፅናዕቲን 15.18

መንገዲታት ድማ ገምጋም ተፅዕኖ መንገዲ (impact assessment) ንምኪያድ ትልሚ ተታሕዙ ኣሎ፡፡

4
ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ 1934 ሰራሕተኛታት ስልናጠና ንምሃብን 1,334 ዝተፈላለዩ ናይ ኦፍስ ኣቖሑት

ብዕዲጊት ንምምላእ ትልሚ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡

ሰደቓ 1 ድምር ፊዚካል ስራሕቲ 2015-2019

መለከዒ 2015 2016 2017 2018 2019 ድምር %


ድምር ፅገና መንገዲ ኪሜ 5715 6710 6973 8351 8336 36085 92
ድምር ካብ ፅገና ወፃኢ መንገዲ ስራሕቲ ኪሜ 256 1626 246 598 332 3059 8
ስራሕቲ መንገዲ ድምር 5971 8336 7220 8949 8668 39144 100
ዲዛይንን መፅናዕቲን ድምር
ቑፅሪ 514 511 524 521 2069 100
ምዕባይ ዓቕሚ ድምር ቑፅሪ 2228 1040 0 0 0 3268 100

1.3.2..መጠቓለሊ በጀት

ብበጀት መዳይ ንቐፃሊ 5 ዓመታት ንዝተታሓዙ ስራሕቲ ብድምሩ ብር 73,733,702,426.21 ከምዘድሊ ዝተገመተ

እንትኾን ካብዙይ ውሽጢ ንስራሕቲ መንገዲ ብር 72,971,327,786.21 (98.97%)፣ ንዲዛይን መፅናዕቲን ዓቕሚ

ምዕባይን ብድምሩ ብር 762,374,640.00 ዝተገመተ እንትኾን ካብዙይ ንዲዛይንን መፅናዕትን ብር 633,232,800.00 ንምዕባይ

ዓቕሚ ድማ ብር 129,141,840.00 ከምዘድሊ ኣብዚ ትልሚ ተመላኺቱ ኣሎ። ንስራሕቲ መንገዲ ካብ ዝተገመተ
በጀት ውሽጢ ንስራሕቲ ፅገና ( ዕለታዊ፣ ወቕታዊን ዳግመ ሕውየትን) ብር 34,055,925,322.16 ከምዘድሊ ዝተገመተ

ኮይኑ ካብ ፅገና ወፃኢ ዘለዉ ስራሕቲ መንገዲ ድማ 38,915,402,464.00 እዙይ ካብ ጠቕላላ በጀት 46.67% ዝሓዘ ኢዩ።

ካብ ፅገና መንገዲ ወፃኢ ዘለዉ ናይ መንገዲ ስራሕቲ ብድምሩ ብር 38,915,402,464.05 ከምዘድሊ ዝተገመተ

እንትኾን እዙይ ካብ ጠቕላላ ናይ መንገዲ ስራሕ በጀት 53.33% ዝሕዝ ኢዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ንስራሕቲ ንዲዛይን

መፅናዕቲን ዝተታሓዘ በጀት ካብ ጠቕላላ .86%፣ ንስራሕቲ ምዕባይ ዓቕሚ ድማ .18%ን ከምዘድሊ ተገሚቱ ኣሎ።
(ዝርዝሩ ሕዛል---- ይርኣዩ)

ሰደቓ 2 ድምር በጀት 2015-2019

%ካብ % ካብ
ዝርዝር ስራሕ 2015 2016 2017 2018 2019 ድምር ንኡስድምር ጠቕላላ
1 ስራሕቲ ፅገና 3,653.41 12,259.31 10,331.47 3,958.72 3,853.01 34,055.93 46.67

ካብ ፅገና ወፃኢ
2 1,054.29 21,760.27 7,403.48 12,491.15 7,725.73 38,915.40 53.33 98.97
ስራሕቲ መንገዲ

1.03
ስራሕቲ መንገዲ
4,707.70 34,019.58 17,734.95 16,449.87 11,578.74 72,971.33 100
ድምር

3 ስራሕቲ ዲዛይንን 106.99 132.27 121.42 148.92 123.64 633.23 83.06


መፅናዕቲን

5
ምዕባይ ዓቕሚ
4 88.87 40.28 129.14 16.94
ኦፊሲን

መፅናዕቲን ምዕባይ
195.86 172.54 121.42 148.92 123.64 762.37 100 100
ዓቕሚ ድምር

ጠቕላላ በጀት ድምር 4,903.56 34,192.13 17,856.38 16,598.79 11,702.38 73,733.70

1.4.ካልኦት ዋና ዋና እታዎታት

1.4.1.ሓይሊ ሰብ

ቅድም ክብል ክምዝተገለፀ ስራሕቲ ባዓልመዚ መንገዲታት ትግራይ አብ ሽዱሽተ ሴክሽናት

ዝተዋቐረ ማሓውር ኣለዉዎ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ሕድሕድ ሰክሽን ካብ 25 ክሳብ 1 ሰብ ዝተፈላለዩ

612 ሰብ ሙያታት ዝሓዘ ሓይሊሰብ ዝተቐመጡ እንትኾን ካብዚ ወፃኢ ክከምአድላይነቱ ዝቑፀሩ

ሓይሊሰብውን ዝሐቖፈ ኢዩ፡፡ ናይ ሕድሕድ ሴክሽን ስራሕ ባህሪ ተመሳሳልነት ዘለዎን ስራሕ

መጠን እውን ተቐራራቢ ስለዝኾነ፣ ዘድሊ በዝሒን ስብጥርን ሰብ ሓይሊ ተመሳሳሊ እዩ፡፡

ስለዝኾነ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ፅገናን ፕሮጀክትን ሕሉፍ ተመኩሮን መፅናዕትን መሰርት ብምግባር

አብ ሕድሕድ ሴክሽን ዘድሊ ሰብ ሓይሊ ቐሪቡ አሎ።

1.4.2.መሳረሒ

ኣብ ላዕሊ ከምዝትገለፀ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ዝተወለዐ ኩናት ኣብ መንገዲ ከቢድ ዕንወት
ኣብፂሑ እዩ፥፡ እዚ ምስቲ ኣብ ክልተ ዓመት ክግበር ዝግበኦ ዝነበረ ናይ መንግዲ ፅገና ምቁራፁ
ተደማሚሩ እቲ ክህሉ ዝኽእል መጠን ጉድኣት ሓፍ ክብል ገይርዎ ኢዩ። ስለዚ ነቶም ፈፀምቲ
ጉጅለታት ዘድልዮም መሳረሒታት ብኣንፃር መዋቕርን ክሀሉ ዝኽእል ሰራሕ መጠንን ተዳህሲሱ
ዝቕረበ እንትኽውን ሕፅረት ኣብ ዝህሉ ድማ ብኻልእ ኣማራፂ ክማላእ ይግበር። በዚ መሰረት ኣብ
ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ንዝተቐመጡ ብዓርሰ ሓይሊ ንዝፍፀሙ ስራሕቲ ካብ 2-30 መጠን ዘለዎም
ዝተፈላለዩ መሳረሒታት ከምዘድልዩ ኣብዚ ትልሚ ተመላኺቱ ኣሎ ፡፡

1.4.3.ሜላ ኣተገባብራ

6
ኣብ ናይ 5 ዓመታት ዝተቐመጡ ስራሕቲ ብዓርሰ ዓይሊን ብኮንትራክትን ዝስረሑ እንትኾን ብዓርሰ

ሓይሊ ንዝስረሑ ስራሕቲ ዘድሊ ሓይሊሰብን መሳረሒን ኣብ ላዕሊ ተመላኺቱ ኣሎ፡፡፡ እቲ ካልኣይ

ሜላ ኣተገባብራ ብኮንትራክት ዝስራሕ እንትኾን ዝተፈላለዩ ሜላ ዕደጋ ብምጥቃም ኣብ ስራሕ

ክውዕሉ እዮም ።

1.4.4.ሜላ ዕደጋ ፕሮጀክት

ኣብዚ ሜላ ትግበራ ፕሮጀክትታት ብዝድለ መንገዲ ክቀርብ ብዝኽእለሉ ናይ ትግበራ ኣማራፂ

ዝምልከት እንትኸውን ንሱውን ናይ ዲዛይን፣ ህንፀት ፣ ናይ ፅገናን ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ብመን?

መዓዝ? ን ከመይን? ይስርሑ ዝብል መልሲ ዝህብ እዩ። ብዘሓሸ መልክዕ ንምርዳእ ቀንዲ ቀንዲ ዝኾኑ

ናይ ፕሮጀክት ስትራተጂታት ሜላ ዕደጋ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡኣሎ፦

1.4.4.1.ዲዛይን ምግባር፣ዕደጋ/ጨረታ/ምክያድ፣ምህናፅ DESIGN BID BUILD (DBB)

እዚ ብተለምዶ ትራድሽናል ፕሮጀክት ደሊቨሪ ስትራተጂ ተባሂሉ ዝፅዋዕ እንትኸውን ኣብዚ ንህንፀት

ዝተመረፀ ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ዲዛይን ቀዲሙ ኣስራሒ ክፅናዕ ምስ ገበረ ጨረታ የውፅእ። ጨረታ

ዝሰዓረ ተቋራፂ ኣቀዲሙ ብዝተዳለወ ዲዛይን መሰረት ህንፀት የካይድ።

1.4.4.2.ዲዛይን፣ምህናፅን Design-Build (DB)

ኣብዚ ናይ ፕሮጀክት ደሊቨሪ ስትራቴጂ ኣስራሒ ዝመረፆ ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ኮንሰፕት ዲዛይን

ምስ ኣደላወ ዝርዝር ዲዛይንን ህንፀትን ንምክይድ ተቋራፂ ይቆፅር፣ እዚ ዓይነት ኣካይዳ ዲዛይንን

ህንፀትን ስራሕ ንሓደ ትካል ብሓደ ግዜ ብምሃብ ብምኽንያት ፀገም ዲዛይንን ክለዓሉ ዝኽእሉ ናይ

ይግባኣኒ ሕቶታት ን ካልኦት ዝትትሓዙ ጉዳያት ይቅሪ።

1.4.4.3.ዲዛይን፣ህንፀት፣ፅገናን Design-Build-Maintain (DBM)

ኣብዚ ተቋራፂ ስራሕ ናይ መንግዲ ህንፀት ን ዲዛይንን ካብ ምትግባር ብዝዘለለ ንተወሰኑ ዓመታት

ስራሕቲ ፅገና ንክሰርሕ ሓላፍነት ዝወሃበሉ ኣካይዳ እዩ። ውፅሊ ዝኣትወሉ እዋን ቅድሚ

ምውድኡ ተቋራፂ ስራሕ ዝፍፀም ክፍሊት ግልጋሎት መንገዲ (ደረጃ ፅሬት መበገሲ ብምግባር

7
ብምኻኑ ተቋራፂ ስራሕ ካብ መፈለምታ እዋን ጀሚሩ ንፅሬት መንገዲ ስራሕ ክጥነቀቁ ይገብር።

ብተወሳኺ እቲ መንገዲ ግቡእ ፅገና ክረክብ ብምግባር ግልጋሎት ዕድሚኡ የናውሕ።

1.4.4.4.ዲዛይን፣ምህናፅ፣ምፅጋን፣ግልጋሎት ምሃብ Design-Build-Maintain-Operate (DBMO)

ናይ DBMO ስትራተጂ ተቋራፂ ስራሕ ናይቲ መንገዲ ዲዛይን ፣ ህንፀትን ፅገናን ካብ ምክያድ

ብዝሓለፈ ንዝተወሰኑ ዓመታት ንከመሓድሮ ዝፍቀደሉ መስርሕ እዩ። እዚ ዓይንት ስልቲ ብቀንዱ

ተግባራዊ ዝኾነሉ ኣብ ብክፍሊት ዝሰርሑ መንገዲታት ይኸውን።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገፁ ኣንፈታት ኣብ ፌደራልን ክልል መንገዲታት DBB ብበዝሒ ተግባራዊ

