Download as pptx, pdf, or txt
Download as pptx, pdf, or txt
You are on page 1of 26

በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ለውጢ ነባሪ ኣየርን

ክልል ትግራይ

ኣብ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ጓሓፍ ከተማታት ቑፅፅር

ኣብ እነካይደሉ እዋን ክንገብሮም ዝግበኣና፡፡

መዳለዊ፡- ወላይ ፀጋይ


ኪኢላ ቑፅፅር ብክለት

Email: wediminase6@gmal.com

ከተማ ውቕሮ
ግንቦት - 2016ዓ/ም
ትሕዝቶ
 ዕላማ
 ቑፅፅር ዝካየደሎም ከባቢታት
 ወፍሪ ፅሬት
 ኣተኣኻኽባ ደረቕ ጓሓፍ
 ኣተሓሕዛን ኣቀማምጣን ጓሓፍ
 ኣጠቃቕማ ደስት ቢን
 ደረቕ ጓሓፍ ምጉዕዓዝ
 መእለይ ጓሓፍ እንታይ ይመስል ?
 ኣወዳድባ ኣብ ከተማ ፅሬት ዝተዋፈራ ማሕበራት
 ኣተሓሕዛ ናይ ኣብያተ ህንፀትን ጥዕና ትካላትንደረቕ ጓሓፍ
 ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ረሳሕ ፈሳሲ
 ኣወሳስዳ ስጉምቲ
 ኣብ ፋብሪካታት ዝካየድ ቁፅፅር/ ምምርመራ ብክለት
ዕላማ

 ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ጓሓፍ ብመንፅር ሃገራዊ ፖሊሲ ፣


ሕገ-መንግስቲ ፣ ኣዋጃት፣ ደንብታትን መምርሒታትን ደረቅ
ጓሓፍ ኣብ ባይታ ከመይ ገይርና ቁፅፅር ከምእነካይድን
እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምእንወስድን ንምርኣይ ዝዓለመ
እዩ፡፡
ቑፅፅር ዝካየደሎም ከባቢታት
 ናይ ንግዲ ትካላት ጓሓፍ፡- እንዳፀጉሪ ፣ እንዳ ፅማቕ ፣ ላቫጆ ፣
ገራዣት ፣ ስፖር ማርኬታት ፣ መዛናግዒን ፣መናሃርያ ፣ናይ ጎደና
ጓሓፍ ፣ ዕዳጋ ፣ ናይ ህዝቢ ሽንትቤት ፣ እንዳቁርስን ምግብን
ክፍቲ ቦታታትን
 ናይ መንበሪ ጓሓፍ ፡- ሆቴላት ፣ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ
/ኮንደምንየም/
 ናይ ትካላት ጓሓፍ ፡- ኮሎጃት ፣ ዩንቨርስቲታት ፣
መንግስታዊን ቤት ፅሕፈታት ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ፣
ኣብያተ ህንፀትን ካልኦትን
ዝቐፀለ---

 ትካላት ጥዕና ፡- መንግስተዊን ውልቃውን ሆስፒታላት ፣ ጥዕና ጣብያታትን

ፋርማሲታትን ፤ ኣብየተ ህንፀታትን ፖሊስ ጣብያታትን ናይ እንስሳት ሕክምና


ትካላት ፣ ፀረ-ባልዓት…

 ኢንስትሪታትን ፋብሪካታትን ፡- ዓበይትን ኣንኣሽትን ፋብሪካታት

 ኮንስትራክሽንን ፍርስራስን ጓሓፍ፡- ካብ ህንፃታት ፣ ትምህርቲ ፣ፋብሪካታት ፣

መንገዲ

 ናይ ሕርሻ ጓሓፍ፡- ፃህያይ ፣ኣቁፅልቲ ፣ ናይ እንስሳት ተረፍ ምህርቲ፣ ፀረ- ባልዓት

 እንዳ ኤለክትሮኒክስ ፡- እንዳ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ

 ሩባታት
ወፍሪ ፅሬት

 ሰሙናዊን ወርሓዊን ብጣብያን ከተማን ደረጃ


ዝካየድ ወፍሪ ፅሬት ኣሎ ዶ? መን የተሓባብሮ?
ቀዋሚ መዓልቲ ኣለወን ዶ?
 መዓልታዊ፡- ንመንበሪ 20ሜትሮ ረዴስ ፤ ንትካላት
50ሜትሮ ረዴስ ይፀሪ ዶ?
 ፀረጋ ፋኛትራታት - ኣብ 3ተ ወርሒ ሓደ ግዜ ይፅረጉ
ኣድላይ እንተኮይኑ ኣብ ዝተባላሸወሉ
ዝቐፀለ…

