ተመክሮ

You might also like

Download as docx, pdf, or txt
Download as docx, pdf, or txt
You are on page 1of 4

መተግበሪ ትልሚ ተመክሮ ልውውጥን ወርክ ሾፕን

መዳለዊ፤

ዝርዝር ትሕዝቶታት
1. መእተዊ...................................................................................................................................................2
2. ዕላማ......................................................................................................................................................2

3. ወሰን እዚ ስራሕ........................................................................................................................................2

4. ሜላ ኣዳላልዋ................................................................................................................................................2

4. ተሳተፍቲ ኣካላት........................................................................................................................................3

5. ዝፍፀመሉ እዋን.....................................................................................................................................3
1. መእተዊ
ኣብ ዓለምና ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ተተሓሒዙ ቡዝሓት ፅልዋታት ንዓለምና ማሕበረሰብ ተኣፋፊ ስክፍታ
እዩ።ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባታት ገምገም ባሕሪ፤ተፋሰስት ሩባታትን ቅላታትን ዘጠቃለለ ትሑት መሬት ብሰንኪ ምውሳክ
ፀፍሒ ባሕሪ፤ምውሳክ ውሕጅን ለውጢ ቅዲ ዝናብን ዝኣመሰሉ ረቁሓታት ንሳዕቤናት ለውጢ ኩነታት ኣየር ንክህልው
ዓብዩ ተራ ዝፃወት እዩ።ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ቆላማታት ከባቢታት ዘስዕቦ ብዶሆታት ነቲ ዝተሓላለከ ማሕበራውን
ቁጠባውን ረቁሓታት ዝምልከት ኩለመደያዊ ኣግባብ የድሊ።ፃዕርታት ምትዕፅፃፍ ንፍሉይ ተቃላዕነት ዕድላት መሬት ነቶም
ኣብ ቆላታት ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዝክርከቡ ዝተፈላለየ ድሌታትን ፍልጠትን ዘለዎም ማሕበረሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ
ክከውን ኣለዎ።ኣብ ቆላማ ከባቢታት ንኩነታት ኣየር ዝቓቆም ማሕበረሰብ ንምፍጣር ውፅኢታዊ ናይ ኩነታት ለውጢ
ነባሪ ኣየር ዘላቅነት ምሕደራ መሬትን ማይን፤ተፃዋርነት ዘለዎ ሕርሻ ኣሰራርሓ ብምፍጣር ዘጠቃለለ ስራሕቲ ወሳኒ
እዩ።እዞም ናይ ምትዕፅፃፍ ስራሕቲታትን ስትራተጅታትን ኣብ ቆላማ ማሕበረሰብ ዝተኣሰሰሩ ፅልዋታት ናይ ምፅዋርን
ምሕዋይን ዓቅሞም ንምዕባይ ዝዓለመ ኮይኑ ንዕቀባ ተፈጥሮ ሃፍትን ብዙሃ ሂወትን እውን ንምዕንፋዕ ዝዓለመ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ቆላማ ከባቢታተ ዘሎ ለውጢ ከነታት ኣየርን ብደሆታትን ዝለዓለ መፍትሕታትን ናይ ምቁቃም ስራሕቲ
ዝጠልብን ብምካኑ ንማሕበረሰብ ናይ ዓቅሚ ምዕባይ ስራሕቲ ብምስራሕን መነባብሮኦም ብዝተመሓየሸ መንገዲ ብሓባር
ብምስራሕን ፍልጠት ብምክፋልን ናይ ከባቢ ክእለት ወይም ዓቅሚ ብምውህሃድን ምስ ፈሉይ ቆላማ ድሌታትን ምስ
ፈሉይ ድሌታት ኩነታት ቆላታት ዝስማዕማዕ ተዓፃፃፋይ ፍታሕ ምምዕባል ወሳኒ እዩ።

2. ዕላማ
ዝተፈላላዩ ሜላታት ናይ ምቁቃም እስራሕቲ ሰራሕ ብምስራሐ ኣብ ቆላማ ከባቢታት ዘለው ማሕበረሰብ ዘላቂ ናይ
ሃፍቲ ተፈጥሮ መሕዋይ ስራሕቲ መሰረት ዝገበረ ብሉፅ ተመክሮ ብምድላው ዘላቂ ልምዓትን ተጠቃምነትን ምርግጋፅ።

3. ወሰን እዚ ስራሕ
ኣብ ጣብያ ሳምረን ለምለምን ካብ ዝርከቡ ዝተውፃፅኡ ማሕበረሰብ ምስ ስትሪንግ ኮሚቴ፤ቴክኒካል ኮሚቴን
ዝተሳተፍሉ ተመክሮ ልውውጥን ወርክ ሾፕን ምክያድ ዘጠቃለለ እዩ።

4. ሜላ ኣዳላልዋ
ኣብ ሜላታት ምቁቃም ኩነታት ነባሪ ኣየርን ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝተመስረተን ናይ ተመክሮ ልውውጥን መድረክ
ምድላውን ሰራሕቲ ዘጠቃለለ እዩ።
4. ተሳተፍቲ ኣካላት
ተሳተፍቲ ኣካላት በዝሒ ዘድሊ በጀት
ስትሪንግ ኮሚቴ 08
ቴከኒካል ኮሜቴ 10
ጣብያ ገባር 08
ወረዳ ቁጠባ ኪኢላ በዝሒ 06
ቤት ምክሪ 02
ሰብ ሞያ ጣብያ 04

ሽፈር 01
ኣካውንታት ን ካሸርን 02

ድምር ሓይሊሰብ 38 60,402.57

5. ዝፍፀመሉ እዋን
ካብ ዕለት 20/10/2016 ዓ/ም-30/10/2016 ዓ/ም

ዘድሊ በጀትት 60,402.57 ብር

ፈልፍል በጀት፤ LLC

You might also like