ክኸውን ዝፅንሐ እንትኸውን። ካብ ቀረባ ዓማውቲ ናብዚ ግና ናይ DB ፕሮጀክታት ቁፅሪ ኣብ

ፌደራል መንገዲታት እናወሰኸ መፂኡ እዩ። ብኣንፃሩ ድማ DBMO ን DBMO ሜላ ዕደጋታት

ብፌደራል ኮነ ብክልል መንገዲታት ብስፍሓት ዘይርኣዩ እንትኮኑ ኣብ ቀፃሊ ናይ ትልሚ ዕብየትን

ስግግርንን ዝተመረፁ ፕሮጀክታት ብ DBM ስትራተጂ ተግባራዊ ንምግባር ፃዕሪ ክግበር እዩ። ብፍላይ

ኣብ ከም URRAP ዝበሉ ፕሮጀክታት ከምኡ ዝበሉ ኣንፈት ተግባራዊ ብምግባር ተዝጅመር ኣብ

ደረጃ ኣፈፃፅመኡ ካብ እንፅበዮ ምምሕያሽን ናይ መንገዲ ሃፍቲ ንምክንኻን ቀንዲ ኣማራፂ ካብ

ምዃኑ ንላዕሊ ኣብ ቀፃሊ ዘፈር መሰረተ ልምዓት መንገዲ ኣንፈት ዝዋሃብ ይኸውን።

8
1.5.ናይ ፕሮጀክትታት ውፂኢት ዝርከብ
ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ረብሓን

1.5.1.ኢኮኖሚያዊ ረብሓ

በትልሚ ዝተታሓዙ ናይ ብዋናነት ኣብ ግልጋሎት ዝነበሩ መንገዲታት ብዝካየድ ናይ ዳግመ ሕውየት ስራሕቲ ክልተ

ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ክመፁ ትፅቢት ኣሎ። እዚኦምውን ናይ መንገዲ ጉዕዞ ዝጠፍእ ጊዜ ምቕናስን በዚ ዝመፅእ

ኢኮኖሚያዊ ረብሓን መጠን ትራፈክ ብምውሳኽ ስእነት ግልጋለት ትራንስፖርት ምቕራፍን እዮም።

1.5.2.ናይ መንገዲ ጉዕዞ ዝጠፍእ ጊዜ ብምቕናስ ዝርከብ ረብሓ

ምምሕያሽ መንገዲ ኣብ መንገዲ ዝጠፍእ ጊዜ ብምቕናስ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘምፅእ ኢዩ። እዚ ረብሓ ብፍላይ ብናይ

ሞተር ተሽከርከርቲ ንዝግልገል ህዝቢ ዝዓበየ ጥቕሚ ዘለዎ ኢዩ። ንኣብነት ናይ ትራንፖርት ስራሕ መካየዲ ዋጋ ቕናስ

(VOC)፣ ብሰንኪ ትራንስፖርት ምምሕያሽ ካብ ምህርቲ ዕቤት ዝረከብ ረብሓ ዘኣመሰሉ ረብሓታት ምጥቃስ ይከኣል።
ናይዞም ረብሓታት መጠን ንምግማት ዝተፈላለዩ ናይ መረዳእታትን መስርሕ ሞዴላት መሰረት ገይርካ ምስራሕ የድሊ

። ይኹን እምበር እዚ ዝተጠቐሰ ረብሓ ግምት ብሰንኪ መረዳእታታት ዘይምህላው ንግዚኡ ንምቕማጥ ኣይተኻኣለን።

ብካልእ ወገን ካብ ጉዕዞ እግሪ ስብ ከይተሸከመን ተሸኪሙን ከምኡውን ሸኺሚ ዘለዋ ብቢስኪሌት ጉዕዞን (NMT) እዚ

ሐዚ ተበላሽዩ ዘሎ መንገዲ ብምምሕያሹ ካብ ህዝቢ ገጠር ጥራሕ ዝርከብ ረብሓ ዝተፈላለዩ መፅናዕታት መሰረት

ብምግባር ንምግማት ተፈትኑ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት ካብ ብእግሪን ብቢስኪሌትን ካብዝጓዝ ጥራሕ

ብር 3.7 ቢሊዮን ዝግመት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ክርከብ ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

ሰደቓ 3 ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት ብዝስረሑ መንገዲታት ካብጉዕዞ እግሪ ዝርከብ ግምት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ብብር

ዓመታ ብስኪሌት
ብሰብ ሸኽሚ እግሪ ጉዕዞ ናይ ጊዜ ዋጋ
መጠን ህዝቢ ዊ ተሸኪማ ድምር
($1)~60 ($.2~12) መሰረት
ምልልስ ($.5~30

በዝሒ ህዝቢ 6163700

ህዝቢ ገጠር 4499501


20-64 (53%) 2384736
ከይተሸከመ
ዝጓዓዝ 1192368 156 65,745,079 13,149,016 32,872,539 111,766,634 1,866,503
መጠንህዝቢ 50%
ተሸኪሙ ዝጓዓዝ
1073131 156 59,170,571 11,834,114 29,585,285 100,589,970 1,679,853
መጠንህዝቢ 45%
ብቢስኪሌት
ዝግልጋል ህዝቢ 119237 156 6,574,508 1,314,902 3,287,254 11,176,663 186,650
5%

ድምር 131,490,157 26,298,031 65,745,079 223,533,268 3,733,006

ናይ ጊዜ ዋጋ ብናይ ሐዚ ዕዳጋ መሰረት


9
ብምግባር 1.67%

1.5.3.ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ተወሳኺ እቶት ክዓቢ ምግባር

ኣብ ስራሕቲ መንገዲ ዝዓበየ ስራሕ ዕድል ካብዝፈጥሩ ናይ መንገዲ ቴክኖሎጂታት ሓደ ብኣብዝሓ ሓይሊ ሰብ

ዝስራሕ ናይ መንገዲ ስራሕ ኢዩ፡፡ ብኣብዝሓ ሓይሊ ሰብ ቴክኖሎጂ ምስራሕ ኣብ ዋጋ ይኹን ንከባቢ

ሕብረተሰብ ዘለዎ ዓቢዪ ጥቕሚ ዝለዎ እንትኾን ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ወፃኢ ሸርፊ

ኣብ ምቅላልውን ዓቢዪ ተራ ይፃወት ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ ባዓልመዚ መንገዲታት ትግራይ ኣብዞም ዝቕፅሉ 5

ዓመታት ብኣብዝሓ ሓይሊ ሰብ ቴክኖሎጂ ንመስራሕ ትለሚ ሕዙ ኣሎ፡፡

ኣብዝቕፅሉ 5 ዓመታት 5229 ኪሜ ሓደሽቲ መንገዲታት ንምስራሕ ትልሚ ተታሕዙ ኣሎ ። ኣብዞም

መንገዲታት ብሓይሊሰብ ክስረሑ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣለዉ፡፡ እዙይ ኣብ ፀፀር መንገዲታት ጥራሕ

ከይኮነስ ኣብ ኣብ ኣስፋልት ስራሕቲውን እንተኾነ ብውስን መልኪዑ ዝፍጠር ስራሕ ዕድል 1ኣሎ። በዚ

መሰረት ካብ ናይ ሕሉፍ ዝተሰርሑ ብኣብዝሓ ሓይሊ ሰብ ዝተሰረሑ መንገዲታት ዓመታዊ ኪሜ ስራሕ

ዕድል /Employment persons month per km/ ማእኸላይ መረዳእታ ብምውሳድ ኣብ ቀፃሊ ስትራተጂክ ትልሚ

2.26 ሚሊዮን ሕብረተሰብ ናይ ሓደ ወርሒ ስራሕ ዕድል ክፍጠር ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ፡፡

ሰደቓ 4 ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት ብዝስረሑ መንገዲታት ዝፍጠር ናይ ስራሕ ዕድል ግምት

ብኣዝሓ ዝተሰርሐ ስራሐ ዕድል


ብመሳርያ ሓይሊ ሓይሊሰብ ድምር ኪሜ ብኪሜ
1988-1991፣1994 61234 163492 238362 578.8
ማእኸላይ 12246.8 32698.4 47672.4 115.76 432
2015-2019 ትልሚ 5229 2,257,413.68

1.5.4.ናብ ንቡር ምምላስን ምውሳኽን ትራፈክ

ካልእ ብጥቕሚ ክለዓል ዝኽእል ብሰንኪ ኹናት ጠጠው ኢሉ ዝነበረ መጠን ትራፊክ ናብ ንቡሩ ምምላስን ካብዚ ሓሊፉ

ከምቲ ቅድሚ ኹናት ዝነበሩ ዓመታት በብዓመቱ ዝነበረ ናይ ትራፈክ ወሰኽ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታትውን ዝረአ ጉዳይ

ኢዩ። በዚ መሰረት ኣብ 2015 በጀት ዓመት ናብ 48 ሽሕ መጠን ትራፍክ ክምለስ ከምዝኽእል ትፅቢት ዘሎ መእንትኾን

አብ 2019 መወዳእታ ናብ 72 ሽሕ ከባቢ ክዓቢ ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።

1
Universal Road Access ProGram, surfacing options for low traffic volume roads
10
ሰደቓ 5 ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት ኣብ ናይ ፌዴራልን ክልል መንገዲታት ክህሊ ዝኽእል ግምት መጠን ትራፊክ

በጀት ኣብ ፌዴራል መንገዲታት ኣብ ክልል


ጠቕላለ ትራፊክ
ዓመት ኣስፋልት ፀፀር ፌዴራል ድምር መንገዲታት

2015 41702 4993 46695 1924 48619


2016 46678 5726 52404 2044 54448
2017 51655 6459 58113 2164 60278
2018 56631 7191 63823 2284 66107
2019 61608 7924 69532 2405 71937

1.6.ፖሊሲን ስትራተጂን

1.6.1.ፖሊሲ

ዘፈር መንገዲ ከም ካለኦት ዘፈር ልምዓት ንነዊሕ ዓመታት እነተንከባለለ ዝመፁ ብዙሕ ፀገማት
ዘለውዎ ዘፈር ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ እቶም ፀገማት ብዘላቒነት ንምፍታሕ ናይ ክልለና ኢኮኖሚያዊ
ዕብየት ንክድግፍ ዘድሊ ፖሊስን ስትራተጂን ተቐሪፆም እናተተግበረ መፂኦም እዩም። አብ ዝቕጽል
ናይ ስትራተጂክ ትልሚ እውን ግልፂ ዝኾኑ መፈፀሚ ፖለሲ ብምቕማጥን እዚ ንምፍፃም ዘድሊ
ስትራተጂን ተነፂሮም ክምዝስዕብ ቐሪቦም አለው።

ፖሊሲ 1፡ ናይ ነባር መንገድታት ፅገናን ብርኪን ብምምሕያሽ ናይ ትራንስፖርት ወፃኢብምቕናስ፤ናይ ሕርሻ፣


ኢንዱስተሪ፣ ማዕድን፣ ቱሪዝምን ንግድን ክስፍሕፋሕ ብምግባር ንዕብየት ኢኮኖሚ ድጋፍ ምሀብ።

ስትራቴጂ

 ትራፊክ ዝበዝሐን መራኸቢ ነባር ፀፀር መንገድታት ደረጃ ናብ አስፋልት መንገዲ ምዕባይ ፣
 ትራፊክ ዝበዘሐን ናይ ዩራፕ መንገድታት ብርኪ ምዕባይ፣
 ትራፊክ ዝበዘሐን ነባር መራኸቢ አስፋልት መንገድታት ናብ ዘመናዊ ብርኪ ምምሕሽ
ምግባር፤
 ዝተጎድኡ ነባር ናይ ፀፀር መንገድታት ናይ መደበኛ ፅገናን፤ ዳገመ ሕውየት ፅገና ምክያድ
 ወረዳታት አብ ኽልለን ዘሎ ናይ ዩራፕ መንገዲ ፅገና ብሰብ ሓይልን ክፅገን ምግባርን ዘድሊ
ክትትልን ቴክኒካዊ ሓገዝ ምፍጻም
 አብ መንገድታት ዝፈረሱ ድልድላትን ተፋሰስን ቕድምያ ብማሐብ ምስራሕ