 ፀሊም ፅርጊያ ኣብ ሰሙን ክንደይ ግዜ ይፀሪ ኮብልስቶን



 ምእላይ ተረፈ ምህርቲን እንስሳ፡- በዓል እንሰሳ ናይ
እንሰስኡ ጓሓፍ ባዕሉ ኣብ መእለይ ቦታ ክኣሊ
ምክትታል
 ዝሞተ እንስሳ በዓል ዋና ተዘይሃልይዎ ቤት መዘጋጃ
ንከኣልዮ ምሕባርን ምክትትልን
ኣተኣኻኽባ ደረቕ ጓሓፍ
 ካብ ገዛ ገዛ ብምዛር ድዩ ወይ ናብ ዝተነፀረ ቦታ ሕ/ሰብ
ይእክቦ
 መዓዝ መዓዝ ግልጋሎት ምልዓል ጓሓፍ ይረክቡ ?
 ንመንበሪን ንትካላትን ኣብ ሰሙን ክንደይ ግዜ ግልጋሎት
ምልዓል ጓሓፍ ይረክቡ ?
 ሰዓት ክንደይ ይለዓል ?
 መን ይእክቦ ፣ ብቤት መዘጋጃ ወይስ ብውልቀ ሰባት ብቤት
መዘጋጃ እነተኮይኑ ቅጥዒ 001 ይጥቀሙ ዶ ኣገባብ
ኣወሃህብኡ ግልጋሎቱ ይነፀር
ኣተሓሕዛን ኣቀማምጣን ጓሓፍ

 ዓይነት መትሐዚ እንታይ እዩ? ይንፀር

 ክዳን/ሽፋን ኣለዎ ዶ?

 ኣበይ ቦታ ተቐሚጡ? ዉሑስ ድዩ ?

 ብቀሊሉ ብእንስሳት ክብተን ዶ ይክእል ?

 ንጥዕና ደቂ ሰባት ይጎድእ ዶ ፅባቀ ከባቢ ኸ የባላሹ ዶ?


ኣጠቃቕማ ደስት ቢን

 በዝሒ ደስቲ ቢን
 መጣራቐሚ ፎኪስ ጓሓፍ ምኳኑ ሕ/ሰብ ግንዛበ
ክህልዎ ምስራሕ
 መክደን ክህልዎ ብምግባር

 መዓዝ መዓዝ ከምዝልዓል ክትትል ምግባር


ደረቕ ጓሓፍ ምጉዕዓዝ

 ብውልቀ ወይ ብመንግስቲ ፣ ብማሕበር ይጓዓዓዝ


 ናብ መእለይ ጓሓፍ ዝወስድ መንገዲ ኣመቺ ድዩ?
 እንታይ ዓይነት መጓዓዝያ ይጥቀም ፡- ብጋሪ ፣ ብመኪና
 ሽፋን/ክዳን ኣለወን ዶ እተን መጓዓዓዝቲ
መእለይ ጓሓፍ እንታይ ይመስል ?
 ኪኢላ ላንድ ፊል ሳይት
 ደረጅኡ ዝሓለወ ድዩ ኣይኮነን
 መሰረተ ልምዓት ኣለዎ ዶ ፡- ሓፁር ምስ ማዕፁኡ ፤
ማይ ፤ መብራህቲ ፤ ሻወርን ሽንትቤትን ፤ ዝተፈለየ ጓሓፍ
መኸዘኒ ገዛ ፤ ኦፊስን ክዳን መቃያየርን ኣብኡ
ንዝሰርሑ ፤ ማሽነሪታት-ዶዘር ፣ ሎዶር…
 ጓሓፍ ይፍለ ዶ ወይስ ኣይፍለን ፤ ስቕ ኢሉ ይድፋእ ፤
ሓመድ ይድብደብ ፤ ይቃፀል
 ዝተፈለየ ጓሓፍ ናበይ ይኸይድ
ኣወዳድባ ኣብ ከተማ ፅሬት ዝተዋፈራ ማሕበራት
 ክንደይ ማሕበራት ኣለዋ

 በዝሒ ኣባለተን

 ዘለወን ካፒታል

 መዓልታዊ እቶት ማሕበራት

 ስራሕ መቆሎ

 ናይ ድሕንነት ክዳን ምህላወን


 በዝሒ ተሽከርከርቲ ወይ መጓዓዝያ ካልኦት እታወታትን
 ንካልኦት ዝፈጠረኦ ስራሕ ዕድል
ኣተሓሕዛ ናይ ኣብያተ ህንፀትን ጥዕና ትካላትንደረቕ ጓሓፍ