11
 አብ ናይ ፀፀር ምንገዲ ይኹን ዩራፕ መንገዲ ዘይተሰርሑ ወይ ዝተቘረፁ ተፋሰስ ተሃልዩ
ምስራሕ
 ናይ ፈንድ መንገዲ ንምንገዲ ፅገና ፉሉይ ትኹርት ብማሐብ ንፅገና ዝኸውን በጀት እቶት
ከዕቢ ፃእሪ ምግባር
 ትርፊ ፅዕነት ብምፅዓን አብ ምንገዲ ዝበፀሕ ዕንወት ምክልኻል

ፖሊሲ 2፡ ናይ መንገዲ መርበብ ብምስፍሕፋሕ ህዘቢ ገጠር ተበፃሒ ክኸውን ምግባር፤ ውህሉል ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዘለዎ
ኸባቢ ተጠቃሚነት ክዓቢ ብምግባር፣ ምዕባለ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዕድን፣ ንግድን ብምዕባይ ኢኮኖሚ ዕቤት ክመፅእን
ድኽነት ክቕንስ ምሕጋዝ።

ስትራተጂ

 ብአቋራጭ ዘራኽቡን ነዊሕ ጉዕዞ ዝቕንሱ መራኸብቲ መንገድታት ብምፅናዕን ቅደሚት


ብምሰራዕን፣ በዝሐፀረ ጊዘን፣ ውሕድ ኮንስተራክሽን ወፃኢ ምህናፅ፤
 ናብ ዝተፀንዑ ልመዓት ኮሪደራት ሓደሽቲ ደረጀኦም ዝሐለየ መንገድታት ምህናፅ፤
 ብመንገዲ ዘይተራኸባ ጣብያታት ቅድሚት ሰሪዑ ሓደሽቲ መንገድታት ምህናፅ፤
 ጣብያ ምስ ጣብያ፣ ጣብያ ምስ ዋና መንገዲ፣ ጣብያ ምስ ወሰንቲ ዝኾነ ልመዓት ማዕከላት
ዘራብ መንገዲ ምህናፅ፤
 ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ቅድሚ ህንፀት ምጅማሩ መፅናዕቲ ምክያድ።

ፖሊሲ 3፡ ፕሮጀክት መንገዲ ብዝተሓዘሉ ጊዜ፣ ወፃኢን፣ ፅርየትን ብምህናፅ ንወለዶ ዝሰጋገር መሰረተ ልምዓት
ብምህናፅ፣

ስትራተጂ

 ካብ ፕሮጀክት መረፃን ቐረፃን ጀሚሩ ሳይንሳዊ ብዝኾነ አግባብ ክፅናዕ ፉሉይ ትኹረት
ምሀብ፤
 ደረጅኡ ንዝሓለወ ዲዛይን ፅንዓት ፉሉይ ትኹረት ብምሀብ መንገድታትና ፅርየቶም ዝሓለውን
ተመጣጣኒ ብዝኾነ ዋጋ ክህነፁ ፉሉይ ትኹረት ተዋሂቡዎ ይስራሕ፤
 አብ ናይ ምህንድስና ዕድጊት ብፅርየትን ካብ ግዕዝይና ዝፀረየ ፅፉፉ አሰራረሓ ብምኽታል፤
ግልፅነትን ተወዳዳራይነት ብዘብዝሕ ብዝተመጣጥነ ዋጋን ብፀርየትን ክፍፅሙ ዝኽእሉ ስራሕ
ተቛረፅትን አማኻርትን፤ አወዳዲርና እንመርፀሉ አሰራርሓ ምኽታል፤

12
 ናይ ፕሮጀክት ቑፅፅር ስራሕ ሳንሳዊ ብዝኾነ ምሕደራን አወዳድባን ብምፍጣር፣ ጥንኩር
ክትትል ምግባር፤
 ንፕሮጀክት ኮንትራት ምሕደራ ፉሉይ ጠመት ብምሀብ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ
ብምውፋር ጥቡቕ ቑፅፅር ምግባር፤
 ፕሮጀክትታ አብ ዝተተሓዘሎም ጊዜ፣ ፅርየት፣ በጀት ምውዳእ ዘኽእል ዝተፈላለዩ
ተሞክሮታትን አሰራርሓታ /project Delivery methodology/ ብምኽታል ክፍፀም ምግባር

ፖሊሲ 4፡ ዘመናዊ መንገድታት ብምትእትታው ፍጥነት መንገዲ ምውሳኽን

ቅልጡፍ ናይ ትራንስፖርት ግልጋሎት ክህሊ ምግባር

ስትራቴጂ

 ካብ ዲዛይን ዓቕሚ ብላዕሊ በዝሒ ትራፊክ ዘተአናግዱ መንገድታት ብምፅናዕ አማራፂ ናይ


ፍጥነት መንገዲ ክህነፅ መፅናዐቲ ምክያድ፤
 ኢኮኖሚዊ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ምስ ጎረባብቲ ክልላት፣ ዓዲታትን ወደብን ዘራኽቡ
ዘመናዊ ናይ ፍጥነት መንገዲታት ንምህናፅ መፅናዕቲ ምክያድ፤
 አብ ዝተመረፁ መንገድታት ናይ ክፍሊት መንገዲ ህንፀት ዝሳተፉ ፋይናንሰር ምተእልላሽ

ፖሊሲ 5፡ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ብምዕባይ ሰለጤን ፅሬትን ተመጣጣኒ ናይ ፕሮጀክት ዋጋ ክህሊ ምግባር፣

ስትራቴጂ

 ናይ በዓል መዚ መንገድታት ትግራይ፣ ሓዱሽ አወዳድባ ብምጥንኻር ዝተውሀቦ ልኡኽ ክፍፀም


ዘኽእል አወዳድባን ብቑዕ ሰብ ሓይሊ ምህናፅን፣ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምዕባይ፤
 ካብ ትልሚ ጀሚሩ፣ ናይ ምህንድስና ዕድጊት፣ አብ ኮንትራት ምሕደራ፣ ዲዛይን ማኔጅመንት፣
ምሕደራ ሀፍቲ መንገዲን ካልኦት ስራሕቲ ዘለው ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምዕባይ፤
 ናይ ወረዳ ዴስክ ዘሎ ናይ ኮንትራት ምሕደራን ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምዕባይን ዘድሊ
ቴክኒካዊን ንዋታዊ ሓገዝ ክወሃብ ምግባር፤
 አብቲ ዘፍር ዝሰልጠነን ብሉፅ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ሞያ ንክህሊ ምስ ዝምለከቶም አካላት
ተዋዲድካ ምስራሕ፤
 ናይ ግሊ ሰብ ሀፍቲን ሰብ ሞያን/ ኮንትራክተር፣ ኮንሳልታንት/ ተሳትፎ ምዕባይን፣ ከጠናኸሩ
ምድጋፍ፤
 አብቲ ዘፈር ዘድልዩ ቴክኒሻን ብፅርየትን ብበዝሕን ክስለጥኑን ክሰተፉን ምሕጋዝ፤
 ማእኸል መሰልጠኒ ኣጉላዕ ዓቕሚ ንምጥንኻር ዋና መሳለጢ ገይሪኻ ምጥቃም፤

13
 ብዝበለፀ ሰብ ሓይሊ ቴክኖሎጂ ምጥቃም፤

 ምትእትታውን ምጥንኻርን ሕብረተሰብን ኣናእሽቱ ኮንትራትን፡፡

ፖሊሲ 6፡ ኣሳታይፍነት መሰረታዊ ኣንፈት ስራሕቲ ተግባራዊ ብምግባር ውፅኢት ስራሕቲ


ምውሳኽን ናተይነትን ሕብረተሰብ ምዕባይን

 ብጣቢያን ቁሸትን ደረጃ ናይ መንገዲ ልምዓት ኮሚቴ ክጣየሽ ምግባር

 ንሕብተሰብ ናይ ፕላን፣ ፋይናንስን ፅገና ስልጠናታት ምሃብ

 ናይ ተበፃሕነት ገጠር ፕላን መስርሕ (IRAP) ምትግባር

 ካልኦት ናይ ብዝበለፀ ሓይሊሰብ ቴክኖሎጂ ስልጠና ምሃብ

ፖሊሲ 7፡ ስራሕቲ መንገዲ ፕሮጀክትታት አብ ህዝብን ተፈጥሮ ኸባቢን ዝፈጥርዎ ፅልዋ ንምቕናስን ናይ ከበባቢያዊ ሓለዋ
ዝወፁ ሕግታት፣ ደንቢታትን መምረሒታትን ምትግባር፣ ቁፅፅር ምጥንኻር

ስትራቴጂዎች

 ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ህንፀት ቅድሚ ምጅማሩ ዝርዝር መፅናዕቲ ፅልዋ ኸባቢ ምክያድን፣
አብ ተፈጥሮ ዘብፀሖ ፅልዋን ፣መፍትሒኡን ምንፃርን ተግባራዊ ምግባር፤
 ናይ መንገዲ ፕሮጀክት ህንፀት ቅድሚ ምጅማሩ ብሰንኪ እቲ ፕሮጀክት ዝፈናቐሉ ሰባት
ምንፃርን ግቡእ ካሕሳ ምኽፋል፣ ናይ መሊስካ ምሰፋርን ፣ ዳእግ ምትካል ስራሕቲ ምፍጻም፤
 አብ ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት መንገዲ አብ ሰራሕተኛ እቲ ፕሮጀክት ይኹን፣ አብቲ ኸባቢ
ማሕበረስብ ክኽሰት ዝኽእል ለበዳ ኤች አይ ቪ ኤድሰን፣ ካልኦት ተሓለላፉቲ ህማማት
ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕን፣ ግንዛበ ክፍጥር ምግባርን፣ እቲ ሰራሕ ዝሰርሑ አካላት
ኣብ ውዕሊ ኾይኑ ክአቱ ምእግበር፤
 ሐምላዋይ መንገዲ /Green Road policy/ ብምኽታል ብሰንኪ መንገዲ ዝበርሱ አግራብ
ምቕናስን፣ ዝበረሱ ንምትካእ ፉሉይ ትኹረት ምሃብ፤
 ንመንገዲ መሰረተ ልምዓት ግልጋሎት ዝዋዓሉ ንካምፕ፣ መዕረፊ ማሽነሪ፣ ንእታወት ዝውዕሉ
ማተርያል ዝተዃዓተ መሬት /Quarry site/ ኸባቢ ብዘይፀሉ መንገዲ ናብ ዝነበርዎ ኹነታት
ምምላስ፤
 ብሰንኪ ህንፀት መንገዲ ዝፍጠር ናይ መሬት ምድርማስ፣ ብውሑጅ ምጉሕጋሕ ንምቕናስ
ካብ መፅናዕቲ ዲዛይን ጀሚሩ ፍሉይ ትኹረት ይግበር።

ፖሊሲ 8፡ ምስ ካልኦት ናይ መሰረተ ልምዓት ትካላትን መዳርግቲ አካላትን ተዋዲድካ ብምስራሕ


ዝተታሐዙ ትልሚታት ብእዋኑ ክፍፃሙ ምግባር፣ግልፀኝነትን ተግባራዊ ብምግባር ተሓታትነት ምርግጋፅን ምዕባለ መንገዲ
መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምብፃሕ

14
ስትራተጂ

 ምስ ካልኦት ናይ መሰረተ ልምዓት ትካላት ጥንኩር ርክብ ብመፍጣርን ተዋዲድካ ብምስራሕ


ናይ ህንፀት ስራሕቲ ከይተአጓጎለ ምፍፀም፤
 ሰትራተጂክ ትልሚ ናብ ትግበራ ቅድሚ ምእታው ኩሎም ዝምልከቶም መዳርግቲ አካለት
ርእይቶ ክህብሉ ብምግባር ክዳብር ምግባር፤
 ትልሚ ናብ ትግበራ ምሰ አተወ ከይዲ አፈፃፅማ ፕሮጀክታት ጊዚኡ ዝሃለወ ፀብፃብ
ንመዳርግቲ አካላት ክቐርብ ምግባር፤
 ናይ ከባቢ ህዝቢ አብ ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት ካብ መፅናዕትን ዲዛይንን ጀሚቱ ተሳተፋይ
ክኾን ምግባር፤
 አብ ከይዲ ወሰን ምኽባርን ክፍሊት ካሕሳ ናይ ጣብያን ወረዳ ምምሕዳራት ተዋዲድኻን
ብሓባር ብምስራሕ እቲ ኽየዲ ምቅልጣፍ ክግበር እዩ።

ፖሊሲ 9፡ ብፅሒት አስፋልት መንገዲ ብምዕባይ ቁልጡፍ ምንቅስቓስ ህዝቢን ኣቖሑትን ክረጋገፅ ምግባር

 ናብ ኣስፋልት ደረጃ ክዓብዩ ዝግበኦም መንገዲታት ብምንፃር፤ ኣብ ዓመታዊ ትልሚ ምክታት


 አስፋልት ዘይተራባ ወረዳ ከተማታትን፣ ጣብያ ማእኽላት ናይ ከተማ አስፋልት መንገዲ
ምስራሕ

ፖሊሲ 10፡ ህንፀት መንገዲ አብ ትግራይ ብዂናት ዝበፀሐ ቀጥታዊ ዘይኾነ ማሕበራዊ ጉድአት ዝኽሕስ ክኾን
ክስራሕ እዩ፣ፉሉይ ተዛማዲ ፕሮጀክት ፓኬጃት ምግባር

ፖሊሲ 11፡ አብ ዘፈር ልምዓት መንገዲ ተጠቃሚነት ደቂ አንስትዮን መንአሰይን ምርግጋፅ

ስትራተጂት

 ብዳይሬክተርን ብመራሒ ጉጅለ ብርኪ ደቂ አንስትዮ ናብ መሪሐነት ክመፃ ዓቕሚ ምዕባይ


 ደቂ አንስትዮን መንአስይን ብደአንት ብርኪ ተወዲቦም አብ ኮንትራክተርን፣ መማኽርትን
ሰራሕቲ ዓቕሚ ከዕብዩን አብ ልምዓት ተሳታፋይ ክኾኑ ምሕጋዝ።
 ናይ ደቂ አነስትዮን መንአሰይን ተቃሚነት ንምረግጋፅ ናይ ኮንትራት ውዕሊ ነዚ ብዝሕግዝን
ዓቕሚ ብዘፈጥርን መልክዕ ትኹረት ተገይርሉ ክቕረፅ ክግበር እዩ።
 ብፍላይ አብ ናይ ገጠር መንገዲ ልምዓት ናይ ደቂ አንስትዩ ፍትሓዊን ኩለመዳይ
ተጠቃነሚነት ብዘረጋገግፅ መንገዲ ፉሉይ ትኹረት ተገይርሉ ክስራሕ እዩ።
 አብቲ ዘፈር አብዝተፈላለይ ብርኪ ዝሳተፉ ሰራሕተኛታት ፆታ ዕደመ ብመፍላይ ክእከብ፣
ክትንተንን ፀብፃብ ክግበር ናይ አስራረሓ ስርዓት ክወጸሉ አዩ።

ፖሊሲ 12፡ ተሳገርቲ ጉዳያት ኣትኩርካ ብምስራሕ ጥዕና ሕብረተሰብ ምሕላው

15
 ናይቲ ቤት ዕዮ በዓል መዚ ስራሕተኛታት፣ ናይ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ስራሕ ተቋረፅቲ

ስርሕቲ መንገዲን ሰብ ሙያ ኣማኸርቲን

 ናይ ስራሕ ተቋረፅቲ ብመዓልታዊ መደብ ስርሕ ዝቆፅርዎም መዓልታዊ ሰራሕታኛታትን እቲ

መንገዲ ዝሓልፈሎም ከባቢታት ዝነብሩ ማሕበረሰብ እዮም።

 ልዕሊ 60 ኪ.ሜትር ዝኮኑ ፕሮጀክታት ዝወሃቡ ግልጋሎታት ምስ ውዕሊ ኩንትራት እቲ

ፕሮጀክት ዝትግበረሉ ከባቢ ተጠዓዒሙ ንክስራሕ ድጋፍ ምሃብ፣

 ሕማም ኤች.ኣይ.ቪ/ኤድስ ሜይንስትሪሚንግ ብምግባር በቲ ሕማም ዝተጠቅዑ ሰራሕታኛታት

ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክረኽቡ ምግባር።

 ኮንዶምን ግንዛበ ናይ ምዕበይ በራሪ ፅሑፋት ንኽብተኑ ምግባር።

 ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ንስራሕተኛታት ብተከታታሊ ምሃብ።

 ኣብ ስራሕቲ ዑደት ናይ ምክትትልን ምቁፅፃርን ስራሕ ምስራሕ፣ ብቐፃልነት ክስራሕ

ምግባር።

1.7.ክትትልን ገምጋምን

1.7.1.ዕላማ ክትትልን ገምጋምን

ክትትልን ገምጋምን ብዋናነት ዓርባዕተ መሰረታዊ ዕላማታት ኣለዉዎ። እዚኦውን፦

 ምምሕያሽ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ (ፕሮጀክትታት፣ፕሮግራማት ካልኦት ስራሕቲ)

 ምምሕያሽ ትካላዊ ኣሰራርሓ

 ንሕብረተሰብ ጠቐምቲ ሓበሬታ ክበፅሕ ይገብር

 ተሓታትነት ንምርግጋፅ

16
ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት ናይ ክትትልን ገምጋምን ውፅኢትን ለውጢ (output and outcome )ጠመተ

ዝገበረ ኢዩ። እዙይ ማለት ግና ኣብ እብ እታዎታትን ስራሕትን (activities) ምንም ዓይነት

ክትትል ኣይግበረን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ትልሚ፣ ዕድግቲ ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ብቢ ጊዜኡ

ክትትል ዝግበረሎም ስራሕቲ እዮም። ኣብ ሓፅር ዝርከብ ውፅኢት ( output) ክትትልን ክግበር

እንትኾን ፣ትፅቢት ዝግበረሉ ማእኸላይ ለውጢን (outcome) ከምኡውን ነውሕ ግዜዝተቐመጠ

ለውጢ (impact ) ገምጋም ክግበር ኢዩ። በዚ መሰረት ብትልሚ ተታሕዞም ትፅቢት ዝግበረሎም

ውፂኢታት ስራሕቲ መንገዲ፣ምዕባይ ዓቕሚ፣ ምቕናስ ሓደጋ ትራፊክን ምቅናስ ከባቢያዊ ፀቕጢ

ዘጠቓለለ እንትኾን ኣብ ማእኸላይ ለውጢ ትፅቢት ዝግበረሎም ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ፣ ለውጢ (

ሰለጤን ፅሬት) ኢንስትቱሽናል ልምዲ ዘጠቓለለ ይኸውን። ኣብቲ ናይ ፕሮጀክትታት ናይ ነውሕ ጊዜ

ለውጢ ብዝዓበየ ልምዓት መንገዲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምፆ ለውጢ ተታሕዙ ዝግምገም ኢዩ።

1.7.2.ምድላው ክትትልን ገምጋምን

ክትትልን ገምጋምን ኣካል ፕሮጀክት ከይዲ ስለዝኾነ ብትልሚ ክምራሕ ይግባእ ። ስለዝኾነ

ውፅኢታዊ ክትትልን ገምጋም ንክኸውንን ንዝተታሓዙ ዕላማታታት ዕኾኑ ካብዚ ብታሕቲ

ተዘርዚሮም ዘለዉ ከይዲ ትልሚ ክትትልን ገምጋምን ተግባራዊ ክኾኑ ኣለዎም። እዚኦምውን ፦

 ምድላው ቸክ ሊስት

 ምቕማጥ ፍልፍል ሓበሬታ

 ምምራፅ መለከዒታት

 ምሓዝ መበገሲ መረዳእታ ( baseline data )

 ፖሊሲ፣ ዕላማ፣ሽቶን

 ምርግጋፅ ተሳትፎ የእትወና ባሃልቲ

1.7.3.ምልካዕ ስራሕቲ ውፂኢት ፣

ምልካዕ ውፅኢት (output performance measures)

ምልካዕ ውፂኢት ዝበሃሉ ኣብ መጀመረያ ብሽቶ ዝተቐመጡ ስራሕቲ ተወዲኦም ግልጋሎት ክህቡ

ከለዉ ዝርከብ ውፂኢት ማለት እዩ። ንኣብነት ዝተዳለወ ትልሚ፣ ዝተዳወ ዲዛይን፣ ዝተወደአ
17
መንገዲ፣ዝተራኸባ ጣቢያታት፣ ኣብ ስራሕ ዝዋዓለ ምስርሕ ማነጅመንት ወዘተ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ

ውፂኢት ንምልካዕ ሰለስተ መለከዒታትን መግለፂ ደረጃ ተቐሚጦም ኣለዉ። መለከዒታት

ብዝምልከት መጠን ውፀኢት፣ ዋጋ ውፂትን ፅሬት ውፂትን እዮም፡፡ ደረጃታት ብዝምልከት ድማ

ብጣዕሚ ፅቡቕ፣ ቅቡል፣ድኹምን ቅቡል ዘይኮነ ዝብሉ እዮም።

ምልካዕ መጠንን ጊዜን ውፂኢት ስራሕቲ

 ምልካዕ መጠን ስራሕቲ

እዚ ስራሕ ክከም ኩነታቱ ብወርሒ/ ርበዒ ዓመት ናይ ሕድሕድ ስራሕ ኣፈፃፅማ ሽቶ ምስ ትልሚ
ዝነፃፀረሉ ኣግባብ ኢዩ። በዚ መሰረት ሓደ ስራሕ በቲ ዝተታሐዘዘሉ ጊዜ ካብ ትልሚ ክንደይ
ዝኣክል ተፈፂሙ ንምግምጋም ዘኽእል ሰደቓ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ሰደቓ ስራሕቲ ብውልቀ
ንምዕቃን ዘኽእል ኢዩ።
ሰደቓ 6 መስርሕ መመዘኒ መጠን ስራሕቲ

ቀዳማይ ርብዒ ካልኣይ ርብዒ ሳልሳይ ርብዒ ራብዓይ ይ ርብዒ


ዝርዝር ድምር ፍፃኝ
ተቑ መዐቀኒ መበገሲ ዓመት ዓመት ዓመት ዓመት
ስራሕቲ
ትልሚ ፍፃመ ትልሚ ፍፃመ ትልሚ ፍፃመ ትልሚ ፍፃመ ትልሚ ፍፃመ
1 ስራሕቲ ኪሜ
1.1. ህንፀት ኪሜ
1.2 ምምሕያሽ ኪሜ
1.2.1 ፅገና
መንገዲ
ዓቕሚ
ቁፅሪ
2 ምዕባይ
ካልኦት
3 ስራሕቲ

 ምልካዕ ጊዜ

እዚ መለከዒ ብዋናነተ ስራሕቲ ብዝተታሓዘሎም ጊዜ ውይ ድማ ክውደእዎ ኣዝባእ ጊዜ

ምስረሖም ምርግጋፅ ዘኽእል መለከዒ እዩ። ብመፅር ጊዜ ክትትል ዝግበረሎም ስራሕቲ እዞም

ዝቕፅሉ ይርከቡዎም።

 ፕሮጀክት ናይ ምውዳእ ጊዜ

 ዝጠፍአ ጊዜ ብማዕለቲ
18
 ናይ ከይዲ ስራሕቲ (process) ጊዜ

 ናይ ቅሬታ ዝወሃ\ብ መለሲ ዝጠፍእ ጊዜ

 ናይ ፕሮጀክት ሱፐርቪዥን ጊዜ

 ደረጃ ምቕማጥ መጠን ስራሕቲ

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ሰደቓ መሰረት ናይ ሕድሕድ ስራሕቲ ደረጃ ብምቕማጥ ዝሓሸ ወይ ዝደኸመ
ስራሕ አፈፃፅማ ዘኽእል መጠን አፈፃፅማ ደረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ። እዚኦም ደረጃታት ብጣዕሚ
ፅቡቕ፣ ቅቡል ፣ድኹምን ተቐባልነት ዘይብሉ ብምባልናይ አፈፃፅማ ደረጃ ንምውፃእ ዝሕግዝ
መመላኸቲ ኢዩ።

ሰደቓ 7 መስርሕ ምቕማጥ ደረጃ መጠን ስራሕቲ

መግለፂ ኣፈፃፅማ
ነጥቢ መግለፂ እፈፃፅማ ብግዜ
ደረጃ ሚኢታዊ
ብዘይ ምንም
ብጣዕሚ
6 >90% መብረሂ ቅቡል ኣብ ዝተታሓዘሉ እዋን ዝተፈፀመ
ፅቡቕ
ዝግበር
ውስን ስራሕቲ
ቅቡል 5 71-90% *ካብ ሓደ-3 ወርሒ ስራሕ ዝተረፎ
ዝተረፎ
ዓበይቲ ስራሕቲ 3-5 ወርሒ ዘስርሕ ስራሕቲ
ደካማ 4 51-70%
ዝተረፎ ዝተረፎ
ደግመ ስራሕ
ቅቡል
2 <50% ሓዊሱ ብዙስራሕቲ ክሳብ 8 ወርሒ
ዘይኮነ
ዝተረፎ

 ምልካዕ ዋጋ/ወፃኢ/ ስራሕቲ

ክትትል ዋጋ ስራሕቲ ካብቶም ብጣዕሚ ጠቐምቲ ዝበሃሉ መለከዒ ስራሕቲ ሓደ ኢዩ። ኣብ

ስራሕቲ መንገዲ ካብዘለዉ ናይ ወፃኢ ፀገማት እዞም ዝስዕቡ ፀገማት ምጥቃስ ይከኣል።

 ናይ በጀት -ወፃኢ (budget variance) ኣፈላላይ

 ናይ ሕድሕድ አቆሑት/ ግልጋሎት ዋጋ (unit cost)

 ናይ ሕድ ሕድ ዝወፅእ ወፃኢ (overhead cost)

 ምልካዕ ወፃኢ /ዋጋ- ብዓርሰ ሓይሊ


19
ምልካዕ ወፃኢ ስራሕቲ ሓደ ስራሕ ብድምር ወይድማ ብንኡስ ስራሕ በምምቓል እቲ ስራሕ ወይ

ንኡስ ስራሕ ምስተወደአ ወፃኢኡ ምስቲ መጀመሪያ ዝተታሐዘሉ ብምንፅፃር አፈፃፀሙ ንምርኣይ

ዝሕግዝ መሰርሕ ኢዩ። ንኣብነተ ህንፀት ስራሕቲ መንገዲ ኣብትሕትኡ ናይ መሬት ስራሕቲ፣ ናይ

ፀፀር ምልባስ ስራሕቲ፣ናይ ተፋሰስ ስራሕቲ ወዘተ ዝብሉ ንኡሳን ስራሕቲ ኣለዉ። እዞም ስራሕቲ

ኣብ መጀመሪያ በጀት ክተሓዝ ከሎ ዝተመተሎም ወፃኢ ግመተ ኣሎ። በዚ መሰረት እቶም ስራሕቲ

ወይ ንኡስ ስራሕቲ ክጠናቐቑ ከለዉ ዝወፀ ወፃኢ ምስቲ ናይ መጀመሪያ ወፃኢ ብምንፅፃር ይልከዑ።

በዚ መሰረት ሓደ ስራሕ ወይ ንኡስ ስራሕ ወፃኢኡ ንምግምጋም ዘኽእል ሰደቓ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ

ኣሎ። እዚ ሰደቓ ስራሕቲ ብውልቀ ንምዕቃን ዘኽእል ኢዩ።

ሰደቓ 8 ናይ በጀት መከታተሊ ፎርሚ

ዝተወደአ በጀት ንፅፅር


ተቑ ዝርዝር ሽቶታት ስራሕ ወይ መዐቀኒ መበገሲ
ንኡስ ስራሕ ዝተገመተ በጀት ዝወፀ ወፃኢ
ስራሕቲ መንገዲ ኪሜ
1 ህንፀት መንገዲ ህንፀት ኪሜ
1.1 ናይ መሬት ኪሜ
1.2 ፀፀር ምልባስ ኪሜ
ተፋሰስ
1.3 ቁፅሪ
ስራሕቲ
1.3.1 ድልድይ ቁፅሪ
1.3.2 ማ. ድልድይ ቁፅሪ
1.3.3 ቱ ቦ ቁፅሪ
1.3.4 ፎርድ ቁፅሪ
2 ምዕባይ ዓቕሚ ቁፅሪ
3 ካልኦት ቁፅሪ

 ምልካዕ ወፃኢ /ዋጋ- ብኮንትራት

ምልካዕ ስራሕ ብኮንትራት ካብ ዓርሰ ሓይሊ ዝፈልዮ ነገር ናይ ስራሕቲ ወፃኢ ኮንትራት

ብዝተዋሃቢዎ መሰረት ዝግምገሙ ብምዃኖም ኢዩ። ብኮንትራት ዝዋሃቡ ስራሕቲ መብዛሕትኦም

ሓደ ስራሕ ብሙልእነት ዝወሃቡ ምዃኖም እዩ። ንኣብነት ህንፀት መንገዲ ከሜ፣ ፅገና መንገዲ

ብኪሜ ዝኣመሰሉ እዮም። ይኹን እምበር ሓደ ሓደ ጊዜ ክፋል ስራሕቲውን እንተኾነ ብኮንትራት

ስራሕ ይስረሑ እዮም። ንኣብነት ኣብ ሓደ መንገዲ ዝርከብ ድልድይ፣ ኣብ ሓደ መንገዲ ዝርከብ

20
ዝተበላሸወ ናይ ፅገና ስራሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጊዜ በቲ ኣብላዕሊ ዘሎ ሰደቓ መሰረት

ገምጋም ዋጋ ይግበር።

 ደረጃ ምቕማጥ ወፃኢ

እዚ መማለኸቲ ብዋናነት ናይ ፕሮጀክትታትን ፕሮግራማት ብበጀት ተታሕዙ ካብዝነበረ በጀት

ኣብ ስራሕ ዝዋዓለ ብምንፅፃር ውፅኡቲ ንምልካዕን ደረጃ ንምቕማጥነ ዝሕግዝ መለከዒ ኢዩ፡፡

ሰደቓ 9 ናይ ሕድሕድ ስራሕቲ ወፃኢ ደረጃ ንምቕማጥ ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

መግለፂ ደረጃ ነጥቢ ኣፈፃፅማ ሚኢታዊ መግለፂ እፈፃፅማ ብግዜ

ስራሕቲ ብዲዛይን መሰረት ኩሎም ብዘይ ምንም


ብዝተባሃለ ጊዜ
ብጣዕሚ ፅቡቕ 5 ስራሕቲ ተሰሪሖም ክሳብ 5% ትሕቲ መብረሂ ቅቡል
እንተተወዲኡ
ዝተታሐዘሉ ዋጋ እንተቐንሱ ዝግበር

ተወ
ሳኺ
ስራሕቲ ብዲዛይን መሰረት ኩሎም ስራሕ
ብዝተባሃለ ጊዜ
ቅቡል 4 ስራሕቲ ተሰሪሖም ምንም ተወሳኺ ዘይተ
እንተተወዲኡ
ወፃኢ ዘየስዓቡ ዋሃቦ
እንተ
ኾይኑ
ተወ
ሳኺ
ስራሕ
ብዲዛይን መሰረት ኩሎም ስራሕቲ 3-5 ወርሒ ዘስርሕ
ደካማ 3 ዘይተ
ንምስራሕ ልዐሊ 1-4% ወፃኢ እንተዳሪጉ ስራሕቲ ዝተረፎ
ዋሃቦ
እንተ
ኾይኑ
ደግ

ስራሕ
ብዲዛይን መሰረት ኩሎም ስራሕቲ
ሓዊሱ
ብጣዕሚ ድኹም 2 ንምስራሕ ልዐሊ ልዕሊ 5% ወፃኢ ክሳብ 8 ወርሒ
ብዙስ
እንተዳሪጉ
ራሕቲ
ዝተረ

ፅሬት ስራሕቲ

 ምልካዕ ፅሬት ስራሕትን ደረጃ ምቕማጥን

21
ኣብዚ መመላኸቲ ምልካዕን ደረጃ ምቕማጥ ፅሬትን ብሓባር ዝስረሑ ስራሕቲ እዮም።

ምኽንያቱ ግምጋመ ስራሕቲ ፅሬት ምስ ስታንዳርድ ዝኸዱ ስለዝኾኑ ኢዩ። በዚ መሰረት እዚ

መመላኸቲ ስራሕቲ በቲ ዝተታሓዘሎም ስታንዳርድ ወይ መመላኸቲ ምስራሐሙን

ዘይምስራሐሙን በዚ ኣብታሕቲ ተቐሚጡ ዘሎ ሰደቓ መሰረት ናይ ምልካዕን ደረጃ ናይ ምሃብ

ስራሕ ክስራሕ ኢዩ።

ሰደቓ 10 ናይ ሕድሕድ ስራሕቲ ፅሬት ደረጃ ንምቕማጥ ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

መግለፂ ደረጃ ነጥቢ ኣፈፃፅማ ሚኢታዊ

ብጣዕሚ ፅቡቕ 5 ብናይ ባመኢ ስታንዳርድ መሰረት ዝተሰርሐ እንትኾን

ብናይ ባመኢ ስታንዳርድ መሰረት ዝተሰርሐ ግና


ቅቡል 4
ብቀሊሉ ዝስተኻኸሉ ስራሕቲ እንትኾን
ብናይ ባመኢ ስታንዳርድ መሰረት ዝተሰርሐ ግና ካብ
ደካማ 3
1-2 ወርሒ ምስትኽኻል ዘድልዮ ስራሕቲ እንትኾን

መብዛሕትኡ ስራሕቲ ካብ 2 ወሒ ብላዕሊ ዘስረሕ


ቅቡል ዘይኮነ 2
ናይ ምስትኽኻል ስራሕ እንትኾን

1.8. ገምጋም ማእኸላይ ለውጢን ናይ ነውሕ ጊዜ ለውጢ

ናይ ክትትልን ገምጋምን ካልእ ጉዳይ ገምጋም ማእኸላይን ናይ ነውሕ ጊዜ ለውጢን ኢዩ። እዚ

ገምጋም ሓደ ስራሕ ምስተወደአ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘሎ ጊዜ ዝመፅእ ለውጢ

እንትኾን ክትትልን ገምጋምነ ስራሕቲ ካብ ቀዳማይ ዓመት ጀሚሩ ብምክያድ ዝስራሕ ኢዩ።፡ ኣብዚ

ገምጋምዚ ክልተ ዓበይቲ ዕላማታት መሰረት ዝገበረ ኢዩ። እዚኦምውን ብምኽንያት ፕሮጀክትታት

ኣብ ሕበረተሰብ ዝመፀ ለውጢን(ኣወንታዊን ኣሉታዊን) ለውጢ ኢንስትቱሽናል ዓቕሚን እዮም።

እዞም ገምጋማት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ (“prixy”) መለከዒታት መሰረት ብምግምጋም ክሪከቡ