 ዝተበከለን ዘይተበከለን ዝፍለ ምኳኑ ፤


 በላሕቲ ነገራት ተፈልዩ ኣብ ኢንሲነሬቶር ዝቀፀል ምኳኑ
 ኣጠቓቕማ ኢነርጂ ፡- ምግቢ መስርሒ ፤ ክዳን መሕፀቢ
ማሽነሪታት
 ሓፁር እቲ ግቢ ፤ መቕበሪ መድሓንቲ/ሓፁር ምስ ማዕፅኡ ንበይኑ
፣ ናይቲ ጉድጓድ መክደን ፤ ጓሓፍ መቐበሪ ገድጓድ
 ግዜ መጥቀሚ ዝሓለፎም መድሓኒታት ስርዓቱ ዝሓለወ መወገዲ
፤ ኩነታት ሴፕቲክ ታንክ ፤ ደረጅኡ ዝሓለወ ኢንስነሬተር ምሀላዉ
ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ረሳሕ ፈሳሲ

 ክትትልን ቁፅፅርን ካብ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ዝወፅእ ረሳሕ ፈሳሲ


 ካብ ዓበይቲ ትካላትን ፋብሪካታትን ዝወፅእ ፈሳሲ ቁፅፅርን ክትትልን
ምግባር ፤ ንክምርምር ፃዕሪ ምግባር
 ካብ ከተማ ተመጢጡ ዝከይድ ረሳሕ ፈሳሲ ኣበይ ከምዝፈስስ ክትትል
ምግባር መድፍኢ እንተዘይሃልዩ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዝርራብ
መፍትሒ ምቕማጥ
 ኣብ ስርዓት ምሕደራ ሕርዲ እንስሳ /ቄራ/ ክትትል ብምግባር ካብኡ
ዝፍልፍል ጓሓፍ ብኣግባቡ ክታሓዝን ክእለን ምግባር

 በዓል ዋና ክህልዎ ድፊኢት ምግባር


ኣወሳስዳ ስጉምቲ

 ግብረ-መልሲ ምሃብ ፡- ኣበይታን ኣብ ቢሮን ክኸውን


ይኽእል

 መረዳእታታት ብምእካብ ናይ ቃልን ናይ ፅሑፉን


መጠንቀቕታ ምሃብ

 ከከም ኩነታቱ ንካልኣይ ግዜ መጠንቀቕታ ምሃብ

 ምስ በዓል መዚ ብምርድዳእ መፍትሒ ምቕማጥ


ኣብ ፋብሪካታት ዝካየድ ቁፅፅር/ ምምርመራ ብክለት

 ምጅማር ምርመራ ብኽለት ኣብ ፋብሪካታት


 ናብ ዝምከቶ ናይ ሕጊ ኣካል ሓደገኛ ዝኮነ ተግባር ምፍፃሙ
ፀብፃብ እንተቐሪቡ ምርመራ ይካየድ(ይጅመር)፡፡
 ኣብ እዋን ምርመራ መርማሪ ኣካል ዘድሊ መርትዖ ዝተኣከበ ምኳኑ
ከረጋግፅ ኣለዎ፡፡ መርትዖታት ድማ (ብፎቶ ግራፍ ፣ትዕዝብቲ
ብምክያድ ፣ ናሙና ብምውሳድ ፣ ሰነድ ብምፍታሽ---ወዘተ) ፡፡
 ገሊኦም መርቶዖታት ብግዜ ዝተገደቡ ስለዝኮኑ ድሕሪ ዝተወሰነ
ግዜ ክጠፍኡ ስለዝኽእሉ ሰኒድኻ ምሓዝ የድሊ፡፡
ኣብ ትካል ዝካየድ ምርመራ

 ስርዓት ሓሊኻ ናብቲ ምርመራ ዝካየደሉ ትካል ምእታው


 ናይ ድሕንነት ክዳውንቲ ምግባር
 ናይ ቢሮ ማሕተም ዘለዎ ስራሕኻን ሓላፍነትኻን ዝገልፅ መታወቅያ
ምሓዝ፤ ኣብ ዝተሓተትኻሉ ምርኣይ
 ኣብ መእተዊ እቲ ትካል ናይ ጋሻ መመዝገቢ እንተሃልዩ በቲ ፎርሚ
መሰረት ምምዝጋብ፡፡
መእተዊ ኣኼባ ምግባር

 ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሰብ ሞያታት ክእከቡ ምግባር

 ዓርስኻ ምፍላጥ

 ዝተረኸቡ ኣካላት ስምን ፊርማን ምሓዝ

 ናይ ምርመራ/ምፅራይ ኣንፈትን ዕላማን ምግላፅ

 ናይቲ ትካል ሰብ ዋና ወይ ተወከልቲ/ሓለፍቲ ዘቕረብዎ ሕቶ እንተሃልዩ


መብርሂ መሃብ፡፡
 ኣብ ዝተቐመጠ ግዜ ሰሌዳ እቲ ምርመራ ንክውዳእ ናይ ሓበር ምርድዳእ
ምግባር
ባይታዊ ምርመራ
 ኣብ እዋን ባይታዊ ምርመራ ክካተቱ ዝግበኦም፡-
 ኣብቲ ክምርመር ዝተደለየ ትካል ትዕዝብቲ/ቅኝት ምክያድ
 ዘይተለሙዱ/ ዘጋጠሙ ፀገማት ክዝገቡ ምግባር
 ፎቶ ግራፍ ፣ ቪድዮ ምልዓል
 ሓፈሻዊ ገፅታ ናይቲ ትካል ቀደም ሰዓብ ክፀሓፍ ኣለዎ፡፡
 ኣብቲ እዋን ዝተጠቐምካሉ/ኪሉ ማስተወሻ ምስናድን ኮፒ
ምትሕሓዝ
ሰነድ ምርመራ

 ቀደም ሰዓም ከይዲ ምህርቲ (flow chart)

 ምስ ቑፅፅር ብኽለት ዝተተሓዙ ሰነዳት( ኣብነት ኣጠቓቕማ


ማይ ፣ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ፣ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን
ከሚካላት ፣ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ደረቕ ጓሓፍ )
 ቅድሚ ሐዚ ዝተኻየዱ ናይ ውሽጥን ደገን ኦዲትን ዝተወሃቡ
ኣስታየትን ግበረ-መልስን
 ትልሚ ኣተሓሕዛ ጓሐፍ
ዝቐፀለ…
 ሰነድ ገምጋም ፅልዋ ስነ-ከባቢ

 ሰነድ ኣተሓሕዛ ከሚካል ( material safety data sheet)

 ሰነድ ድሕንነት ስራሕ

 ናይ ሰራሕተኛታት ሕክምና መዛግብቲ ሰነዳት

 ዝቐረበ ጥርዓን እንተሃልዩ ዝተፈተሐሉ ኣገባብ እውን

 ኣብ ዙርያ እቲ ትካል ዝርከቡ ሕ/ሰብ ምስቲ ትካል ዘለዎም


ርክብን ደገፍን ፡፡
ፀብፃብ እንትቐርብ ክካተቱ ዝግበኦም ነጥብታት

1. ርእሲ

2. ትካል ኣድራሻ

3. ናይ ትካል ተወካሊ/ተፀዋዒ

4. ሽም ዝርዝር ናይ ምርመራ ጉጅለ

5. ሓፂር ታሪኽ እቲ ትካል

6. ምርመራ ዝተኻየደሉ ዕለትን ሰዓትን

7. ዝርዝር ዝተካየደ ምርመራ

8. ዝተመርመሩ ሰነዳት

9. ርካቦታት

10. ሪኢቶ
ኣወሳስዳ ስጉምቲ

 ናይ ቃልን ፅሑፉን ግብረ መልሲ ኣበይታን ኣብ ቢሮን ክኸውን ይኽእል

 ንበዓል ትካል ወይ ሕጋዊ ወኪል ዝተረከበ ናይ ምርመራ ውፅኢትን ክውሰዱ

ዝግበኦም መተሰካከሊ ስጉምትታ ምንግጋርን ምርድዳእን

 መረዳእታታት ብምእካብ ናይ ቃልን ናይ ፅሑፉን መጠንቀቕታ ምሃብ ንዝምልከቶም

ቤት ፅሕፈት እውን ብቅዳሕ ክፈልጡ ምግባር

 ከከም ኩነታቱ ንካልኣይ ግዜ መጠንቀቕታ ምሃብ

 ምዕሻግ/ምዕፃው / ወይ ፍቃድ ምምንጣል

 ምስ በዓል መዚ ወይ ወረዳ/ከተማ ማሓውር ብምርድዳእ መፍትሒ ምቕማጥ

 ኩሎም መረዳእታ ብምድላው ብሕጊ ንክሕተት ምግባር


ስለዘዳ መፅኩምኒ
የቕንየለይ

You might also like