ዝኽእሉ እዮም።

1.8.1.ገምጋም እንስቱትሽናል ዓቕሚ

22
ካብ ናይ ክልልና ናይ መንገዲ ሴክተር እንስትቱሽናል ክፍተት ውፅኢታዊን ቁልጡፍ ስራሕቲ ዓቕሚ

ንምምፃእ ዝተቐመጡ ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ዕላማታት ኣለዉ፡፡ እዚ ብዋናነት ሰራሕተኛታት

ዝተፈላለዩ ናይ ሙያ፣ክእለትን ፍልጠትን ክእለት ዘጠቓለለ እንትኾን ካልኦት ናይ ዓቕሚ ምዕባይ

ስራሕቲውን ክስረሑ እዮም፡፡ ንኣብነት ምትእትታው ብቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ኣሰረሓታት፣

ኣሰራሓታት ፣ ማኑዋላት ዝኣመሰሉ ምጥቃስ ይከኣል፡፡ እዞም ኩሎም ስራሕቲ ናይ መንገዲ ሴክተር

ዓቕሚ ንምዕባይ ዝስረሑ ስራሕቲ እዮም፡፡

በዚ መሰረት ኣብዞም ቀፂሎም ዘለዉ 5 ዓመታት ናይ መንገዲ ሴክተር ዘለዎ ዓቕሚ ደረጃ

ንምፍላጥ በብጊዚኡ ገምጋም ንምግባር ትልሚ ተታሕዙ ኣሎ፡፡ ነዙይውን ካብዚ ንታሕቲ

ተዘርዚሮም ዘለዉ መማለኸቲ ተቐሚጦም ኣለዉ፡፡

ሰደቓ 11 ናይ ሕድሕድ መረሕቲ ዳይሬክቶራት፣ጉጅለታትን ካልእኦት መሰል ማሓውርራት እቲ ባዓልመዚ ንምልካዕ ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

መመላኸቲ መለከዒ መበገሲ ናይ ሐዚ ትልሚ አፈላላይ


አፈፃፅማ
ስራሕቲ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ
o ክእለት/ ፍልጠት/ ናብ ተግባር ናይ ምትግባር
ዓቕሚ፣ስራሕቲ ናይ ምርዳእ ብቅዓት/
o ስራሕቲ ምትሕብባር /coordination/

ዓርሰ ሓይሊ ብቅዓት ፕሮጀክት መፅናዕቲ


ብቅዓት ገምጋም /review/ ፕሮጀክት ብኮንሰልታንት
ዓርሰ ሓይሊ ዲዛይን ስራሕ
ኮንትራት ናይ ምምሕዳር ብቕዓት
ፕሮጀክት ናይ ምክትታልን ምግምጋምን ብቕዓት

1.8.2.ገምጋም ኣብ ሕብረተሰብ ዝተርኣየ ለውጢ

እዚ መማለኸቲ ፕሮጀክትታት ብምስርሖም ብዝዓበየ ኣብ ሕበረተሰብ ዝተርኣየ ለውጢ

ንምግምጋም ዘኽእል መመላኸቲ እዩ፡፡ እዞም ለውጢታት ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ ዝርኣዩ ክኾኑ

ይኽእሉ፡፡

 ማእኸላይ ጊዜ ለውጢ

23
ናይዚ ስትራተጅክ ትልሚ አፈፃፅምኡ አብ ፍርቂ ናይቲ ትልሚ እንትግምገም እንተሎ በዞም ትሕቲ

እሎም አብ ሰደቃ ተገልፆም ዘለዉ ነጥቢታት አብ ሕ/ሰብ ዘምፅእዎ አወንታዊ ለውጢ ምግመጋም

ማለት እዩ።

ሰደቓ 12፡ኣብ ማእኸላይ ጊዜ ስራሕቲ መንገዲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምፀኦም ኣወንታዊ ለውጢ ንምግምጋም ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

ናይ ሐዚ
መመላኸቲ መለከዒ መበገሲ አፈፃፅማ አፈላላይ
ምስተ ተክኖሎጂ ዝተታሐዘ ሓረስቶት ዝወረስዎ ፍልጠት
ናይ ሕርሻ ምህርቲ ናብ ዕዳጋ ዝበፅሓሉ መጠን
ተሓክሙ ዝመፀ በዝሒ ህዝቢ
ዝቐነሱ ቀለልቲ ሕማማት
ኣብ ገዘአን ዝተዋለዳ ሓራሳት
ዝወሳኸ መጠን ኣነእሽቱ ንግዲታት
ዝተማሓየሸ መጠን ምቁራፅ ተማሃሮ

 መመላኸቲ ናይ ነውሕ ጊዜ ለውጢ

ሰደቓ 13፡ኣብ ነውሕ ጊዜ ስራሕቲ መንገዲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምፀኦም ኣወንታዊ ለውጢ ንምግምጋም ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

ናይ ሐዚ
መመላኸቲ መለከዒ መበገሲ አፈፃፅማ አፈላላይ
መጠን ዝዓበየ ምህርቲ
ዝተኣታተዉ ሓደሽቲ ናይ ሕርሻ ማእቶታት
ብሕክምና ዝዓገበ በዝሒ ህዝቢ
ዝቐነሱ ቀለልቲን ከበድቲን ሕማማት
ዝወሳኸ መጠን ኣነእሽቱ ምህርቲታትን ንግዲታት
ዝተማሓየሸ መጠን ምቁራፅ ተማሃሮ
ዝተፈጠረ ቋሚ ናይ ስራሕ ዕድል

ዝተጠረዩ ካልኦት ንብረታት / ብዕራይ፣ገዛ፣ወዘተ/

24
1.9.ክትትልን ገምጋምን

1.9.1.ዕላማ ክትትልን ገምጋምን

ክትትልን ገምጋምን ብዋናነት ዓርባዕተ መሰረታዊ ዕላማታት ኣለዉዎ። እዚኦውን፦

 ምምሕያሽ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ (ፕሮጀክትታት፣ፕሮግራማት ካልኦት ስራሕቲ)

 ምምሕያሽ ትካላዊ ኣሰራርሓ

 ንሕብረተሰብ ጠቐምቲ ሓበሬታ ክበፅሕ ይገብር

 ተሓታትነት ንምርግጋፅ

ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመታት ናይ ክትትልን ገምጋምን ውፅኢትን ለውጢ (output and outcome )ጠመተ

ዝገበረ ኢዩ። እዙይ ማለት ግና ኣብ እብ እታዎታትን ስራሕትን (activities) ምንም ዓይነት

ክትትል ኣይግበረን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ትልሚ፣ ዕድግቲ ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ብቢ ጊዜኡ

ክትትል ዝግበረሎም ስራሕቲ እዮም። ኣብ ሓፅር ዝርከብ ውፅኢት ( output) ክትትልን ክግበር

እንትኾን ፣ትፅቢት ዝግበረሉ ማእኸላይ ለውጢን (outcome) ከምኡውን ነውሕ ግዜዝተቐመጠ

ለውጢ (impact ) ገምጋም ክግበር ኢዩ። በዚ መሰረት ብትልሚ ተታሕዞም ትፅቢት ዝግበረሎም

ውፂኢታት ስራሕቲ መንገዲ፣ምዕባይ ዓቕሚ፣ ምቕናስ ሓደጋ ትራፊክን ምቅናስ ከባቢያዊ ፀቕጢ

ዘጠቓለለ እንትኾን ኣብ ማእኸላይ ለውጢ ትፅቢት ዝግበረሎም ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ፣ ለውጢ (

ሰለጤን ፅሬት) ኢንስትቱሽናል ልምዲ ዘጠቓለለ ይኸውን። ኣብቲ ናይ ፕሮጀክትታት ናይ ነውሕ ጊዜ

ለውጢ ብዝዓበየ ልምዓት መንገዲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምፆ ለውጢ ተታሕዙ ዝግምገም ኢዩ።

1.9.2.ምድላው ክትትልን ገምጋምን

ክትትልን ገምጋምን ኣካል ፕሮጀክት ከይዲ ስለዝኾነ ብትልሚ ክምራሕ ይግባእ ። ስለዝኾነ ውፅኢታዊ ክትትልን

ገምጋም ንክኸውንን ንዝተታሓዙ ዕላማታታት ዕኾኑ ካብዚ ብታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ከይዲ ትልሚ ክትትልን

ገምጋምን ተግባራዊ ክኾኑ ኣለዎም። እዚኦምውን ፦

 ምድላው ቸክ ሊስት

 ምቕማጥ ፍልፍል ሓበሬታ

 ምምራፅ መለከዒታት

25
 ምሓዝ መበገሲ መረዳእታ ( baseline data )

 ፖሊሲ፣ ዕላማ፣ሽቶን

 ምርግጋፅ ተሳትፎ የእትወና ባሃልቲ

1.9.3.ምልካዕ ስራሕቲ ውፂኢት ፣

ምልካዕ ውፅኢት (output performance measures)

ምልካዕ ውፂኢት ዝበሃሉ ኣብ መጀመረያ ብሽቶ ዝተቐመጡ ስራሕቲ ተወዲኦም ግልጋሎት ክህቡ

ከለዉ ዝርከብ ውፂኢት ማለት እዩ። ንኣብነት ዝተዳለወ ትልሚ፣ ዝተዳወ ዲዛይን፣ ዝተወደአ

መንገዲ፣ዝተራኸባ ጣቢያታት፣ ኣብ ስራሕ ዝዋዓለ ምስርሕ ማነጅመንት ወዘተ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ

ውፂኢት ንምልካዕ ሰለስተ መለከዒታትን መግለፂ ደረጃ ተቐሚጦም ኣለዉ። መለከዒታት

ብዝምልከት መጠን ውፀኢት፣ ዋጋ ውፂትን ፅሬት ውፂትን እዮም፡፡ ደረጃታት ብዝምልከት ድማ

ብጣዕሚ ፅቡቕ፣ ቅቡል፣ድኹምን ቅቡል ዘይኮነ ዝብሉ እዮም።

ምልካዕ መጠንን ጊዜን ውፂኢት ስራሕቲ

 ምልካዕ መጠን ስራሕቲ

እዚ ስራሕ ክከም ኩነታቱ ብወርሒ/ ርበዒ ዓመት ናይ ሕድሕድ ስራሕ ኣፈፃፅማ ሽቶ ምስ ትልሚ
ዝነፃፀረሉ ኣግባብ ኢዩ። በዚ መሰረት ሓደ ስራሕ በቲ ዝተታሐዘዘሉ ጊዜ ካብ ትልሚ ክንደይ
ዝኣክል ተፈፂሙ ንምግምጋም ዘኽእል ሰደቓ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ሰደቓ ስራሕቲ ብውልቀ
ንምዕቃን ዘኽእል ኢዩ።
ሰደቓ 14 መስርሕ መመዘኒ መጠን ስራሕቲ

ቀዳማይ ርብዒ ካልኣይ ርብዒ ሳልሳይ ርብዒ ራብዓይ ይ ርብዒ


ዝርዝር ድምር ፍፃኝ
ተቑ መዐቀኒ መበገሲ ዓመት ዓመት ዓመት ዓመት
ስራሕቲ
ትልሚ ፍፃመ ትልሚ ፍፃመ ትልሚ ፍፃመ ትልሚ ፍፃመ ትልሚ ፍፃመ
1 ስራሕቲ ኪሜ
1.1. ህንፀት ኪሜ
1.2 ምምሕያሽ ኪሜ

26
1.2.1 ፅገና
መንገዲ
ዓቕሚ
ቁፅሪ
2 ምዕባይ
ካልኦት
3 ስራሕቲ

 ምልካዕ ጊዜ

እዚ መለከዒ ብዋናነተ ስራሕቲ ብዝተታሓዘሎም ጊዜ ውይ ድማ ክውደእዎ ኣዝባእ ጊዜ

ምስረሖም ምርግጋፅ ዘኽእል መለከዒ እዩ። ብመፅር ጊዜ ክትትል ዝግበረሎም ስራሕቲ እዞም

ዝቕፅሉ ይርከቡዎም።

 ፕሮጀክት ናይ ምውዳእ ጊዜ

 ዝጠፍአ ጊዜ ብማዕለቲ

 ናይ ከይዲ ስራሕቲ (process) ጊዜ

 ናይ ቅሬታ ዝወሃ\ብ መለሲ ዝጠፍእ ጊዜ

 ናይ ፕሮጀክት ሱፐርቪዥን ጊዜ

 ደረጃ ምቕማጥ መጠን ስራሕቲ

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ሰደቓ መሰረት ናይ ሕድሕድ ስራሕቲ ደረጃ ብምቕማጥ ዝሓሸ ወይ ዝደኸመ
ስራሕ አፈፃፅማ ዘኽእል መጠን አፈፃፅማ ደረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ። እዚኦም ደረጃታት ብጣዕሚ
ፅቡቕ፣ ቅቡል ፣ድኹምን ተቐባልነት ዘይብሉ ብምባልናይ አፈፃፅማ ደረጃ ንምውፃእ ዝሕግዝ
መመላኸቲ ኢዩ።

ሰደቓ 15 መስርሕ ምቕማጥ ደረጃ መጠን ስራሕቲ

መግለፂ ኣፈፃፅማ
ነጥቢ መግለፂ እፈፃፅማ ብግዜ
ደረጃ ሚኢታዊ
ብዘይ ምንም
ብጣዕሚ
6 >90% መብረሂ ቅቡል ኣብ ዝተታሓዘሉ እዋን ዝተፈፀመ
ፅቡቕ
ዝግበር

27
ውስን ስራሕቲ
ቅቡል 5 71-90% *ካብ ሓደ-3 ወርሒ ስራሕ ዝተረፎ
ዝተረፎ
ዓበይቲ ስራሕቲ 3-5 ወርሒ ዘስርሕ ስራሕቲ
ደካማ 4 51-70%
ዝተረፎ ዝተረፎ
ደግመ ስራሕ
ቅቡል
2 <50% ሓዊሱ ብዙስራሕቲ ክሳብ 8 ወርሒ
ዘይኮነ
ዝተረፎ

 ምልካዕ ዋጋ/ወፃኢ/ ስራሕቲ

ክትትል ዋጋ ስራሕቲ ካብቶም ብጣዕሚ ጠቐምቲ ዝበሃሉ መለከዒ ስራሕቲ ሓደ ኢዩ። ኣብ

ስራሕቲ መንገዲ ካብዘለዉ ናይ ወፃኢ ፀገማት እዞም ዝስዕቡ ፀገማት ምጥቃስ ይከኣል።

 ናይ በጀት -ወፃኢ (budget variance) ኣፈላላይ

 ናይ ሕድሕድ አቆሑት/ ግልጋሎት ዋጋ (unit cost)

 ናይ ሕድ ሕድ ዝወፅእ ወፃኢ (overhead cost)

 ምልካዕ ወፃኢ /ዋጋ- ብዓርሰ ሓይሊ

ምልካዕ ወፃኢ ስራሕቲ ሓደ ስራሕ ብድምር ወይድማ ብንኡስ ስራሕ በምምቓል እቲ ስራሕ ወይ

ንኡስ ስራሕ ምስተወደአ ወፃኢኡ ምስቲ መጀመሪያ ዝተታሐዘሉ ብምንፅፃር አፈፃፀሙ ንምርኣይ

ዝሕግዝ መሰርሕ ኢዩ። ንኣብነተ ህንፀት ስራሕቲ መንገዲ ኣብትሕትኡ ናይ መሬት ስራሕቲ፣ ናይ

ፀፀር ምልባስ ስራሕቲ፣ናይ ተፋሰስ ስራሕቲ ወዘተ ዝብሉ ንኡሳን ስራሕቲ ኣለዉ። እዞም ስራሕቲ

ኣብ መጀመሪያ በጀት ክተሓዝ ከሎ ዝተመተሎም ወፃኢ ግመተ ኣሎ። በዚ መሰረት እቶም ስራሕቲ

ወይ ንኡስ ስራሕቲ ክጠናቐቑ ከለዉ ዝወፀ ወፃኢ ምስቲ ናይ መጀመሪያ ወፃኢ ብምንፅፃር ይልከዑ።

በዚ መሰረት ሓደ ስራሕ ወይ ንኡስ ስራሕ ወፃኢኡ ንምግምጋም ዘኽእል ሰደቓ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ

ኣሎ። እዚ ሰደቓ ስራሕቲ ብውልቀ ንምዕቃን ዘኽእል ኢዩ።

ሰደቓ 16 ናይ በጀት መከታተሊ ፎርሚ

ዝተወደአ በጀት ንፅፅር


ተቑ ዝርዝር ሽቶታት ስራሕ ወይ መዐቀኒ መበገሲ
ንኡስ ስራሕ ዝተገመተ በጀት ዝወፀ ወፃኢ

28
ስራሕቲ መንገዲ ኪሜ
1 ህንፀት መንገዲ ህንፀት ኪሜ
1.1 ናይ መሬት ኪሜ
1.2 ፀፀር ምልባስ ኪሜ
ተፋሰስ
1.3 ቁፅሪ
ስራሕቲ
1.3.1 ድልድይ ቁፅሪ
1.3.2 ማ. ድልድይ ቁፅሪ
1.3.3 ቱ ቦ ቁፅሪ
1.3.4 ፎርድ ቁፅሪ
2 ምዕባይ ዓቕሚ ቁፅሪ
3 ካልኦት ቁፅሪ

 ምልካዕ ወፃኢ /ዋጋ- ብኮንትራት

ምልካዕ ስራሕ ብኮንትራት ካብ ዓርሰ ሓይሊ ዝፈልዮ ነገር ናይ ስራሕቲ ወፃኢ ኮንትራት

ብዝተዋሃቢዎ መሰረት ዝግምገሙ ብምዃኖም ኢዩ። ብኮንትራት ዝዋሃቡ ስራሕቲ መብዛሕትኦም

ሓደ ስራሕ ብሙልእነት ዝወሃቡ ምዃኖም እዩ። ንኣብነት ህንፀት መንገዲ ከሜ፣ ፅገና መንገዲ

ብኪሜ ዝኣመሰሉ እዮም። ይኹን እምበር ሓደ ሓደ ጊዜ ክፋል ስራሕቲውን እንተኾነ ብኮንትራት

ስራሕ ይስረሑ እዮም። ንኣብነት ኣብ ሓደ መንገዲ ዝርከብ ድልድይ፣ ኣብ ሓደ መንገዲ ዝርከብ

ዝተበላሸወ ናይ ፅገና ስራሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጊዜ በቲ ኣብላዕሊ ዘሎ ሰደቓ መሰረት

ገምጋም ዋጋ ይግበር።

 ደረጃ ምቕማጥ ወፃኢ

29
እዚ መማለኸቲ ብዋናነት ናይ ፕሮጀክትታትን ፕሮግራማት ብበጀት ተታሕዙ ካብዝነበረ በጀት

ኣብ ስራሕ ዝዋዓለ ብምንፅፃር ውፅኡቲ ንምልካዕን ደረጃ ንምቕማጥነ ዝሕግዝ መለከዒ ኢዩ፡፡

ሰደቓ 17 ናይ ሕድሕድ ስራሕቲ ወፃኢ ደረጃ ንምቕማጥ ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

መግለፂ ደረጃ ነጥቢ ኣፈፃፅማ ሚኢታዊ መግለፂ እፈፃፅማ ብግዜ

ስራሕቲ ብዲዛይን መሰረት ኩሎም ብዘይ ምንም


ብዝተባሃለ ጊዜ
ብጣዕሚ ፅቡቕ 5 ስራሕቲ ተሰሪሖም ክሳብ 5% ትሕቲ መብረሂ ቅቡል
እንተተወዲኡ
ዝተታሐዘሉ ዋጋ እንተቐንሱ ዝግበር

ተወ
ሳኺ
ስራሕቲ ብዲዛይን መሰረት ኩሎም ስራሕ
ብዝተባሃለ ጊዜ
ቅቡል 4 ስራሕቲ ተሰሪሖም ምንም ተወሳኺ ዘይተ
እንተተወዲኡ
ወፃኢ ዘየስዓቡ ዋሃቦ
እንተ
ኾይኑ
ተወ
ሳኺ
ስራሕ
ብዲዛይን መሰረት ኩሎም ስራሕቲ 3-5 ወርሒ ዘስርሕ
ደካማ 3 ዘይተ
ንምስራሕ ልዐሊ 1-4% ወፃኢ እንተዳሪጉ ስራሕቲ ዝተረፎ
ዋሃቦ
እንተ
ኾይኑ
ደግ

ስራሕ
ብዲዛይን መሰረት ኩሎም ስራሕቲ
ሓዊሱ
ብጣዕሚ ድኹም 2 ንምስራሕ ልዐሊ ልዕሊ 5% ወፃኢ ክሳብ 8 ወርሒ
ብዙስ
እንተዳሪጉ
ራሕቲ
ዝተረ

ፅሬት ስራሕቲ

 ምልካዕ ፅሬት ስራሕትን ደረጃ ምቕማጥን

ኣብዚ መመላኸቲ ምልካዕን ደረጃ ምቕማጥ ፅሬትን ብሓባር ዝስረሑ ስራሕቲ እዮም።

ምኽንያቱ ግምጋመ ስራሕቲ ፅሬት ምስ ስታንዳርድ ዝኸዱ ስለዝኾኑ ኢዩ። በዚ መሰረት እዚ

መመላኸቲ ስራሕቲ በቲ ዝተታሓዘሎም ስታንዳርድ ወይ መመላኸቲ ምስራሐሙን

30
ዘይምስራሐሙን በዚ ኣብታሕቲ ተቐሚጡ ዘሎ ሰደቓ መሰረት ናይ ምልካዕን ደረጃ ናይ ምሃብ

ስራሕ ክስራሕ ኢዩ።

ሰደቓ 18 ናይ ሕድሕድ ስራሕቲ ፅሬት ደረጃ ንምቕማጥ ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

መግለፂ ደረጃ ነጥቢ ኣፈፃፅማ ሚኢታዊ

ብጣዕሚ ፅቡቕ 5 ብናይ ባመኢ ስታንዳርድ መሰረት ዝተሰርሐ እንትኾን

ብናይ ባመኢ ስታንዳርድ መሰረት ዝተሰርሐ ግና


ቅቡል 4
ብቀሊሉ ዝስተኻኸሉ ስራሕቲ እንትኾን
ብናይ ባመኢ ስታንዳርድ መሰረት ዝተሰርሐ ግና ካብ
ደካማ 3
1-2 ወርሒ ምስትኽኻል ዘድልዮ ስራሕቲ እንትኾን

መብዛሕትኡ ስራሕቲ ካብ 2 ወሒ ብላዕሊ ዘስረሕ


ቅቡል ዘይኮነ 2
ናይ ምስትኽኻል ስራሕ እንትኾን

1.9.4. ገምጋም ማእኸላይ ለውጢን ናይ ነውሕ ጊዜ ለውጢ

ናይ ክትትልን ገምጋምን ካልእ ጉዳይ ገምጋም ማእኸላይን ናይ ነውሕ ጊዜ ለውጢን ኢዩ። እዚ

ገምጋም ሓደ ስራሕ ምስተወደአ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘሎ ጊዜ ዝመፅእ ለውጢ

እንትኾን ክትትልን ገምጋምነ ስራሕቲ ካብ ቀዳማይ ዓመት ጀሚሩ ብምክያድ ዝስራሕ ኢዩ።፡ ኣብዚ

ገምጋምዚ ክልተ ዓበይቲ ዕላማታት መሰረት ዝገበረ ኢዩ። እዚኦምውን ብምኽንያት ፕሮጀክትታት

ኣብ ሕበረተሰብ ዝመፀ ለውጢን(ኣወንታዊን ኣሉታዊን) ለውጢ ኢንስትቱሽናል ዓቕሚን እዮም።

እዞም ገምጋማት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ (“prixy”) መለከዒታት መሰረት ብምግምጋም ክሪከቡ

ዝኽእሉ እዮም።

31
1.9.5.ገምጋም እንስቱትሽናል ዓቕሚ

ካብ ናይ ክልልና ናይ መንገዲ ሴክተር እንስትቱሽናል ክፍተት ውፅኢታዊን ቁልጡፍ ስራሕቲ ዓቕሚ

ንምምፃእ ዝተቐመጡ ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ዕላማታት ኣለዉ፡፡ እዚ ብዋናነት ሰራሕተኛታት

ዝተፈላለዩ ናይ ሙያ፣ክእለትን ፍልጠትን ክእለት ዘጠቓለለ እንትኾን ካልኦት ናይ ዓቕሚ ምዕባይ

ስራሕቲውን ክስረሑ እዮም፡፡ ንኣብነት ምትእትታው ብቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ኣሰረሓታት፣

ኣሰራሓታት ፣ ማኑዋላት ዝኣመሰሉ ምጥቃስ ይከኣል፡፡ እዞም ኩሎም ስራሕቲ ናይ መንገዲ ሴክተር

ዓቕሚ ንምዕባይ ዝስረሑ ስራሕቲ እዮም፡፡

በዚ መሰረት ኣብዞም ቀፂሎም ዘለዉ 5 ዓመታት ናይ መንገዲ ሴክተር ዘለዎ ዓቕሚ ደረጃ

ንምፍላጥ በብጊዚኡ ገምጋም ንምግባር ትልሚ ተታሕዙ ኣሎ፡፡ ነዙይውን ካብዚ ንታሕቲ

ተዘርዚሮም ዘለዉ መማለኸቲ ተቐሚጦም ኣለዉ፡፡

ሰደቓ 19 ናይ ሕድሕድ መረሕቲ ዳይሬክቶራት፣ጉጅለታትን ካልእኦት መሰል ማሓውርራት እቲ ባዓልመዚ ንምልካዕ ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

መመላኸቲ መለከዒ መበገሲ ናይ ሐዚ ትልሚ አፈላላይ


አፈፃፅማ
ስራሕቲ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ
o ክእለት/ ፍልጠት/ ናብ ተግባር ናይ ምትግባር
ዓቕሚ፣ስራሕቲ ናይ ምርዳእ ብቅዓት/
o ስራሕቲ ምትሕብባር /coordination/

ዓርሰ ሓይሊ ብቅዓት ፕሮጀክት መፅናዕቲ


ብቅዓት ገምጋም /review/ ፕሮጀክት ብኮንሰልታንት
ዓርሰ ሓይሊ ዲዛይን ስራሕ
ኮንትራት ናይ ምምሕዳር ብቕዓት
ፕሮጀክት ናይ ምክትታልን ምግምጋምን ብቕዓት

12.1.1 ገምጋም ኣብ ሕብረተሰብ ዝተርኣየ ለውጢ

እዚ መማለኸቲ ፕሮጀክትታት ብምስርሖም ብዝዓበየ ኣብ ሕበረተሰብ ዝተርኣየ ለውጢ

ንምግምጋም ዘኽእል መመላኸቲ እዩ፡፡ እዞም ለውጢታት ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ ዝርኣዩ ክኾኑ

ይኽእሉ፡፡

32
 ማእኸላይ ጊዜ ለውጢ

ሰደቓ 20፡ኣብ ማእኸላይ ጊዜ ስራሕቲ መንገዲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምፀኦም ኣወንታዊ ለውጢ ንምግምጋም ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

ናይ ሐዚ
መመላኸቲ መለከዒ መበገሲ አፈፃፅማ አፈላላይ
ምስተ ተክኖሎጂ ዝተታሐዘ ሓረስቶት ዝወሰዎ ፍልጠት
ናይ ሕርሻ ምህርቲ ናብ ዕዳጋ ዝበፅሓሉ መጠን
ተሓክሙ ዝመፀ በዝሒ ህዝቢ
ዝቐነሱ ቀለልቲ ሕማማት
ኣብ ገዘአን ዝተዋለዳ ሓራሳት
ዝወሳኸ መጠን ኣነእሽቱ ንግዲታት
ዝተማሓየሸ መጠን ምቁራፅ ተማሃሮ

 መመላኸቲ ናይ ነውሕ ጊዜ ለውጢ

ሰደቓ 21፡ኣብ ነውሕ ጊዜ ስራሕቲ መንገዲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘምፀኦም ኣወንታዊ ለውጢ ንምግምጋም ዝሕግዙ መመዘኒ ረቑሓታት

ናይ ሐዚ
መመላኸቲ መለከዒ መበገሲ አፈፃፅማ አፈላላይ
መጠን ዝዓበየ ምህርቲ
ዝተኣታተዉ ሓደሽቲ ናይ ሕርሻ ማእቶታት
ብሕክምና ዝዓገበ በዝሒ ህዝቢ
ዝቐነሱ ቀለልቲን ከበድቲን ሕማማት
ዝወሳኸ መጠን ኣነእሽቱ ምህርቲታትን ንግዲታት
ዝተማሓየሸ መጠን ምቁራፅ ተማሃሮ
ዝተፈጠረ ቋሚ ናይ ስራሕ ዕድል

33
ዝተጠረዩ ካልኦት ንብረታት / ብዕራይ፣ገዛ፣ወዘተ/

ኣብ 5 ዓመታት ብዝስርሑ ፕሮጀክትታት ዝርከብ ውፅኢት ብዋና ዋና መማላኸቲታት (indicators)

ትልሚ በጀት ዓመት

ተ.ቁ ኣመላኸቲ ሽቶታት 2014


2015 2016 2017 2018 2019
(bseline)

1 ጠቕላላ ናይ መንገዲ ንውሓት ብኪሜ


6367 6621.46 8087.5 8420.08 10314.72 11596
2 ሓጋይ ምስ ክረምቲ ዝወስድ ናይ ወረዳ
2403 2597.49 3711.49 3,711 4,961 5,858
መንገዲ
3 ሓጋይ ምስ ክረምቲ ብዝወስድ ናይ ወረዳ
መንገዲ ዝተራኸባ ጣቢያታት በዝሒ 660 723 812 812 812 812

4 ትሕቲ ጣቢያ ዝሰፍረሎም ከባቢታት ናይ


ሕብረተሰብ መንገዲ ንውሓት ኪሜ 2500 2900 3300 3700 4100 4500

ናብ ሓጋይ ምስ ክረምቲ መንገዲ ዝወስድ


3.64
ማእኸላይ ጊዜ ብኪሜ 3.50 2.87 2.75 2.25 2.00
5 ካብ ሓጋይ ምስ ክረምቲ መንገዲ 5 ኪሜ 25.36
ብላዕሊ ርሐቑ ዝነብር ከባቢ ብምእታዊ 23.99 17.49 16.28 10.82 8.21
ካብ ሓጋይ ምስ ክረምቲ መንገዲ 2 ኪሜ
6 ብላዕሊ ርሐቑ ዝነብር ከባቢ ብምእታዊ 57.76
56.50 49.79 48.38 41.09 36.79
7
ፃዕቒ መንገዲ ብቦታ-(km/1000km2)
116.67 121.33 148.20 154.29 189.01 212.4899124
8 ፃዕቒ መንገዲ ብበዝሒ ህዝቢ (km/1000
population) 1.005 1.005 1.276 1.329 1.627 1.830
9 ተቐባልነት ዘለዎ ኩነታት መንገዲ ብምእታዊ
(Good+Fair Condition)

1. ፊዚካል ስራሕቲ

1.1 ፅገና ስራሕቲ

1. ፅገና
ተቑ ዝርዝር ስራሕ 2015 2016 2017 2018 2019 ድምር
1 ዕለታዊ ፅገና 664 653 854 979 1023 4173
2 ወቕታዊ ፅገና 1545 171 189 1142 1712 4760
3 ዳግመ ሕውየት 1444 11435 9288 1838 1118 25123
ንኡስ ድምር 3653 12259 10331 3959 3853 34056

34
1.2.ካብ ፅገና ወፃኢ ስራሕቲ መንገዲ

2 ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ፀፀር 1054293893 5271835691 1723556704 8049686287


መንገዲታት ህንፀት ምምላእ - -
2 ህንፀት ሓዱሽ መንገዲ 599939447 899909170 1499848617
- - -
2 ደረጃ ምዕባይ 4368971100 4780016310 12491150270 7725729880 29365867560
-
2 ሓድሽ ኣስፋልት መንገዲ 11519527298
ህንፀት ምሕታትን ድጋፍ - - - - -
ምሃብ
ንኡስ ድምር 1054293893 21760273536 7403482184 12491150270 7725729880 38915402464

2. ዲዛይንን መፅናዕቲታት

1 ስራሕቲ ዲዛይን 14430000 16650000 16650000 47730000


- -
2 መፅናዕቲ ኩነታት መንገዲ 64002600 64002600 64002600 64002600 64002600 320013000
3 መፅናዕቲ ትራፊክ 42988080 42988080 42988080 42988080 42988080 214940400

4 መፅናዕቲ ገምጋም መንገዲ 25274700 25274700 50549400


- - -
ንኡስ ድምር 106990680 132265380 121420680 148915380 123640680 633232800

2.ፋይናንስ

2.1 ፅገና
ተቑ ዝርዝር ስራሕ 2015 2016 2017 2018 2019 ድምር
1 ዕለታዊ ፅገና 663937634 652846104 853968543 978821815 1023157823 4172731919
1 ወቕታዊ ፅገና 1545259305 171078750 189327150 1142136635 1712137558 4759939398
1 ዳግመ ሕውየት 1444210996 11435385838 9288176720 1837765950 1117714500 25123254005
ንኡስ ድምር 3653407935 12259310693 10331472414 3958724400 3853009881 34055925322

35
ሰደቓ-1 ንውሓት ኪ.ሜ፣ሽፋን መንገዲ፣ብፅሒት መንገዲ

በዝሒ ህዝቢ 2011


ተ.ቁ ዓይነት መንገዲ ንውሓት ኪ.ሜ ስፍሓት መሬት ሽፋን መንገዲ ዓ/ም ብፅሒት መንገዲ
40 0.4
1 አስፋልት 2190 54844 ኪ.ሜ 5,377,143 ኪ.ሜ
75 0.8
2 ፀፀር 4113 54844 ኪ.ሜ 5,377,143 ኪ.ሜ
115 1.2
3 ድምር 6303 54844 ኪ.ሜ 5,377,143 ኪ.ሜ

 ሽፋን መንገዲ=(ዝተሰርሐ ንውሓት ኪ.ሜ X1000) /ስፍሓት መሬት


 ብፅሒት መንገዲ=(ዝተሰርሐ ንውሓት ኪ.ሜ X1000) /በዝሒ ህዝቢ

1.ሽፋን መንገዲ= (2190 ኪ.ሜ X1000) / 54844 ስ.መ ብ.ኪ.ሜ =40 ኪ.ሜ

2. ብፅሒት መንገዲ= (2190X1000)/ 5,377,143 =0.4 ኪ.ሜ

1.ሽፋን መንገዲ= (1413 ኪ.ሜ X1000) / 54844 ስ.መ ብ.ኪ.ሜ =75 ኪ.ሜ

2. ብፅሒት መንገዲ=(1413X1000)/ 5,377,143 =0.8 ኪ.ሜ

36

You might also like